ጃፓን፡ ቍጠባኣ ንምዕባይ መንእሰያት ኣልኮል ክሰትዩ ትምሕጸን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንእሰያት ጃፓን ኣልኮላዊ መስተ ኣየዘውትሩን፤ ሰብ መዚ ድማ ነዚ ንምቕያር ወፍሪ ጀሚሮም ኣለዉ።
ምስ ወለዶም እንክነጻጸር፡ ጃፓናውያን መንእሰያት ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ከምዘይወስዱ እዩ ዝንገር። እዚ ድማ ንከም ካብ ሩዝ ዝስራሕ ሳካ ዝተባህለ ነቢት ዝርከብ ቀረጽ ኣጕዲልዎ።
“ሳካ ቪቫ!” ዝብል ወፍሪ ምስታይ ኣልኮል ሰሓቢ ንምግባርን ቍጠባ ኢንዱስትሪ መስተ ንምዕባይን ዝዓለመ እዩ።
ካብ 20 ክሳብ 39 ዝዕድሚኦም መንእሰያት ዝሳተፉሉ እዚ ውድድር፡ መንእሰያት ክሰትዩ ዘለዓዕል ናይ ንግዲ ሓሳብ ከቕርቡ ዝጠልብ ኰይኑ ኣብ መስተታት ሳካ፡ ሾቹ፡ ዊስኪ፡ ቢራ ወይ ነቢት ዘተኮረ እዩ።
ተወዳደርቲ ናይ ምውዕዋዕ፡ ብራንዲንን ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝሓወሱ ትልሚታትን ከቕርቡ ትጽቢት ይግበረሎም።
መራኸቢ ብዙሃን ጃፓን ከምዝሓበራኦ እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ስምዒታት ፈጢሩ ኣሎ፤ ገለ ሰባት ዘይጥዑይ ልምዲ ዘማዕብል እዩ ብምባል ክቃወምዎ እንከለዉ ካልኦት ድማ ዘዘናግዑ ሓሳባት እናልዓሉ የወዓውዕዎ ኣለዉ።
ተወዳደርቲ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ሓሳቦም ከቕርቡ ትጽቢት ዝግበር ኰይኑ፡ እቶም ዝበለጹ ሓሳባት ቅድሚ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ ናይ መወዳእታ ውድድር ምስግጋሮም ብሰብ ሞያ ተሓጊዞም ክምዕብሉ ክግበር እዩ።
ዕዳጋ ኣልኮል ጃፓን ካብ እዋን ናብ እዋን እናደኸመ ይመጽእ ከምዘሎ ዝገልጽ ናይቲ ወፍሪ ድሕረ ገጽ፡ ዝበዝሕ ህዝቢ እታ ሃገር ዕድመ ዝደፍአ ምዃኑን ትሑት መጠን ወሊድን ከም ምኽንያት የልዕል።
ትካል ምእካብ ግብሪ ጃፓን ከምዝሕብሮ፡ ጃፓናውያን ምስ 2020 እንትነጻጸር ኣብ 1995 ዝበዝሐ መጠን ኣልኮል ይሰትዩ ነይሮም።
ብተመሳሳሊ ካብ ኣልኮል ዝርከብ ግብሪ ዝቐነሰ ኰይኑ፡ ኣብ 1980 ካብ ጠቕላላ ኣታዊ 5 ሚእታዊት ዝሽፍን ዝነበረ ግብሪ ኣብ 2020 ናብ 1.7 ሚእታዊት ወሪዱ።
ካብ ብዝሒ ህዝቢ ጃፓን 29 ሚእታዊት ልዕሊ 65 ዓመት ከምዝዀነ ጸብጻብ ባንኪ ዓለም ዘመልክት ኰይኑ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝለዓለ መጠን እዩ።
እታ ሃገር ኣብ ገለ ዓውዲታት ዘሎ ሕጽረት መንእሰያትን ምሕብሓብ ኣረጋውያንን ሻቕሎት ፈጢሩላ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







