ኣብ ቡሩንዲ ንዘጋጠመ ሕጽረት ቢራ ዓማዊል ተሓተትቲ ኮይኖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ቡሩንዲ ተፈታዊ ዝኾነ ቢራ ሕጽረት ቐረብ ንኸጋጥም ዓማዊል ምኽንያት ምዃኖም ተገሊጹ።
እቲ ሕጽረት "ጠለብ ብምውሳኹ ከጋጥም ከም ዝኸኣለ" ኣብታ ሃገር ወሃቢ ቃል ፋብሪካ ቢራን ልስሉስ መስተን ብራሩዲ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ረሚ ዳይሺሚየ "ታሕጓስ ዓማዊልና ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ዝከኣለና ኩሉ ንገበር ኣለና" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።
ሰተይቲ ቢራ 'ኣምስተል' ኣብታ ሃገር ዝፈርዩ ካልኦት ቢራታት [ፕሪመስን ሮያልን ዝበሃሉ] ንምስታይ ከም ዝተገደዱ ብምግላጽ፡ በዚ ሕጉሳት ዘይምዃኖም ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ካልእ ካብ ርዋንዳ ዝመጽእ 'ስኮል' ዝበሃል ቢራ'ውን ዋግኡ ክቡር ስለዝኾነ ከም ዘይመርጽዎ ኣረዲኦም።
ሓደ በዓልሞያ'ቲ ኢንዳስትሪ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ ድማ ቀንዲ መንቀሊ ሕጽረት ቢራ ጠለብ ዓማዊል ምውሳኹ ዘይኮነስ፡ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ'ዩ።
ነቲ ቢራ ንምጽማቝ ዝውዕሉ ገለ ጥረ እታወታት ካብ ደገ ስለዝዕደጉ ብእኹል ምፍራይ ኣይተኽኣለን።
ቡሩንዲ ኣብ እተፍርዮ ልስሉስ መስተ ኮካ-ኮላ እውን ሕጽረት ከም ዘጋጠመ ይዝረብ።
ባንኪ ዓለም ብወገኑ እታ ሃገር ብሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ትህሰ ምህላዋ የረጋግጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







