ኣብ ውሽጢ ከብዶም ኣልኮላዊ መስተ ዘፍርዩ ሰባት

ኣልኮላዊ መስተ

ምንጪ ስእሊ, Edwin Remsberg/Alamy

ኣብ ሰሙን ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ግዜ የጋጥሞ።

ኒክ ካርሰን ኮልተፍተፍ ክብል ይጅምር። ድሕሪኡ በብቝሩብ እግሩ ሰንከልከል ይብል። ዕላሉ ጽንግሊል ይኸውን'ሞ ኣብ መወዳእታ ናብ ዓሚቝ ድቃስ ይኣቱ።

እቲ ኣቦ ክልተ ቈልዑ ኒክ፡ ኵሉ ምልክታት ስኽራን እዩ ዘርኢ። እቲ ጸገም ግን፡ ኒክ ዝዀነ ይዅን ኣልኮላዊ መስተ ኣይሰተየን ነይሩ።

እቲ ስኽራን ዝመስል ኵነታት ግን፡ ብቓንዛ ከብዲ፡ ምንፋሕ ከብዲን ድኻምን ዝተሰንየ'ዩ። ብዙሕ ግዜ ሓሚሙ ውነኡ ይጠፍእ ነይሩ።

ንመጀመርታ ግዜ ቅድሚ 20 ዓመት ኣቢሉ ስድራኡ ህሞታት ምዝንባል ኣእምሮ ከርእይ ከም ዝጀመረ ምስ ኣስተብሃሉ እዩ ኣጋጢምዎ።

"ቅድሚኡ ሰኺሩ ርእየዮ ኣይፈልጥን" ትብል በዓልቲ ቤቱ ካረን። ካርሰን ንባዕሉ ነዞም ፍጻመታት ንጽባሒቱ ብንጹር ኣይዝክሮምን።

"እንታይ ከም ዝዀነ ኣይተረድኣንን" ይብል እቲ ወዲ 64 ዓመት ኒክ ካርሰን።

"ድሕሪ ሽዱሽተ ወይ ሸሞንተ ሰዓታት ዋላ ሓንቲ ጸገም ከም ዘይተፈጥረ ይበራበር፣ ኣዝዩ ሳሕቲ 'ሃንግኦቨር' [ኣልኮላዊ መስተ ድሕሪ ምስታይ ዝፍጠር ስምዒት] ይስምዓኒ ነይሩ።"

ኣብ መወዳእታ ኒክን በዓልቲ ቤቱን እቲ ስኽራንን ምልክታቱን ከም ድንሽ ዝኣመሰለ ልዑል ካርቦሃይድሬት ዘለዎ መግቢ ድሕሪ ምብላዕ ዝብገስ ከምዝመስል ተረዲኦም።

ኒክ ካርሰን፡ ብተደጋጋሚ ሓካይምን ክኢላታት ኣመጋግባን ምስ ኣማኸረ፡ 'ኣውቶ-ብሩዌሪ ሲንድሮም' ዝበሃል ሳሕቲ ዝረአ ሕማም ከም ዘለዎ ተረጋጊጹ።

ኣውቶ-ብሩዌሪ ሲንድሮም ወይ Auto-Brewery Syndrome (ABS)፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ከብዲ ዝፍጠር ኵነታት ውሽጣዊ ምብልዕላዕ (gut fermentation syndrome) ብዝብል ይፍለጥ።

ኣውቶ-ብሩዌሪ ሲንድሮም ብውሽጣዊ ምብልዕላዕ ፈንገስ ወይ ባክተርያ ኣቢሉ ኣብ ስርዓተ ምሕቓቕ ምግቢ፡ ጓንጓ ኣፍ ወይ ስርዓተ ሽንቲ ኤታኖል (ኣልኮል) ዝፍጠረሉ ብዓቢኡ ምስጢራዊ ኵነታት እዩ።

ኣብ ደም ዝርከብ መጠን ኣልኮል ብምውሳኽ፡ እቶም ሕሙማት ኣልኮላዊ መስተ ይስተዩ ኣይስተዩ ብዘየገድስ ምልክታት ስኽራን ከርእዩ ይገብሮም።

ኣብ ሕጊ ትራፊክ ዝግበር መርመራ ትንፋስ ንኸይሓልፉ ስለዝገብሮም ማሕበራውን ሕጋውን ሳዕቤናት ከምጽኣሎም ይኽእል እዩ።

እዚ ዘይተለምደ ተርእዮ’ዚ ግን፡ ጠንቁ ክሳብ ሕጂ ብግቡእ ኣይተፈልጠን፡ ኣዝዩ ኣካታዒ’ውን’ዩ።

ብተወሳኺ፡ መስተ ሰትዮም መኪና ብምዝዋር ዝተኸሰሱ ገለ ሰባት ከም ሕጋዊ መከላኸሊ ተጠቒሞምሉ እዮም።

ኒክ ካርሰንን በዓልቲ ቤቱ ካረን ካርሰንን

ምንጪ ስእሊ, Nick and Karen Carson

"ተመራመርቲ መርዛም ነገራት፡ እዚ ናይ ብሓቂ ሕክምና ዘድልዮ ከም ዝዀነን ብሓቂ ድማ ካብ ውሽጣዊ ምብልዕላዕ፡ ኣልኮላዊ መስተ ከም ዝርከብን ዝኣምኑ ይመስለኒ" ይብል ፈጻሚ ዳይረክተር ማእከል ምርምርን ትምህርትን ፎረንሲክ ሳይንስ ቤሬ ሎጋን።

"ኵላትና ካብ ምብልዕላዕ ውሑድ መጠን ኣልኮላዊ መስተ ነፍሪ ኢና፤ ኣብ መብዛሕትኦም ሰባት ግን፡ ኣዝዩ ንእሽቶ ስለዝዀነ ዝዕቀን ኣይኮነን።"

ሓደ ካብቲ ናብ ከምዚ ኵነታት ዝመርሕ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ዙርያ ኣብ ከብዲ ዝህሉ ዘይምዕሩይነት ረቂቅ ተሕዋስያን እዩ።

እዚ ዘይምዕሩይነት፡ ገለ ረቂቅ ታህዋስያን ካብ መጠን ንላዕሊ ክዓብዩ ይገብር፤ እዚ ኸኣ ደሓር ኣብ ትሕቲ ፍሉይ ኵነታት፡ ልዑል ካርቦሃይድሬት ዘለዎ መግቢ ክረክብ እንከሎ፡ ብምብልዕላዕ ኣልኮላዊ መስተ ይፈጥር።

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ መንጐ እቶም ኣብ ፍሕኛ ሽንቲ ዝነብሩ ረቂቅ ታህዋስያን ዘጋጥም ዘይምዕሩይነት ኣልኮላዊ መስተ ከም ዝፈጥር ተረጋጊጹ እዩ።

እዚ ድማ "ምብልዕላዕ ፍሕኛ ሲንድሮም" ተባሂሉ ይጽዋዕ። ከምዚ ዓይነት ኵነታት ሽኮርያ ኣብ ዝሓመሙ ሰባት ኣጋጢሙ እዩ። ሕማም ሽኮርያ እንተዘይተቘጻጺርካዮ፡ ኣብ ሽንቲ ሽኮር ይፈጥር እሞ ነቶም ረቂቅ ተህዋስያን መግቢ ክኸውን ይኽእል።

ቀንዲ መንቀሊኡ እንታይ እዩ?

መንቀሊ እቲ ናብ 'ኣውቶ-ብሩዌሪ ሲንድሮም' ዘምርሕ ሃንደበታውን ርኡይን ለውጢ ናይቶም ኣብ ውሽጢ ዝነብሩ ታህዋስያን እንታይ ክኸውን ይኽእል?

'ኣውቶ-ብሩዌሪ ሲንድሮም' ዋላ'ኳ ኣብ ጥዑያት ሰባት ዘጋጥም እንተዀነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ኣብ ከም ሕማም ሽኮር፡ ምስ ስብሒ ዝተኣሳሰር ሕማም ጸላም ከብዲን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ሕዱር ሕማማት ብሓባር ዘለዎም ሰባት እዩ ዝርአ።

ከምዚ ዓይነት ሕማም መጀመርታ ዝተረኣየ ኣብ ጃፓን ኣብ 1950ታት እዩ። ብፍላይ ህዝቢ ጃፓን ነዚ ኵነታት ተቓላዕቲ ምዃኖም ዝሕብሩ ሓሳባት ቀሪቦም እዮም።

ኣብ ከም ጃፓናውያን ዝኣመሰሉ ዝተወሰኑ ህዝቢታት፡ ጸላም ከብዲ፡ ኣልኮል ናይ ምብትታን ዓቕማ ዝቕንስ ፍሉይ ጀነቲካዊ ለውጢ ከምዘሎ ገለ ተመራመርቲ ይገልጹ። እዚ ድማ፡ ንዝርግሐ እቲ ሕማም ኣበርክቶ ክገብር ከም ዝኽእል ይሕብሩ። ብመሰረቱ እቶም ፍሉይ ጀነቲካዊ ለውጢ ዘለዎም ሰባት ኣካላቶም ካብ ኣልኮላዊ መስተ ናይ ምጽራይ ዓቕሞም ትሑት እዩ ማለት እዩ።

መባዅዕቲ ፈንገስ (yeast)

ምንጪ ስእሊ, Steve Gschmeissner/Science Photo Library/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መባዅዕቲ ፈንገስ (yeast)
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ 1984 ኣብ ክልተ ሕሙማት ዝተገብረ መጽናዕቲ ግን ካልእ መንቀሊ ከም ዘሎ ኣጕሊሑ፤ ኣብ ስርዓተ-ምሕቃቕ መግቢ ዝነብሩ ካንዲዳ ኣልቢካንስ ዝበሃሉ መባዅዕቲ ፈንገስ (yeast)።

ሓንቲ ቅድሚ ሕጂ ጥዕይቲ ዝነበረት ጓል 24 ዓመት ነርስ፡ ልዑል ካርቦሃይድሬት ዘለዎ መግቢ ድሕሪ ምብላዕ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ ሰዓት፡ ምልክታት ምድንዛዝ፡ ዕግርግር ምባል፡ ኣማዕቢላ። ሓደ መዓልቲ ቁርሳ ምስ በልዐት ድሕሪ ክልተ ሰዓት፡ ብሓፈሻዊ ሕማምን ምድንዛዝን ኣማሪራ፡ ሕልናኣ ስኢና ሕክምና ክሳብ ዘድልያ በጺሓ።

ዝኾነ ኣልኮላዊ መስተ'ኳ እንተዘይሰተየት፡ ኣብ ትንፋሳን ደማን ዝነበረ መጠን ኣልኮል ኣዝዩ ልዑል ኰይኑ ከም ዝተረኸበ እቲ መጽናዕቲ የመልክት። ኣብ ከብዳ ቍጽሪ ናይቲ ካንዲዳ ኣልቢካንስ ዝበሃል መባዅዕቲ ፈንገስ ወሲኹ ከምዝነበረ ብመርመራታት ላቦራቶሪ ተረጋጊጹ።

ኣብቲ ካልኣይ መጽናዕቲ ድማ፡ ሓደ ወዲ 35 ዓመት ኣሳሳዪ፡ ኣብ ትንፋሱ ጨና ኣልኮላዊ መስተ ከምዘሎ፡ ዓጀውጀውን ሰንከልከልን ከምዝብል የማርር። ንሱ’ውን ኣብ ከብዱ ልዑል መጠን ካንዲዳ ኣልቢካንስ ከምዘለዎ ተረጋጊጹ።

ኣብቲ ካብቶም ሕሙማት ዝተረኸበ መባዅዕቲ ፈንገስ ዝተገብረ መርመራ ላቦራቶሪ፡ ክልቲኦም ካርቦሃይድሬት ብሓያል መንገዲ ኣፍሊሖም ኣልኮል የፍርዩ ከም ዝነበሩ ይሕብር።

'ካንዲዳ ኣልቢካንስ' ዝበሃሉ መባዅዕቲ ፈንገስ ኣብ ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ምንባሮም ንቡር እዩ።

እንተዀነ ኣብቶም ሕሙማት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ክዀኑ ከለዉ ካርቦሃይድሬት ክብልዕላዕ ክገብሩ ከምዝኽእሉ እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ።

እታ ነርስን እቲ ኣሰላፊን፡ ጸረ-ፋንጋስ መድሃኒት ምስ ተዋህቦምን ኣብ ኣመጋግባኦም ዝነበረ ካርቦሃይድሬት ምስ ተገደበን፡ እቲ ዘርእይዎ ዝነበሩ ናይ ስኽራን ዝመስል ምልክታት ምሉእ ንምሉእ ጠፊኡ።

በዝሒ እቶም ኣብ ከብዲ ዝርከቡ ታህዋስያን፡ ዘይንቡር ምዃኑ ጥራይ ኣውቶ-ብሩዌሪ ሲንድሮም ኣየስዕብን።

ካርቦሃይድሬት ዝበዝሖ መግቢ ምምጋብ ግን ርኡይ ኣበርክቶ ኣሎዎ።

ጸገም ምሕቃቕ መግቢ ዘለዎም ሰባት እውን ብፍላይ ተቓላዕቲ እዮም። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያቱ ድማ መግቢ ከይሓቐቐ ኣብ ከስዐ ምጽንሑ ነቲ ከባቢ ኣልኮላዊ መስተ ንዘፍርዩ ረቂቅ ተህዋስያን ብዝጥዕም መንገዲ ክቕይሮ ስለዝኽእል እዩ።

ንኣልኮላዊ መስተ ትሑት ተጻዋርነት ምህላው እውን ተራ ክህልዎ ይኽእል።

"ሕክምናን ምርመራን ኣውቶ-ብሩዌሪ ሲንድሮም ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ርኡይ ምዕባለታት ኣመዝጊቡ'ዩ" ትብል ኣብ ፓኖላ ኮሌጅ፡ ቴክሳስ ተመራማሪትን ፕረዚደንት ትካል ኢንፎርሜሽንን ሪሰርችን ኣውቶ-ብሩዌሪ ዝዀነትን ባርባራ ኮርደል።

ብልክዕ ግን ኣብቶም ረቂቅ ተህዋስያን ዝፍጠር ዘይምዕሩይነት መንቀሊኡ እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኰይኑ ኣሎ።

በቲ ሕማም ዝሳቐዩ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ከምዝብልዎ እንተዀይኑ፡ ብተደጋጋሚ ወይ ንነዊሕ እዋን ጸረ-ነፍሳት መድሃኒት ምጥቃም ረቛሒ ሓደጋ ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ።

ብሓፈሻ ካብ መጠን ንላዕሊ ጸረ-ነፍሳት ምጥቃም ኣብ ከብዲ ዝርከቡ ተህዋስያን ክቝጥዑ ስለዝገብር፡ እዚ ገለ ትርጕም ዝህብ ይመስል። እንተዀነ፡ ብቐጥታ ኣውቶ-ብሩዌሪ ሲንድሮም የስዕብ ድዩ ኣየስዕብን ንምርግጋጽ ተወሳኺ መጽናዕቲ የድሊ።

ብብዝሒ ዘይግቡእ ዓይነት መግቢ ምምጋብ’ውን ተራ ክጻወት ይኽእል። ካብ መጠን ንላዕሊ ኣዝዮም ዝተመስርሑ መግብታት ኣብ ረቂቅ ተሕዋስያን ከብዲ ምስ ዝፍጠር ቁጥዐ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ተረጋጊጹ ኣሎ።

"እቲ ወሃቢ ኣገልግሎትን እቲ ሕሙምን መድሃኒት ክጥቀሙ ይወስኑ ኣይወሰኑ፡ ዓቢ ኣካል ናይቲ ሕክምና ትሑት ካርቦሃይድሬት ዘለዎ ኣመጋግባ ክኸውን ከምዘለዎ'ውን ንፈልጥ ኢና" ትብል ባርባራ ኮርደል።

እዞም ታህዋስያን ኣብ ቅልል ዝበለ ኣሲዳዊ ኵነታት ብዝበለጸ ከምዝዓብዩን ዝያዳ ኣልኮል ከም ዘፍርዩን ይፍለጥ።

ኮርዴል ካልኦት ጠንቅታት እውን ክህልዉ ከምዝኽእሉ ትኣምን።

"ከም ቀመማት/ኬሚካላት፡ ብከላ፡ ጸቕጢን ስንባደን ዝኣመሰሉ ኣመጋግባ ዝድርኹ ነገራትን ግዳማዊ መበገሲታትን ኣብ ምፍራይ ኣልኮላዊ መስተ ተራ ከምዘለዎም ብዙሕ ፈሊጥና ኣሎና" ትብል።

ብክኢላታት ኣመጋግባ ዝምራሕ ጽኑዕ ኣመጋግባ ብምኽታል፡ ምስ ጸረ-ፈንገስ ሕክምናታትን ማልቲ-ቪታሚናትን ተደሚሩ፡ ካርሰን ሕማሙ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ንኽኣቱ ኣኽኢልዎ እዩ።

"ብቐጻሊ 'ደሓን ድየ፡ ደሓን ድየ?' እብል። ቅሩብ ድኻም ክስምዓኒ ከሎ፡ ናይ ትንፋስ መርመራ ኣልኮል ንገብር" ይብል።

ካርሰን ብዛዕባ ኵነታቱ፡ ከምኡ'ውን ጠንቁ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝያዳ ስለ ዝፈለጠ ግን፡ ንሱን በዓልቲ ቤቱን ኣብ መጻኢ ከምዚ ዓይነት ነገር ከጋጥሞ ዘሎ ተኽእሎ ውሑድ ከምዝዀን ተስፋ ኣሎዎም።