ሞዛምፒክ፡ ንኻልኣይ ግዜ ዘጋጠመ ህቦብላ 'ኬነት' ዕንወት የውርድ ኣሎ

ኣብ ኮሞሮስ ሰባት ብዝዓነዉ ገዛውትን ኣግራባትን ተጎዲኦም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ህቦብላ ከኔት ኣብ ደሴታት ኮሞሮስ ዕንወት የውርድ ኣሎ

ኣብታ ቅድሚ ሰሙናት ብሓያል ማዕበል ብዙሕ ዕንወት ዝወረዳ ሞዛምቢክ፡ 'ኬነት' ብዝተሰምየ ህቦብላ ዳግማይ ትሕመስ ኣላ።

እቲ ህቦብላ 220ኪሜ ኣብ ሰዓት ቅልጣፈ ዘለዎ ንፋስ ዝሓዘለ ኮይኑ፤ ዛጊት ኣብ ደሴት ኮሞሮስ ሰለስተ ሰባት ቀቲሉ ኣሎ።

30 ሽሕ ሰባት ናብ ውሑስ ዝኾነ ስፍራ ክግዕዙ ከም ዝተገብረ፡ ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ምእላይ ሓደጋታት ሞዛምቢክ ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ 'ኢዳይ' ዝተሰምየ ህቦብላ ኣብቲ ዞባ ብዘስዓቦ ዕንወት ኣማኢት ሰባት ምምዋቶም ይዝከር።

ብምኽንያት እቲ ህቦብላ ኣብ ሞዛምቢክ፡ ማላዊን ዚምባብወን ልዕሊ 900 ሰባት ሞይቶም እዮም።

ልዕሊ 3 ሚልዮን ሰባት፡ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘድልዮም ድማ ተገሊጹ።

መግለጺ ቪድዮ, ሚካኤል፡ ኣብ 100 ዓመት ተራእዩ ዘይፈልጥ ህቦብላ