ኣዲስ ኣበባ መንእሰያት ብጃምላ ተኣሲሮም

ጃምላ ማእሰርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, MAHEDER HAILESELASSIE TADESE

ረቡዕ መስከረም 8 2011፤ ወ/ሮ መሰለች ተክሌ፡ 12 መዓልታት ጥራይ ዕድመ ዘለዎ ወዶም ሰለ ዝሓመመ፡ ምስ ስድርኣ ከሕክምዎ ናብ ሆስፒታል ኣቕኒዖም።

እታ ስድራ ካብ ሆስፒታል ተመሊሳ ንምሳሕ እናተቐረበት ግና ዘይተሓስበ ነገር ኣጋጠመ።

"ዩኒፎርም ዝተኸድኑ፡ ንወደይ ኣቶ መኮነን ዝደለዩ፡ ሓሙሽተ ዝኾኑ ኣባላት ጸጥታ ብመኪና መጽዮም" ትብል ወ/ሮ መሰለች።

እቶም ኣባለት ጸጥታን ወዳ መኮነንን ከባቢ ሰዓት 4 ድ.ቀ. ናብቲ ገዛ መጽዮም ከም ዝፈተሹ ወ/ሮ መሰለች ትሕብር።

"'ንገለ ሕቶታት ኢና ደሊናዮ ክምለስ ኢዩ' ኢሎም'ዮም ወሲደምዎ" ዝበለት ወ/ሮ መሰለች ወዳ መኮነን፡ ግንቦት 7 ናብ ሃገር ክኣቱ ከሎ ናይ ዝቖመ ኣወሃሃዲ ኮሚተ ኣባል ከም ዝነበረ ገሊጻ።

እንተኾነ ግና ወዳ መኮነን ናብ ቤትፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ ምስ ናይ 'ቡራዩን ኣሸዋ ሜዳ' ዝነበረ ዕግርግር ዝተኣሳሰር ምዃኑ ከም ዝተሓበሮ ገሊጻ።

"ኣደይን ኣሕዋተይን ኣብ ቡራዩ ካብ ዘጋጠመ ሓደጋ ብምህዳም፡ ምሳይ ኢዮም ኣጽሊሎም ዘለዉ፤ ከመይ ጌረ ከምዚ ነገር ይገብር፤ ብምባል ተኻቲዑ" ክትብል ወ/ሮ መሰለች ዉዕሎ እቲ ቤት ፍርዲ ትዝክር።

ካብ ድሮ፡ ምምላስ ኦነግ ናብ ዓዲ፡ ጀሚሩ ሰላም ስኢና ዝጸንሐት ኣዲስ ኣበባ፤ ሎም ቅነ ድማ ከካብ ቦትኡ ብዝስማዕ ዘሎ ጃምላ ማእሰርትታት ዝተሰናበደት ትመስል።

ኣብ ፈይስቡክ Ab Bella ብዝብል ስም ዝፍለጥ መንእሰይ ኣብ ከባቢ ፈረንሳይ ኩዕሶ ኣብ ምዕዛብ እንከለዉ ምስ ብዙሓት ብጅምላ ከም ዝተኣስረ ኣብ ፌስ ቡክ ጽሒፉ ኣሎ።

ናይ ኣብ ቤላ ፌስቡክ

ምንጪ ስእሊ, Ab Bella/FB

ንሱ ዕላማ እቲ ማእሰርቲ ሰባት ንምስንባድ ከይኮነ ከም ዘይተርፍ ይሕብር።

ኮምሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ካብ 2 ክሳብ 7 መስከረም ኣብ ዝነበረ መዓልታት 28 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ። ካብዚኦም ሸዉዓተ ብፖሊስ ዝተቐትሉ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቲ ሓደ ብጌጋ ከም ዝተቐትለ ሓቢሩ።

ካብዚ ወጻኢ ዝመጹ ሓበሬታታት ፖሊስ ከም ዘይፈልጦም ዝገለጸ ኮምሽነር ኮምሽን ፖሊስ፡ ሜጀር ጀነራል ደግፌ በዲ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ፖሊስ ነቲ ዕግርግር ደዉ ንምባል ብዝገበሮ ፈተነ ድማ ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ተዋፊሮም ዝረኸቦም ብዙሓት ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእቶዎም እቲ ኮምሽነር ኣብሪሁ።

ኣብዚ ግዜ'ዉን ኣብቲ ዕግርግር ብቐጥታ ተሳተፍቲ ዝነበሩ 1,204 ዝኾኑ ዉልቀ ሰባት ካብ ዝተፈላለየ ከባብታት ድሕሪ ምእካብ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ንጥፈታት ከም ዘይሳተፉ ንምግባር ኣብ ሰንዳፋ ድሕሪ ምጽናሕ ንተሃድሶ ስልጠና ናብ ጦላይ ከም ዝኣትዉ ከም ዝተገብረ እቲ ኮምሽነር ወሲኹ ሓቢሩ።

እቲ ኮምሽነር፡ 174 ሰባት ብሕጊ ከም ዝሕተቱን፤ ካልኦት ልዕሊ 1400 ድማ ካብ እንዳ ሽሻን ካብ ናይ ቁማር ቦታታትን ዝተታሕዙን ብዙሕ ገንዘብ ዘለዎምን ኢዮም ኢሎም።

ወ/ሮ መሰለች፡ ወዳ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ከሎ ኮነ ገዝአም ክፍተሽ ከሎ፡ ናይ ቤት ፍርዲ መኣዘዚ ወረቐት ከም ዘይነበሮም ሓቢራ።

"እግዚኣብሄር እንተፈቐዶስ መስከረም 24 ክፍታሕ ተስፋ ንገብር" ክብላ ዘለወን ተስፋ ገሊጸን።