ምትካኽ ሽጋራ፡''ማዕረ ሳንቡእና ንዓይንና 'ውን ይጎድእ''

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ብምኽንያት ምትካኽ ሽጋራ፡ ብርሃን ዓይኖም ኣብ ሓደጋ የውድቑ ከምዘለዉ ሰብ ሞያ ሕክምና ኣጠንቂቖም።
ኤኦፒ ዝተብሃለ መጽናዕቲ ዘካየደ ትካል ከምዝሕብሮ፡ ዋላ'ኳ ምትካኽ ስጋራ ምስ ዑረት ዓይኒ ግልጺ ምትሕሓዝ እንተሃለዎ፡ ካብ ሓሙሽተ ሰባት እቲ ሓደ ጥራሕ እዩ ነዚ ዝግንዘብ።
ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት፡ ምስ ዘየትክኹ እንትነጻጸር፡ ንዑረት ዓይኒ ናይ ምቅላዕ እድሎም፡ ብዕጽፊ ዝዓበየ እዩ።
እዚ ድማ ትኪ ሽጋራ፡ ጸገማት ዓይኒ ናይ ምስዓብን ምግዳድን ተኽእሎ ስለዘለዎ እዩ።
ምትካኽ ሽጋራ፡ ብኸመይ እዩ ዓይኒ ዝጎድእ?
ትኪ ሽጋራ፡ ዓይኒ ከቖጥዑን ክጎድኡን ዝኽእሉ መርዛም ኬሚካላት ዝሓዘ እዩ።
ንኣብነት ከበድቲ ሓጻውን፣ ከም ሊድን ኮፐርን ዝኣመሰሉ ባእታታትን፡ ኣብ ሌንስ ዓይንና ተኣኪቦም፡ ካታራክት ንዝበሃል ምጽልማት ሌንስ የቃልዑና።
ምትካኽ ሽጋራ፡ ሰራውር ደም ዳሕረዋይ ክፋል ዓይንና (ረቲና) ብምጉዳእ፡ ምስ ሕማም ሽኮርያ ዝትሓሓዝ ጸገም ዓይኒ፡ ከጋድድ ይኽእል።
ኣትከኽቲ ሽጋራ፡ ምስ ዘየትክኹ እንትነጻጸር፡ ምስ ዕድመ ተተሓሒዙ ንዝመጽእ ደቀቕቲ ነገራት ናይ ዘይምርኣይ ጸገም፡ ብሰለስተ ኢድ ዝተቓልዑ እዮም።
ብተወሳኺ፡ ብምኽንያት ናብ ዓይኒ ዝኸይድ ደም ምዕጻው፡ ንዘጋጥም ሃንደበታዊ ዑረት ዓይኒ ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ብ16 ኢድ ዝዛየደ እዩ።
ኣብ 2,006 ዓበይቲ ሰባት ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ እቶም 18 ሚኢታዊት፡ ምትካኽ ንናይ ምርኣይ ጸገም ወይ ዑረት ዓይኒ ከምዘቃልዕ ብትኽክል ዝመለሱ እንትኾን፤ እቶም 76 ሚኢታዊት ድማ ምትካኽ ምስ መንሽሮ ከም ዝተሓሓዝ ዝፈልጡ እዮም።
ሽጋራ ዘይምትካኽን ስሩዕ መርመራ ዓይኒ ምግባርን፡ ብርሃን ዓይኒ ንምሕላው፡ መሰረታዊ ስጉምቲታት ከምዝኾኑ ኤኦፒ ይገልጽ።
''ሰባት ኣብ መንጎ ምትካኽን ካንሰርን ዘሎ ርክብ ይፈልጡ እዮም። ኮይኑ ግና ብዙሓት ሰባት፡ ምትካኽ ኣብ የዒንትና ዘብጽሖ ጸገም ኣይፈልጡን'' ትብል በዓልቲ ሞያን ኣማኻሪትን ኣይሻ ፋዝላኒ።
''ምትካኽ፡ ጠንቂ ከም ምስ ዕድመ ተተሓሒዙ ዝመጸእ ጸገም ብርሃን ዓይኒ፡ እዩ። እዚ ድማ መትከኽቲ ሽጋራ፡ ምትካኽ ደው ከብሉ ከምዘለዎም ካብ ዘርእዩና ምኽንያት እዩ።''
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ 17 ምኢታዊት ደቂ ተባዕትዮን፡ 13 ምኢታዊት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮን፡ ብጠቕላላ ከባቢ 7.4 ሚልዮን ሰባት ሽጋራ የትክኹ። ካብዚኦም ልዕሊ 61 ምኢታዊት፡ ምትካኽ ደው ከብሉ ይደልዩ።
ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ዓባይ ብሪጣንያ ከምዝሕብሮ፡ ቁጽሪ ኣትከኽቲ ይጎድል ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







