ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቻይና፡ ‘ሕሳር’ ተባሂለን ዝቐርባ ዘለዋ ኢትዮጵያውያን

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቻይና፡ ‘ሕሳር’ ተባሂለን ዝቐርባ ኢትዮጵያውያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ቻይና ኣዝዮም ፍሉጣት ዝዀኑ፡ ‘ዶይን’ ከምኡ’ውን ‘ኩኣይሻ’ ዝተባህሉ፡ ሓጸርቲ ቪድዮታት ዝዝርግሑሎም ማሕበራዊ ሚዲያታት፡ መዓልታዊ ሚሊዮናት ይጥቀሙሎም።

ዶይንን ኩኣይሻን፡ ልክዕ ከም ንቲክቶክ ንቻይናውያን ጥራይ ተባሂሎም ዝተሰርሑ መተግበሪታት ኰይኖም፡ ብሓደ ኩባኒያ ይመሓደሩ።

እዚኦም ካብ ቻይና ወጻእ ዝነብሩ ዜጋታት እታ ሃገር’ውን ይጥቀሙሎም’ዮም።

ዜግነት ቻይና ዘለዎም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ውልቀሰባት ድማ፡ ምስ ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ኰይኖም ኣብዞም ማሕበራዊ መራኸቢታት ክቀላቐሉ ልሙድ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብዞም ቪድዮታት እንታይ ይርአን ይበሃልን?

ቢቢሲ፡ በዞም ኣብ ቻይና ልሙዳት ዝዀኑ መተግበሪታት ብቐጥታ ዝተዘርግሑ ቪድዮታት ኣብ ካልኦት ማሕበራዊ ሚዲያታት ተለጢፎም ተዓዚቡ።

ኣብዞም ቪድዮታት፡ ቻይናውያን ውልቀሰባት ምስ ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ብምዃን ብቛንቋ ማንደሪን ዝተፈላለዩ ቃላት ደጊመን ክብላኦም ብምግባር፡ ንሶም ድማ መብርሂ ብምሃብን ሓሓሊፉ ኣካላተን ክተናኽፉወንን ይርኣዩ።

ኣብዞም ቪድዮታት፡ ብቛንቋ ማንደሪን ዝበሃሉ ነገራት ኣብ ቤይጂን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቢቢሲ ተርጒሙዎም ኣሎ።

ምስሊ ሓደ

ኣብዚ፡ ሓንቲ ሮዛ ሕብሩ ስረን ጻዕዳ ማልያን ዝገበረት ጓል ኣንስተይቲ ብድሕረኣ እናተቐድሐት ትርአ።

ነቲ ምስሊ ዝቐድሕ ውልቀሰብ ድማ ማእገራ እናተናኸፈ ሓደ ግዜ ደው ኢላ ገጻ ንኽትርአ፣ ጸኒሓ ድማ ክትከይድ እናገበረ ብቛንቋ ማንደሪን መብርሂ ይህብ።

እታ ኢትዮጵያዊት ኣብ እትጕዓዘሉ መንገዲ፡ ኣብ ጥቓኣ ድኳናት ንግዲ፡ ሰባትን ምንቅስቓስ መጓዓዝያን ይርአ።

ትርጕም እቲ ቋንቋ ማንደሪን ከምዚ ይብል፥

“ርኣዩዋ! ሰለስተ ሽሕ ኣር.ኤም.ቢ [መተዓዳደጊ ገንዘብ ቻይና] ከተውጽእ እያ። ንቻይናውያን ዝምጥን መልክዕ ኣለዋ። እቲ ለበዳ ኣብዚ ብዙሕ ዘጨንቕ ኣይኰነን። ሃይሻይንግ ንዝደልዩ ኵሎም!”።

[ሃይሻይንግ፡ ንዝብል ቃል ቢቢሲ በይጂን ትኽክለኛ ትርጕሙ’ኳ እንተዘይረኸቦ፡ ካብ ትሕዝቶ እቲ ምስሊ ንምርዳእ ብዝተገብረ ጻዕሪ ግን ካብ ወጻእተኛ ክወልዱ ንዝደልዩ ዝብል ትርጕም ክህልዎ ይኽእል።]

ኣብ ቪድዮ ሓደ እትርአ ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, SOCIAL MEDIA/YT

ምስሊ ክልተ

እዚ ቪድዮ ብቐጥታ እዩ ተፈንዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ገዛ፡ ሓደ ቻይናዊ ውልቀሰብ መጀመርታ ምስ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኢድ ንኢድ ተጣሚሮም ኣብ ፊት ካሜራ ይርኣዩ።

ድሕሪኡ፡ ብቛንቋ ማንደሪን እወ ወይ ኣይፋል ዝብል መልሲ ክትህቦ ይገብር። ድሓር ናብቲ ካሜራ እናርኣየ መብርሂ ይህብ።

ቀጺሉ፡ ካልእ ጓል ኣንስተይቲ ኣምጺኡ ኢዱ ምስ ኢዳ ኣጣሚሩ ንዝሓታ ሕቶታት ርእሳ ብምንቕናቕ መልሲ ክትህቦ ይርአ።

ደሓር ንኽልቲአን ሓቚፉ መብርሂ ይህብ። እቲ ብቛንቋ ቻይና ዝቐረበ ሕቶን መልስን ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

ቻይናዊ፡ ገዛ ትደልዪ’ዶ?

ኢትዮጵያዊት፡ ኣይደልን!

ቻይናዊ፡ ብሓቂ?

ኢትዮጵያዊት፡ እወ!

ቻይናዊ፡ ገንዘብ ኣይትደልን?

ኢትዮጵያዊት፡ ኣይደልን።

ቻይናዊ፡ ርግጸኛ ዲኺ?

ኢትዮጵያዊት፡ እወ

ንሱ፡ ናብቲ ካሜራ እናጠመተ መብርሂ ይህብ።

“እዚኣ ኣፍሪቃዊት እያ፤ ድሑራት ኣብ ዝዀኑ ሕብረተሰብ፡ ኣፍቃሪትካ ብከብቲ ክትቅይራ ትኽእል። ኣብዚ ዘመናዊ ዓለም፡ መኪና፡ ገዛ፡ ንመርዓት ምግዛም ኣየድልን።

"ብዙሓት ቻይናውያን ኣሕሉቕ፡ ኣብዚ ሓዳር መስሪቶም ቈልዓ ይወልዱ ኣለው። እቶም ዝውለዱ ቈልዑ ቈርበቶም ከማይ ጻዕዳ’ዩ። ክዓብዩ ከለው ግን ቅሩብ ጽልም ይብሉ’ዮም።”

ኣብ ምስሊ ክልተ ዝርኣያ ደቂ ኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, SOCIAL MEDIA/YT

ነታ ካልእ ኢትዮጵያዊት ኣብ ቅድሚ ካሜራ ብምምጻእ ተመሳሳሊ ሕቶታት እናሓተታ መልሲ ክትህቦ ይርአ።

[ገጹ ናብ ተመልከትቲ ብምምላስ] ነዚ ዝፈተዋ ሰብ ኣሎ’ዶ? እዚኣ ቍጽሪ ሓደ’ያ። [ብኢዱ እናመልከተ] እዚኣ ድማ ቍጽሪ ክልተ። ቍጽሪ ሓደ እትደልዩ፡ ሓደ ኢልኩም ጽሓፉ፤ ክልተ ዝደለኹም ድማ ክልተ ኢልኩም ጽሓፉ።

“ነዚአን ዝደሊ ሰብ ኣሎ? መኪና፡ ገዛን ገንዘብን ኣይደልያን'የን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቻይና መጻምዲ ንምርካብ ኣማኢት ኣሽሓት ኢኻ ትሕተት። መኪና፡ ገንዘብን ገዝምን ተወሲኹዎ ኸኣ ክሳብ ሓደ ሚሊዮን ይበጽሕ፡” ይብል።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክንድኡ ዝኣክል ወጻኢ ከም ዘይሓትትን ብዘይ ዝዀነ መመላኽዒ ተፈጥሮኣዊ መልክዕ ከም ዘለወንን ኣካላተን እናተናኸፈ የረድእ።

ኣብቲ ቀጥታዊ ፈነወ ንዝቐርቡ ሕቶታት ድማ መብርህን ምላሽን ይህብ።

እተን ኣብዚ ቪድዮ ዝርኣያ ኢትዮጵያውያን ግን፡ ብወለንታአን ድዩ ተገዲደን ዝብል ቢቢሲ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ምስሊ ሰለስተ

እዚ ቪድዮ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ብቐጥታ ዝመሓላለፍ ዘሎ ምዃኑ ይጠቅስ።

ኣብዚ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ቅድሚ 'ቲ ምስሊ ብቐጥታ ዝፍኑ ዘሎ ቻይናዊ ኰይና፡ ብቛንቋ ማንደሪን ዝብላ ክትደግሞ ትርአ።

ብድሕረኣ ደው ዝበላ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ኣብቲ እዚ ቪድዮ ዝተቐድሓሉ ቀጽሪ ይርኣያ።

ንሳ እቲ ዝበላ እናደገመት፣ መሊሱ ድማ ናብተን ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ እናጠመተ መብርሂ ይህብ።

ዕድመ፡ ቁመት፡ ክብደት፡ ስራሕን ናብ ቻይና ክኸዳ ይደልያ’ዶ ዝብልን እናሓተተ እቲ ዝህባኦ መልሲ ብቛንቋ ቻይና ይትርጕሞ።

ምስሊ ሰለስተ

ምንጪ ስእሊ, SOCIAL MEDIA/YT

ድሕሪኡ፡ ካብቶም ነዚ ብቐጥታ ዝከታተሉ ዘለው ሰባት ሽሞም እናጸውዐ፡ ዝደለይዋ፡ ጓል ኣንስተይቲ ምርካብ ከም ዝኽእሉ ይዛረብ። በዚ፡ እቲ ውልቀሰብ ሰባት ኣብ ምርኻብ ዝተዋፈረ ምዃኑ ምርዳእ ይከኣል።

ኣብዚ ዶይን ዝተባህለ ማሕበራዊ ሚዲያ፡ ዝዀነ መልእኽቲ ብቐጥታ ምስ ተመሓላለፈ ተመሊስካ ክትረኽቦ ኣይትኽእልን።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ እዞም ቪድዮታት ኣብ ዶይን ኣይርከቡን። ቢቢሲ እዞም ምስልታት ካብቲ ቀጥታዊ ፈነወ ተቐዲሖም ኣብ ካልእ ማሕበራዊ ሚዲያ ምስ ተዘርግሑ’ዩ ረኺብዎም።

ኣብ ቻይና ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን እንታይ ይብሉ?

ኣብታ ሃገር፡ በዞም ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዝርግሑ ምስልታት ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ክብረን ብዝገፍፍ መልክዑ ከም ዝቐርባ፡ ኣብ ቻይና ዝነብሩ ግን ድማ ሽሞም ክጥቀስ ዘይደልዩ ኢትዮጵያውያን ይዛረቡ።

እቲ ቋንቋ ከም እትርድኦ እትዛረብ ሓንቲ ኢትዮጵያዊት፡ ኣብቶም ማሕበራዊ ሚዲያታት “[ኢትዮጵያውያን] ቅርጺ ኣካላተን ርኣይዎ እናበሉ ታይት ኣኽዲኖም ባህ ዘይብል ነገር እዮም ዘርእዩ፡” ትብል።

“ከም ሓንቲ ኢትዮጵያዊትን ማንደሪን እትኽእልን ጓል ኣንስተይቲ ነዚ ምርኣይ የሕዝነኒ’ዩ፡” ብምባል ርእይቶኣ ንቢቢሲ ዝሃበት ነባሪት ቻይና ዝዀነት ካልእ ኢትዮጵያዊት ድማ፡ በቶም ዝርኣዩ ነገራት ከም እትጕሂ ገሊጻ።

ንሳ ከም እትብሎ፡ እተን ኣብቶም ቪድዮታት ዝርኣያ ደቂ ኣንስትዮ፡ እቲ ቋንቋ ይርድአን እዩ ዝብል እምነት ከም ዘይብላ ብምግላጽ፡ ካብቲ ዝዛረብዎ ንላዕሊ እቲ ተግባሮም ንኽብርኻ ዝትንክፍ እዩ ትብል።

“መብዛሕትኡ ግዜ ምሕኵልተንን ውልቃዊ ኣካላተንን እናተናኸፉ’ዮም ዘርእይዎ። ገገሊኦም ይሽቅጡሉ’ዮም። ናብ ኢትዮጵያ መጺእኩም ጽቡቓት ደቂ ኣንስትዮ ከነራኽበኩም ኢና ይብሉ። የሕርቐካ’ዩ!” ኢላ።

ብፍላይ፡ ክዳን ኣብ ዘይዝውተረሎም ከባቢታት ኢትዮጵያ ብዝነብሩ ዜጋታት፡ ክብሪ ብዝነክእ መገዲ ቪድዮታት ከም ዝሰርሑ እተን ወሃብቲ ርእይቶ ጠቒሰን።

“ናብ ሃመር ከይዶም ዝሰርሑዎ ሓደ ኣዝዩ ዘሕርቕ ቪድዮ ኣሎ። ኣነ ንባህሊ እቶም ህዝቢ ይፈትዎ’የ፤ ንሳቶም ግን መርኣያ ድሕረት ገይሮም’ዮም ኣቕሪቦምዎ። እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣጥቧተን፣ ናይቶም ደቂ ተባዕትዮ ድማ ብልዕቶም የርእዩ ነይሮም፡” ብምባል ገሊጻ።

ቻይናውያን እንታይ ይረብሑ?

ቲክቶክን ዶይንን ዘመሓድር ባይትዳንስ ዝተባህለ ትካል፡ ኣብ ዓለም ዝለዓለ መኽሰብ ኣለዎም ካብ ዝብሃሉ ኩባኒያታት እዩ።

እቲ ኩባኒያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት [2021] 58 ቢሊዮን ዶላር መኽሰብ ረኺቡ ነይሩ።

ብተመሳሳሊ ኩኣይሻ ዝተባህለ ኣብ ቻይና ዝፍቶ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብዚ ዓመት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ሰለስተ ቢሊዮን ዶላር ከም ዝኸሰበ ኣፍሊጡ እዩ።

እዞም ማሕበራዊ ሚዲያታት ዘመሓድሩ ኩባኒያታት እምበኣር፡ ብቐጥታ ንዝፍነውን ኣብቲ ድሕረ ገጻት ንዝጽዓኑን ቪድዮታት ገንዘብ ይኸፍሉ’ዮም።

ካብኡ ሓሊፉ ብፍላይ ዶይን፡ ቪድዮ ንዝሰርሑ ሰባት ሞቕሽሽ ዝህበሉ ኣሰራርሓ ኣለዎ።

“ኣብ ኢትዮጵያ ኰይኖም ነዞም ቪድዮታት ዝሰርሑ ቻይናውያን ብዙሕ ርኣይቲ ኣብ ዝረኽቡሉ ስለ ዝኽፈሎም፡ ብዙሕ ቅቡልነት ዘይብሎም ነገራት’ዮም ዝገብሩ። እዚ ድማ መንነት፡ ሕብሪ ቈርበት፡ ጾታን ሃገርን ግቡእ ብዘይኰነ መገዲ ብምቕራብ ጥቕሚ ክረኽቡ ይጽዕሩ፡” ከም ዘለው ዘርኢ’ዩ ክትብል እታ ሽማ ክግለጽ ዘይደለየት ወሃቢት ርእይቶ ተዛሪባ።

እዚ ኵነታት ዘተሓሳሰቦም ኣብ ቻይና ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን፡ እቲ ጉዳይ ኣብ በይጂን ንዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ክፈልጦ ከም ዝገበሩ ይዛረቡ።

ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ ግን፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ሓበሬታ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ፡ እቲ ኤምባሲ ከጻርዮ ምዃኑ ሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ካብ ቲክቶክ መብርሂ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ምላሽ ኣይረኸበን።