ኢትዮጵያ: ኣብዚ ቕነ ዝረአ ዘሎ ጉንፋዕ ንመን ብዝያዳ ናብ ሓደጋ ከቃልዕ ይኽእል?

ምንጪ ስእሊ, PA
ኣብዚ ቅንያት ጉንፋዕ ዝመስል ሕማም ብስፍሓት ይረኣይ ኣሎ። እዚ ሕማም ዝሓዞም ገለ ሰባት ብኸቢድ ስቓይ ክሓልፍዎ ከለዉ፤ ንገሊኦም ድማ ክሳብ ኣብ ዓራት ክድቅሱ ኣብጺሕዎም።
ብኻልእ ገጽ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ኣዝዩ ብዝለዓለ መጠን ይውስኽ ምህለዉ ይግለጽ። ብርግጽ እቲ ወሰኽ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሙሉእ ዓለም እዩ ዝረአ ዘሎ።
ሓበሬታታት ከምዘመልክትዎ እቲ ‘ኦሚክሮን’ ዝተባሃለ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ካብ ዝኽሰት ንደሓር ቁጽሪ ዝልክፉ ሰባት ኣብ በብክልተ መዓልቱ ብዕጽፊ እናወሰኸ ይርከብ። ኣብ ኣሜሪካ ጥራሕ በቲ ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ቁጽሮም ካብ 13 ናብ 73 ሚኢታዊት ደይቡ’ሎ።
እዚ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ምህላዉ ገና ብሚንስትሪ ጥዕና ኣይተረጋገጸን ዘሎ። ግን ከኣ ብኮሮናቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ብዝሖም ብዝለዓለ መጠን እናወሰኸ እዩ።
ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ቢቢሲ ቃለ-መሕትት ዘካየደ ሚንስተር ድኤታ ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ደረጄ ዱጉማ “ንዓሌት ኮሮናቫይረስ ኦሚክሮን ዝመስሉ ምልክታት” ይረኣዩን ብኮቪድ ዝተሓዙ ሰባት ብዝሖም ብዝለዓለ መጠን ይውስኽ ምህላዉን ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብዚ ቕነ ዝረኣይ ዘሎ ጉንፋዕ ዘኸትሎ ስምዒታት ሕማም
- ዝለዓለ ረስኒ ሰብነት
- ሓያል ሰዓል
- ቁሪ ቁሪ ምባል
- ቃንዛ መገጣጠሚ ኣካላት
- ቃንዛ ሕቖ
- ሕማም ጭዋዳታት
- ምንካይ ሽውሃት
- ሓያል ሕማም ርእሲ
ኣብዚ ቕነ ዝረኣይ ዘሎ ጉንፋዕ እንታይ እዩ?
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣብ ኢትዮጵያ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ሚለኒየም ሓጋዚ ፕሮፌሰር ከምኡ’ውን ሓኪም ህጻናት ዶክተር ፋሲል መንበረ፡ ብዙሓት ሰባት በዚ ጉንፋዕ መሳሊ ሕማም ዝተሓዙሉ ዘለዉ ምኽንያት ካብ ጉድለት ጥንቃቐ ከምዝኾነ ይዛረብ።
“መብዛሕቲኡ ሰብ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኣይገብርን። ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ሰባት ክተኣኻኸቡን ክተናኸፉን ምርኣይ ልሙድ’ዩ። ሰባት ንኮሮና ከምዝረስዕዎ ዘምስል ኩነታት’ዩ ዝረኣይ” ዝበለ ዶክተር ፋሲል፡ ኣብያተ ትምህርቲ ምኽፋቶምን ተምሃሮ ናብ ትምህርቲ ምምላሶምን ከም ተወሳኺ ምኽንያት የቐምጥ።
ጥንቃቐ ዝጎደሎ ናይ ሰባት ምትእኽኻብ፣ ምትንኻፍ ምህላዉን ዝግበር ዘይተገደበ ምንቅስቓስ ሰባትን፡ እቲ ኣብዚ ቕነ ዝረኣይ ዘሎ ጉንፋዕ ካብ ሰባት ናብ ሰባት ብቕልጡፍ ንኽላባዕ ምኽንያት ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
እዚ ዝረአ ዘሎ ሕማም ከኣ እቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቨይረስ ‘ኦሚክሮን’ ክኸውን ዝኽእለሉ ተኽእሎ ዝለዓለ ከምዝኾነ ይግለጽ።
ተወሳኺ መጽናዕቲ ምክያድ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ብምዝኽኻር ድማ ሰባት ‘ናይ ሎሚ ጉንፋዕ’ እናበሉ ዝጸውዕዎ ዘለዉ ሕማም፤ ክብድ ዝበለ ሰዓል፣ ከቢድ ረስኒ ሰብነት፣ ሕማም ርእሲ፣ ህማም ሕቖ፣ ቅርጥማት፣ ምድኻም ምሽታትን ምፍላይ ጣዕምን ካብ ምልክታቱ ከምዝኾኑ ተሓከምቲ ከምዝገልጹ ሓቢሩ።
“ኮቪድ ኮነ ካብ ኮቪድ ወጻኢ ዘለዉ ቫይረሳት ከምዚኦም ዝበሉ ምልክታት እዮም ዘኸትሉ። ካብ ካልእ እዋን ዝፍለየሉ ምኽንያት ግን እዚ ቫይረስ ንብዙሓት ሰባት ክሕዝ ምኽኣሉን ከበድቲ ምልክታት ስለዘርእይን እዩ። ምናልባት እዞም ምልክታት ንኹሉ ሰባት ናብ ሆስፒታል ክኸይድ ከየገድድዎ ይኽእሉ እዮም። ብዙሓት ሰባት ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ምምሕያሽ ጥዕና የምጽኡ ከምዘለዉ ሓበሬታ ኣለና” ይብል ዶክተር ፋሲል።
እቲ ሕማም ኣብ መን ዝጸንዐ ወይ ዝኸበደ ክኸውን ይኽእል?
ዕድሚኦም ትሕቲ ሰለስተ ወርሒ ዝኾነ ህጻናትን ሕዱር ሕማማት ዘለዎም ዓበይቲ ሰባትን በቲ ኣብዚ እዋን ዝረኣይ ዘሎ ጉንፋዕ መሳሊ ሕማም ክህሰዩ ከምዝኽእሉ ዝገለጸ ዶክተር ፋሲል፡ ንኣብነት ሕማም ሸኮር፣ ጸቕጢ/ድፍኢት ደምን ዝመሳሰሉን ሕማማት ዘለዎም ሰባት ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ክቃልዑ ከምዝኽእሉ ኣረዲኡ።
“ኣብ ትሕቲ ሰለስተ ወርሒ ዕድመ ዝርከቡ ህጻናት ናይ ኣየር ትቦታቶምን ኣፍንጭኦምን ኣዝዮም ጸበብቲ ስለዝኾኑ ብቐሊሉ ክዕፈኑ፣ ንምስትንፋስ ክጽገሙ፣ ክጨናነቑን ክሳብ ናብ ሆስፒታል ክኸዱ ክግደዱን ክገብር ስለዝኽእል ጥንቃቐ ኣገዳሲ እዩ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።
ስፔሻሊስት ሕክምና ህጻናት ዝኾነ ዶክተር ፋሲል፡ “ብፍላይ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኸዱ ቆልዑት ናብቶም ማማያት ነቲ ሕማም ወይ ቫይረስ ከምጽእዎ ስለዝኽእሉ ጥንቃቐ ምግባር የድሊ” ይብል።
ስለዚ ከኣ ትንፋስ ናይ ምሕጻር ወይ ቅልጡፍ ኣተነፋፍሳን፣ ሓያል ረስኒ ሰብነትን ድኻምን እንተሃልዩ እቲ ሕማም ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከምዝበጽሐ ዘርእዩ ምልክታት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣዘኻኺሩ።
ንህጻናት ዝግበር ክንክን ኣብ ገዛ
- ጨው ብዝኣተዎ ዝህም (ልብጥ) ዝበለ ማይ ኣፍንጭኦም ምጽራይ
- ንረስኒ ሰብነት ዝንኪ መድሓኒት ምሃብ
- ውዑይ ነገራት ክሰትዩ ምግባር
- ጽርየቶም ምሕላው
- ፈሳሲ ነገራት ክሰትዩ ምግባር
ነቲ ሕማም ብኸመይ ምሕካምን ምክልኻልን ይከኣል?
- መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ወትሩ ዘይምፍላይ
- ምትንኻፍ ምንካይ
- ሰባት ካብ ዝተኣኻኸቡሎም ቦታታት ምርሓቕ
- ክነሀንጥስን ክንስዕልን ከለና ኣፍናን ኣፍንጫናን ብግቡእ ምሽፋን
- ጸረ-ኮቪድ ክታበት ምውሳድ
ብሓኪም ዘይተኣዘዘ ጸረ-ህዋስ ወይ ‘ኣንቲባዮቲክስ’ ምውሳድ ፈጺሙ ዝተኸልከለ ምዃኑ ዝሕብር ዶክተር ፋሲል “ንኣብነት ኣሞክሳስሊን፣ ኣዚትሮማይሲን፣ ኦግመንቲን ዝበሃሉ ኣንቲባዮቲክስ ዘይምውሳድ ይምረጽ። ምኽንያቱ ባክቴሪያ እምበር ቫይረስ ዘጥፍኡ መድሓኒታት ስለዘይኮኑ ብሓኪም እንተዘይተኣዚዙልና ክንወስዶም የብልናን” ክብል ይምዕድ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እኹል ዕረፍቲ ምውሳድ ከምኡ’ውን ከም ጻዕዳ ሽጉርቲ፣ መዓር፣ ዝንጅብል ዘለዎም መግብታት ምምጋብ ድማ ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘደልድሉ ከምዝኾኑ ይሕብር።
“ጻዕዳ ሽጉርቲ ንገለ ቫይረሳት ናይ ምቁጽጻር ባህርያት ከምዘርእይ ብሳይንስ እውን ዝተረጋገጸ እዩ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።
ኣብ ገዛ ዝግበሩ ኣማራጺታት
- ውዑይ ነገራት ኣብዚሕኻ ምስታይ
- ጻዕዳ ሽጉርቲ፣ መዓርን ዝንጅብልን ምውሳድ
- ዕረፍቲ ምውሳድ
- ንረስኒ ሰብነት ወይ ሕማም ርእሲ ከዕግሱ ዝኽእሉ መድሓኒታት ምጥቃም
ብተወሳኺ ድማ ኣሕምልትን ፍረታትን ምውሳድ: ከም እንጣጢዕ፣ ሰሊጥ፣ ለውዝ/ኦቾሎኒ፣ ኒሁጕን ዝመሳሰሉን ቅብኣት ዘለዎም መግብታት ምስ ውዕይ ነገራት ምውሳድ ካብቲ ሕማም ብቕልጡፍ ክትሓዊ ናይ ምግባር ተኽእሎ ኣለዎም።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







