ሃብታም ናይ ምዃን ሕልሚ ዘጓሃህር ዘሎ ቲክቶክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መሓመድ ጋዱር ኣብ ሞባይሉ ሓደሽቲ ቪድዮታት ቲክቶክ ንምፍጣር መዓልታዊ ኣርባዕተ ሰዓታት የጥፍእ። ካብቲ ስርሑ ድማ ፅቡቕ ፍረ ከምዝረክብ ይገልፅ። ወርሓዊ ካብ 1,000 ክሳብ 3,000 ዶላር ኣታዊ ኣለዎ።
ዋላ'ኳ ቲክቶክ እንኮ ምንጪ ኣታዊኡ እንተዘይኮነ፡ ግን ከኣ ወሳኒ እዩ። ንሱ ከምዝብሎ ካልኦት ዝፈልጦም ብዙሓት ሰባት ካብቲ ቪድዮ ዝዝርገሓሉ መተግበሪ (ኣፕሊኬሽን) ክሳብ 10 ሽሕ ዶላር ይረኽቡ።
ንሱን ከምኡ ዝኣመሰሉ ‘ቲክቶከራትን’ ካብቲ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ብመንገዲ እቲ ‘ክሬተር ፈንድ’ ዝበሃል መስርሕ ኣቢሎም ኣታዊ ከምዝረኽቡ መሓመድ የረድእ።
እዚ ማለት ምስ ፍሉጣት ፍርያት ዘፍርዩ ትካላት ብምሽራኽ በቶም ትካላት ዝምወሉ ትሕዝቶታት ብምልጣፍ፤ ወይ ብመንገዲ እቲ መድረኽ ኣቢሉ ኣገልግሎታት ብምውዕዋዕን ናይ ምምኻር ኣገልግሎት ብምሃብን ገንዘብ ምርካብ ማለት’ዩ።
ንፍርያት ቴክኖሎጂ ዝኸውን ናይ መላለዪ (መወዓውዒ) ቪድዮታት ብምፍጣር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ክሳብ 60 ሚኢታዊት ዋጋ ናይቲ ፍርያት ክረክብ ከም ዘኽእሎ ድማ ይዛረብ።
ናይ መሓመድ ሰዓብቲ ካብ ትምህርታዊ ቪድዮታት ንዲጂታላዊ ዕዳጋ ዝመጹ ኮይኖም፡ በቶም ትሕዝቶታት ዝሰሓቡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ተኸታተልቲ ከኣ ኩሎም ሓደ ሕልሚ ኣለዎም፤ ንሱ’ውን ከመይ ጌርካ ቀልጢፍካ ትህብትም ዝብል’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, MOHAMED GHADOUR
ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክቶ፡ ኣብ 2021 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝተመዝገበ ቁጽሪ ስራሕ ኣልቦ ሰባት ኣስታት 14.3 ሚልዮን ኮይኑ መብዛሕትኦም መንእሰያት‘ዮም።
ሞባይል ስልክታት፡ ምዕቡል ካሜራታት ተገጢሙለን ናብ ዕዳጋ ኣብ ዝቐረባሉ ከምኡ ድማ ከም ቲክቶክ ዝኣመሰሉ መተግበሪታት፡ ቪድዮታት ኤዲት ምግባር ዝቐለለ ክኸውን ምግባረን ንብዙሓት ዝናን ሃብትን ዘህርፍ ኮይኑ’ሎ።
ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነብር ግብጻዊ ወዲ 30 ዓመት መሓመድ ብዕድመ መሓዛይ ኮይኑ፡ ካብቲ ኣብ ሃገራት ዓረብ ጋዜጠኛ እናሃለኹ ዝረኽቦ ዝነበርኩ መሃያ ዳርጋ ብ10 ዕጽፊ ዝዛይድ እዩ ዝረክብ ትብል ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣረቢክ ማግሃም ቃሴም።
"እንተደሊኻ ካብ ቲክቶክ ወርሓዊ 10 ሽሕ ዶላር ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤ እዚ ግን ኣብ ሰዓብትኻን ትሕዝቶኻን እዩ ዝምርኮስ" ይብል ፍሉጥ ቲክቶከር እስማኤል ኤላብራስ።
እቲ "ኤልካል" ብዓረብኛ "ኣኮ" ብዝብል ዝፍለጥ እስማኤል፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰዓብቲ ኣለዉዎ።
እዚ ወዲ 50 ዓመት ሊባኖሳዊ ፅልዋ ፈጣሪ፡ ልክዕ ከም መሓመድ ካብ ቲክቶክ ገንዘብ ክረክብ እንከሎ፡ ብኻልእ ዝተፈለየ መንገዲ’ውን ተወሳኺ ኣታዊ ይረክብ’ዩ። ስራሕ ንዝደልዩ፣ ንጉዳይ ኢሚግሬሽንን ዕድል ስኮላርሺፕን ዝምልከቱ ቪድዮታት እውን ይሰርሕ ኣሎ።
እስማኤል ቪድዮታቱ ብምርኣይ፡ ንዕኡ ብምርካብ ምኽሪ ካብ ዝደልዩ ተጠቀምቲ’ዩ ተወሳኺ ኣታዊ ዝረክብ። "ተመኩሮኻ ብገንዘብ ሽጥ። እዚ ክልቴኻ እትዕወተሉ ጸወታ'ዩ" ክብል ይዛረብ።
ኩልግዜ ግን ከምኡ ይኸውን ማለት ኣይኮነን።
ፍሽለት
ኣብ ሃገራት ዓረብ ዘሎ ጉዕዞ ቲክቶክ ብዙሕ ግዜ ነቶም ጸለውቲ ዝብሃሉ ተጠቀምቲ ናብ ሃብትን ዝናን ዝመርሖም ኣይኮነን፤ ምኽንያቱ ንገሊኦም ናብ ቤት ማእሰርቲ ከቃልዖም እውን ይረኣይ እዩ።
ሃኒን ሆሳምን ማዋዳ ኣልኣድሃምን ዝብሃላ ክልተ ግብጻውያን ደቂ ኣንስትዮ ፈጠርቲ ትሕዝቶ ቲክቶክ፡ ኣብ ግብጺ ብ "ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት" ንሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ዓመትን ማእሰርቲ ከምዝተፈረዳ ይዝከር። ክልቲኤን ግን ነቲ ክሲ ይነፅግኦ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብወገኖም፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጽዕኖ ፈጠርቲ ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ዒላማ ብምግባር፡ መሰላት ብሕታውነትን ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነትን ዝግህስ ከምኡ ድማ ኣድልዎ ዝተላበሰ ተግባር ከምዝኾነ ብምግላፅ ንሰበስልጣን ግብጺ ይነቕፉ።
ሺማ ዝተባህለት ጓል 19 ዓመት ሞሮካዊት ፅዕንቶ ፈጣሪት፡ ኣብ ቲክቶክ እትዝርግሖ ቀጥታዊ ቪድዮታት እኹል ገንዘብ ከምዘየምጽእ’ያ ትዛረብ። ክንደይ ከም እትረክብ ምግላጽ እኳ እንተዘይደለየት፡ ናይ ዩቱብ ቻነላ ካብ ቲክቶክ ኣካውንታ ንላዕሊ ገንዘብ ከምእትረኽበሉ ትገልፅ።
ኣብ ቲክቶክ ክትፀንሕ ዝደለየትሉ ምኽንያት ከኣ ሰዓብታ ናብቶም ካልኦት እትጥቀመሎም ማሕበራዊ መራኸቢታታ ንምስሓብ ብዝብል ከምዝኾነ ተረድእ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ብዙሓት ሰዓብቲ ብዝረኸብካ መጠን ኢኻ ዝያዳ ገንዘብ ክትረክብ ትኽእል። ቲክቶክ ግን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰዓብቲ ክህልወካ ስለዘየገድድ ፍሉይ ይገብሮ።
ካብ 50 ሽሕ ክሳብ 150 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዎም ሰባት ‘ማይክሮ ኢንፍሌንሰርስ’ ማለት ንኡሳት ፀለውቲ ኣብ ዝብል ይምደቡ። ካብ ቲክቶክ ገንዘብ ክረኽቡ እንተኾይኖም ድማ ቪድዮታቶም ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 30 መዓልታት ብውሑዱ ብ100 ሽሕ ተጠቀምቲ ክረኣዩ ኣለዎም።
ቲክቶክ ትሕዝቶታት ናብቶም ንሓደ ፍሉይ ኣካውንት ዝከታተሉ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ኩሎም ተጠቀምቲ ክበጽሕ ስለዝገብር፡ ናብ ብዙሓት ክትበፅሕ ሰፊሕ ዕድል’ዩ ዝህበካ።
መንእሰያት ተጠቀምቲ
እስማኤልን መሓመድን ከም ዝበልዎ፡ ቲክቶክ ዝተፈላለዩ ንፕሮጀክትታቶም ንዘካይዱ ሰባት ዝኸውን ሓገዝ ገንዘብ ናይ ምትእኽኻብ ዕድላት ዝፈጥር ሓድሽ ኣንፈት ኮይኑ’ሎ።
ሶርያዊት መንእሰይ ድምጻዊት ፊያ ዩናን፡ ሓንቲ ደርፊ ንምድላው ዝሕግዛ ኣስታት 25 ሽሕ ዶላር ካብ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብወፈያ ክትረክብ ኪኢላ ነይራ።
ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ መጽናዕትታት ምብራቕን ኣፍሪቃን ተመራማሪ ዲጂታላዊ ቁጠባ ራሚ ኣሳፍ ግን፡ ቁጽሪ ናይቶም ካብ ቲክቶክ ገንዘብ ዝረኽቡ ሰባት ዝተጋነነ ኮይኑ ከምዝቐርብን ዝረኽብዎ መጠን ገንዘብ ኩሉ ግዜ ልክዕ ከም ዘይኮነን ይዛረብ።
"ሓደ ሚእታዊት ተጠቀምቲ ብዙሕ መኽሰብ ክረኽቡ ከለዉ፡ 99 ሚኢታዊት ተጠቀምቲ ግን ተኸታተልቲ ስለዘይብሎም ክንድኡ ዝኣክል ገንዘብ ኣይረኽቡን እዮም። በዚ ምኽንያት ድማ ኩባንያታት ንመወዓውዒ ክጥቀሙሎም ኣይመርፁን። ከምኡ'ውን ዝኾነ ወፈያ ይኹን ሳብስክራይብ ኣይረኽቡን። ገንዘብ ክረኽቡ ዝኽእሉ ህቡባት ተጠቀምቲ ጥራይ እዮም" ይብል።
ቲክቶክ ንውልቀ-መዘክራ (ዳያሪ) እትጥቀመሉ ሺማ 1.2 ሚልዮን ተኸታተልቲ እኳ እንተሃለዉዋ እትረኽቦ ኣታዊ ግን ዘዕግብ ከምዘይኮነ ትዛረብ።
ኣብ ሃገራት ዓረብ ዘለዉ ብዝሒ ተጠቀምቲ ቲክቶክ ዝምልከት ጭቡጥ መረዳእታ የለን። እንተኾነ ግን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከብ ወሃቢ ቃል እቲ ኩባንያ ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 2 ቢልዮን ተጠቀምቲ ነቲ መተግበሪ ከምዝፀዓንዎ ገሊጹ’ሎ።
ወነንቲ ቲክቶክ ‘ባይትዳንስ’ (ByteDance) ከምዝብልዎ 41% ካብ ተጠቀምቲ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ዕድሚኦም ካብ 16-24 ዓመት እዮም።
መርበብ ሓበሬታ ስታቲስታ ከምዘመልክቶ፡ ቲክቶክ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2020 ጥራሕ፡ ኣስታት 50.4 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







