ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 6 ሽሕ ሰባት ብኮቪድ እንትሞቱ ዳርጋ ኩሎም ዘይተኸተቡ ምዃኖም ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, AMANUEL SILESHI
ብምኽንያት ምግፋሕ ደልታ ዝተባህለ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ዝውስኽ ዘሎ ኮይኑ፡ ዳርጋ ኩሎም መወትቲ ዘይተኸተቡ ምዃኖም ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ፡፡
ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ዝተረኸበ መረዳእታ ከምዝሕብሮ ካብ ወርሒ ሰነ ክሳብ መፋርቕ ነሓሰ ብኮቪድ ካብ ዝሞቱ ሰባት፡ እቲ ሓደ ጥራሕ እዩ ክታበት ወሲዱ ነይሩ፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ትማሊ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 29 መስከረም 2014 ዓ/ም፡ ቁጽሪ በቲ ቨይረስ ዝሞቱ ሰባት 5 ሽሕን 950 ን በጺሑ ኣሎ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ 308 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ኮይኖም ፡ እዚ ቁጽሪ እቲ ለበዳ ካብ ዝጅምር ኣብ ሰሙን ዝተመዝገበ ዝለዓለ በዝሒ ሞት ኮይኑ ኣሎ።
ብተወሳኺ መዓልታዊ ብማእከላይ ልዕሊ ሓደ ሽሕ በቲ ቫይረስ እንትተሓዙ ኣብዚ ሰሙን ብማእከላይ መዓልታዊ 44 ሰባት ይሞቱ ከምዘለዉ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ፡፡
ብሰንኪ እቲ ደልታ ዝተባህለ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ፣ ናብ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን ዝኣትዉን ዝሞቱን ሰባት ከምዝወሰኸ ዝገለጸት ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ሊያ ታደሰ፡ ምብዛሕ ኣኼባታት፣ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይምግባርን እቲ ለበዳ ንምክልኻል ዝወጹ ድምብታት ዘይምኽባርን እቶም ቀንዲ ምኽንያታት ምግፋሕ እቲ ቫይረስ ምዃኖም ተዛሪባ፡፡
ንሳ ጽንዓት ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት(ሲዲሲ) መሰረት ብምግባር ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ዘይተኸተቡ ሰባት ንቲ ቫይረስ ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ካብ 4.5 ዕጽፊ ንላዕሊ፣ ናብ ሆስፒታል ናይ ምእታው ዕድሎም ካብ 10 ዕጽፊ ንላዕሊ፣ ናይ ምሟት ዕድሎም ድማ ካብ 11 ዕጽፊ ንላዕሊ እዩ ኢላ፡፡
ምስ ምኽፋት ኣብያተ ትምህርቲ ተተሓሒዙ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ድማ መምህራን ክኽተቡ፣ ወለድን ተምሃሮን መከላኸሊ መንገዲታት ክፈልጡ፣ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር ግዴታ ክኸውንን ተምሃሮ ኣካላዊ ምርሕሓቕ ንምትግባር ብፈረቓ ክመሃሩን ሓቲታ፡፡







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







