ጃምላዊ ማእሰርቲ ኣዲስ ኣበባን ሕጋዊ ሕቶታቱን

ምንጪ ስእሊ, ROSLAN RAHMAN
ሎሚ ቅነ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈጠረ ቅልውላው ቁፅሪ መወትቲ 28 ከምዝበፅሐ ፖሊስ ገሊፁ። ነዚ ዘጋጠመ ቅልውላው ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ መስተን መዘናግዒ ቦታታትን እታ ከተማ: ኣስታት 3200 ሰባት ብጅምላ ከምዝተኣሰሩ ኣመንስቲ ኢንተርናሽናል ኣፍሊጡ።
ፖሊስ ብወገኑ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ብምግላፅ፡ እቶም 174 ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርቡ፤ 1204 ሰባት ድማ ንተሃድሶን ትምህርትን ብዝብል ናብ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ጦላይ ተወሲዶም።
ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዋለ እኳ ህውከት ንምፍጣር ንዝፈተኑ ከምዝኣሰረ እንተገለፀ፡ ኣምነስቲ ግና ነዚ ጅምላዊ ማእሰርቲ ብምኹናን፡ እዚ ስጉምቲ ይረኣዩ ንዘለዉ ለውጥታት ንድሕሪት ዝጎትት እዩ ኢሉ።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እዚ ጅምላዊ ማእሰርቲ ዝተፈፀሞም ሰባት ካብ እንዳ ጫትን ሺሻን እዩ። ንምዃኑ ሺሻ ምጥቃም ዘይሕጋዊ ድዩ? እንተኾይኑ'ኸ እዞም ግዳያት ንምንታይ ናብ ቤት ፍርዲ ዘይቀረቡ? ናብ መዓስከራት ተሃድሶ ንምንታይ ተወሲዶም? ዝብሉ ክትዓት ይለዓሉ ኣለዉ።
በዓል መዚ ምምሕዳር ምግቢ፣ መድሓኒትን ጥዕናን ኢትዮጵያ፡ መምርሒ ቁፅፅር ትምባኾ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2007 ዓ.ም ዘውፅአ እንትኸውን፡ ብመሰረት እቲ መምርሒ ድማ፡ ፍርያታት ትምባኾ ብዝብል ዝፀርሖም ብክፋል ኮነ ብሙሉእ ካብ ቆፅሊ ትምባኾ ዝዳለዉ 'ምትካኽ፣ ምስሓብ፣ ምሕያኽ፣ ምሽታት ወይ ድማ ብካልእ መንገዲ ዝውሰድ ዝኾነ ዓይነት ንጥረ ነገር ኮይኑ 'ጋያ' ወይ ድማ ናይ ሺሻ ትምባኾ፣ ኤሌክትሮኒክ ኒኮቲንን ዝሓወሰ እዩ።
ዕላማ እዚ መመርሒ እውን ብዝርዝር ዝተፀርሐ እንትኸውን፡ ትምባኾ ብምጥቃምን ንትኪ ትምባኾ ብምቅላዕን፡ ኣብ ጥዕና፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ጉዳያት ሕብረተሰብ ዝበፅሕ ጉድኣት ንምክልኻልን ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ዝፈረመቶም ኮንቬንሽናት ቁፅፅር ትምባኾ ተግባራዊ ንምግባርን እዩ።
እዚ መምርሒ ካብ ፍቓድ እዚ በዓል መዚ ወፃኢ፡ ፍርያት ትምባኾ ናብ ዕዳጋ ምቕራብ፣ ምክፍፋል ወይ ድማ ብጅምላ ምሻጥ ከምዘይከኣል ዘቐመጠ እንትኸውን፤ ፍርያታት ትምባኾ ምልላይን ምምዋልን እውን ክልኩል ምዃኑ ብግልፂ ተደንጊጉ ይርከብ።
ብመሰረት እዚ ድማ፡ መጓዓዝያ ህዝቢ፣ ትካላት ጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ ብልዕን፣ መዘናግዒ ቦታታት፣ መዕርፎ ነፈርቲ፣ ፋብሪካታትን መአከቢ ኣዳራሻትን፡ ምትካኽ ዝተኸልከለሎም ከባብታት ከምዝኾኑ ተደንጊጎም ይርከቡ።
ዋካ እኳ ኣብዞም ቦታታት እዚኦም ምትካኽ ዘይፍቀድ እንተኾነ፡ ካብ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ፣ ትካላት ትምህርትን ዕድመኦም ትሕቲ 18 ዝኾኑ ህፃናትን ካብ ዝጥቀሙሎም ትካላትን ወፃኢ፤ ነዚ ዕላማ ኣብ ዝተዳለወን ወይ ድማ ዘመናዊ መውፅኢ ትኪን ጨናን (ventilation) ኣብ ዝተገጠመሎም ካልኦት ቦታታት ምትካኽ ከምዝከኣል ተገሊፁ ኣሎ።
ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ኮሌጃትን ካልኦት ትካላትን ነዚ ተባሂሉ ብፍሉይ ዝተዳለወ ክፍሊ እንተድኣ ሃልዩ ሽጋራ ኮነ ፍርያታት ትምባኾ ምጥቃም ከምዝከኣል እውን የብርህ።

ምንጪ ስእሊ, MAHEDER HAILESELASSIE TADESE
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት እንዳ ሺሻ ዘይሕጋውያን ተብሂሎም እንትዕሸጉን ኣቁሑቶም እውን እንትውሰድ፤ እንዳ ጫት እውን፡ ጫት ክትሸጡ እምበር 'ክተቕሕሙ' ፍቓድ የብልኩምን ብዝብል ይዕፀዉ ከምዝነበሩ፡ በዓል ሞያ ሕግን ጠበቓን ኣይተ ታምራት ኪዳነ ማርያም ይዛረቡ።
ዋላ እኳ ብዙሓት ትካላት ንግዲ ፍቓድ ብዝረኸብሉ መሰረት የይሰርሑ እንተሃለዉ፤ ''ንክሸጡ እምበር ንከቕሕሙ ኣይተፈቐደን'' ዝብል ኩልግዘ ዝለዓል ክትዕ ከምዝኾነ እቶም በዓል ሞያ ይዛረቡ።
''ትምባኾ ምትካኽ ዝተፈቐደሎም ከባብታት ኣብቲ መምርሒ ብግልፂ ዝተቐመጡ እንትኾኑ፤ ብዛዕባ ጫት ግና፡ ኣብ ምንታይ ምቕሓም ከምዝከኣል ዝተደንገገ ነገር የለን'' ይብሉ።
ምናልባት ሓደ ነጋዳይ ዝተወሃቦ ፍቓድ ንምችርቻር እንተድኣ ኮይኑ፡ ሰባት ኣኪቡ ኣብ ዘቕሕመሉ እዋን፡ ካብ ዝተውሃቦ ፍቓድ ወፃኢ ብምስራሕ ክሕተት ይኽእል።
ገበናት ጥሕሰት ደንቢ ብባህሪኦም ቅልል ዝበለ መቕፃዕቲ ዘለዎም እዮም። ከም ኣብነት ትምባኾ ግቡእ ብዘይኮነ መንገዲ ምትካኽ ብቅፅዓት ገንዘብ ዝሕለፍ እዩ።
እቶም ትካላት ንግዲ ግና፡ ካብ ዝተፈቐደ ወፃኢ ነዚ ተግባር ብምፍፃሞም ከቢድ ቅፅዓት ክቅፅዑ ይኽእሉ።
እዞም መምርሕታት እንተድኣ ዘይተኽቢሮም ካብ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ጀሚሩ፡ ክሳብ ፍቓድ ንግዲ ምስራዝን ብገበን ተሓተትቲ ክኾኑን ዝገብር እንትኸውን፡ ተጠቀምቲ ነዚ ደንቢ እንተድኣ ጥሒሶም ወይ ድማ ብዛዕባ ተጠቀምቲ ግን እቲ መምርሒ ዝብሎ ነገር የለን።
እሞ ድኣ፡ እዚ መመርሒ ብዛዕባ እዞም ተጠቀምቲ ዋላ ሓደ ዘይበለ፡ ነዚ ጉዳይ ዝፈፀሙ በየናይ ማዕቀፍ ሕጊ እዮም ተሓተትቲ ክኾኑ ዝኽእሉ?
ኣብዚ ሰሙን ግዳያት ጅምላዊ ማእሰርቲ ዝኾኑ ሰባት ሽሻ ብምስሓብ ምእሳሮም፡ 'ተጠቀምቲ በየናይ ኣገባብ እዮም ተኣሲሮም፤ ወነንቲ እውን ብዘይሕጋዊ (ብዘይ ፍቓድ) ብምንጋድ ብዝብል ተሓተትቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ይብሉ እዞም በዓል ሞያ።
''ንተጠቀምቲ ኣትኪኽኩም ኢልካ ምቕያድ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ'' ኢሎም።
ትምባኾ ኣትኪኽኩም ብዝብል እንተኾይኑ፡ ብቅፅዓት ገንዘብ ወይ ድማ ብስሩዕ ቤት ፍርዲ እንተይኮነስ፡ ብቤት ፍርዲ እታ ከተማ መምርሒ ብምጥሓስ ክኽሰሱ ከምዝኽእሉ ገሊፆም።
''ብጅምላ ንምሕፋስን ንምእሳርን ዋላ ሐደ መሰረት የብሉን፤ ደንቢ ጥሒሶም ዝብል መስርሕ እንተልዩ፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ይግባእ። ካብ ከተማ ኣርሒቕካ ናብ ካልእ ቦታ ንምውሳድ ዘኽእል ሕጊ የለን፤ ምስ ፀጥታ ዝራኸብ ወይ ካልእ ፖለቲካዊ ምኽንያት እንተድኣ ዘይሃልይዎ ከምዚ ዝበለ ሕጊ የለን'' ይብሉ እቶም በዓል ሞያ።
ዋላ እኳ ንምህናፅን ንምምሃርን ዝበሃል ሓሳብ ከም እወንታ ዝርእይዎ እንተኾኑ፡ እዚ ንምግባር ሕጊ ስለዘድልይ፡ ከምህርን ክምልስን ዝኽእል ቤት ፍርዲ ከምዝኾነ ይዛረቡ።
''ጥፍኣተኛ ኢልካ ቀፂዕኻ፤ ብከምዚ ዓይነት መንገዲ ይተሃነፁ ዝብል ስጉምቲ ይወሰድ ኢሉ ክእዝዝ ዝኽእል ቤት ፍርዲ እዩ። ይኹን እምበር ፈፃሚ ኣካል (መንግስቲ) ቤት ፍርዲ እንከይወሰነ ሰበ ስልጣን እዞም ሰባት ንኣርሞም፣ ንህነፆም ኢሎም ክወስድዎም ትኽክል ኣይኮነን። ሕጋዊ እውን ኣይኮነን'' ብምባል ሓሳቦም ይዛዝሙ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







