ታሕጓስኩም ክውስኽ እንተደሊኹም መዓልታዊ ን10 ደቓይቕ ጥራይ ነዞም ንጥፈታት ፈጽሙ

ናይ 10 ደቓይቕ መዓልታዊ ንጥፈት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዋላ’ውን ናይ ኣእምሮ ሕማም ከም ዘለኩም እንተዘይተረጋገጸ፡ መዓልታዊ ዘጋጥመኩም ጸቕጢ፡ ዕግበትን ባህታን ካብ ህይወትኩም ብቐሊሉ ከጥፍእ ይኽእል እዩ።

ካብቲ ዕንክሊል ንምውጻእ ክሕግዙኹም ዝኽእሉ ኣብ ጭብጢ ዝተመርኮሱ ስትራተጂታት ኣይሰኣኑን።

‘ኣወንታዊ ስነ-ልቦና’ ዝበሃል ሳይንሳዊ ዓውዲ ሕጉስ ስሚዒት ዘማዕብሉ ማእለያ ዘይብሉ ሜላታት የቕርብ።

ግና ኸከመይ ጌርና ኢና ግዜ ንረክብ?

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማእከላይ ላንካሻየር መምህር ዝኾነት ሳንዲ ማን ሓደ መፍትሒ ትህብ። ከም ስነ-ኣእምሮኣዊ ክኢላ ዝነበራ ተመኩሮ ብምህናጽ፡ ገለ ክሕግዙ ዝኽእሉ ሓሳባት ተቕርብ።

ከምቲ ኣብታ ‘ቴን ሚኒትስ ቱ ሃፒነስ’ እትብል መጽሓፋ ዝገለጸቶ፡ ናታ ሜላ መዓልታዊ መዝገበ-ዕለት ዘጠቓልል ኮይኑ ብሽዱሽተ ክፋላት ዝፍጸም እዩ።

  • ዋላ’ውን ተደጋጋሚ እንተኾነ እንታይ ተመክሮታት እዩ ባህታ ዝሃበኩም?
  • እንታይ ናእዳን ግብረ መልስን ረኺብኩም?
  • ምሉእ ጽቡቕ ዕድል ዝረኸብክሙሉ ህሞታት እንታይ እዩ ነይሩ?
  • ዋላ ንእሽቶይ ይኹኑ እንታይ ኣሳኺዕኹም?
  • ምስጋና ክስምዓኩም ዝገበር እንታይ እዩ?
  • ለውሃትነት ብኸመይ ገሊጽክምዎ?

ንእሽቶ ግዜ ወሲድኩም በዚ መገድታት መዓልትኹም ዳግማይ ምግምጋም፡ ቀስ ብቐስ ኣተሓሳስባኹም ከም ዝቕይሮን ኣብ መወዳእታ ኣብ ህይወትኩም ዝያዳ ሓጐስ ክትረኽቡ ከም እትኽእሉን መጽናዕቲታት ይሕብሩ።

ሕማቕ ስምዒት ኣብ ዝስምዓና እዋን፡ ነቶም ብጽቡቕ ዝኸዱ ዘለዉ ነገራት ሸለል ምባል ቀሊል እዩ።

መዝገበ-ዕለት ድማ ነቶም ብጽቡቕ ዝኸዱ ዘለዉ ነገራት ኣብ ቅድሚት ኣቓልቦኹም ክቕመጥ’ዩ ዝገብር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሳንዲ፡ እቲ ረብሓታት ካብቲ ቅጽበታዊ ምልዓል ጥራይ ከምዘይኮነ ተጉልሕ። መዝገበ-ዕለት ክትጽሕፉ ከለኹም፡ ነቲ ዝሓለፈ ጽሑፋትኩም ዳግማይ ምንባብ ኣብ መጻኢ እውን ንዘጋጥመኩም ኣጸጋሚ ኩነታት ክትጻወርዎ ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ።

ሳላ ‘ማሕበራዊ’ ዝኽርና፡ ሓደ ሕማቕ ስሚዒት ካልኦት ምንጪታት ጸቕጥን ዘይሕጉስነትን ንክትዝክሩ ክመርሓኩም ይኽእል።

ከምኡ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ገጻት መዝገበ-ዕለትኩም ገሊጽኩም ምንባብ ካብቲ ስምዒት ንክትወጹ ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ።

እቲ ሻድሻይ ነጥቢ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሓይሊ ለውሃትነት ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ዝተሃንጸ እዩ። ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ ሕያውነት ዘለዎም ተግባራት፡ ናይቶም ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ሰባት ሂወት ክመሓየሽ ዝገብር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብቐጻሊ ንናይ ገዛእ ርእስኹም ስሚዒት እውን የማዕብሎ እዩ።

ንኣብነትን ሓደ ዘይትፈልጥዎ ሰብ ንምሕጋዝ ቁሩብ ገንዘብ ምውጻእ ካብ ተመሳሳሊ ገንዘብ ንነብስኹም ንምውጻእ ኣዝዩ ዝያዳ ሕጉስ ከምዝገብር ኣብ ልዕሊ 130 ሃገራት ተደጋጊሙ ዝተረኣየ ርኽበት እዩ።

ኣብቶም ኣጋጣሚታት ምትኳር፡ ነቶም ምዉቕ ስምዒታት ብዝበለጸ ከም እትጥቀመሉ ከረጋግጽ ይግባእ፡ ንጽባሒቱ ሓድሽ ተመሳሳሊ ዕድላት ክትደልዩ እውን የተባብዐኩም።

ናይ 10 ደቓይቕ ንጥፈት ብርግጽ ተኣምራዊ ለውጢ ኣየምጽእን። ሳንዲ ማን ድማ ዝኾነ ብጭንቀት ክሳቐ ከም ዝኽእል ዝጥርጥር ሰብ ንሞያዊ ሕክምና ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ክኸይድ ከም ዘለዎ ትምዕድ።

ነቶም ብሓፈሻ ‘ትሑት’ ውጥረት ዝስምዖምን ከቢድ ክሊኒካዊ ምልክታት ዘይብሎምን ግን፡ እዚ ናብ ቅኑዕ መንገዲ ንኽምለሱ ክሕግዝ ይኽእል እዩ።

ምስ ግዜ፡ ምጽውዋርኩም እናወሰኸ ክኸይድ እንከሎ፡ ኣብ ሓደ እዋን ንዝስምዓኩም ዝነበረ ስቓይ ህድኣትን ኣስተንትኖን ክትህቡ ኣጋጣሚ ኮይኑ ክትረኽብዎ ትኽእሉ።