ንቘልዑ 'ጽቡቓት' እንተበልናዮም ጸገም ኣለዎ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty/Javier Hirschfeld
ነዚ ተርእዮ ኣብ ኣእምሮኹም ስኣሉ።
ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ዘብለጭልጭ ክዳን ለቢሳ፡ ብዕግበት ሕምብሊል ትብል። ክከታተልዋ ዝጸንሑ ወለዳ'ውን ጽብቕቲ ምዃና ይነግርዋ።
ጸኒሓ ኣብቶም ትፈትዎም ፊልምታት፡ ቀጠንቲ ሰባትን እንስሳታትን ብዘስደምም ኣገባብ፣ እቶም ረጐድቲ መዛኑኦም ግን ክድንጉዩ ወይ ዕንክይክይ ክብሉ ትርኢ።
ሓደ ሓደ ግዜ፡ ወለዳ ብዛዕባ ክብደቶም ወይ መልክዖም ክጭነቝ ትዕዘብ።
መንእሰይ ኣብ እትዀነሉ እዋን፡ ወለዳ፡ ምስሊ ኣካላታ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ይጽሎ ኣሎ ኢሎም ይጭነቑ።
ኣብ ክውንነት ግን፡ ኣብ ኣካላታ ዘለዋ ኣረኣእያን ማሕበራዊ ተቐባልነትን ቅድሚ ነዊሕ እዋን፡ ኣብ ንእስነታ ዝተቐርጸ ክኸውን ከምዝኽእል መጽናዕትታት ይሕብሩ።
መብዛሕትኡ ግዜ ኣካላዊ ዕግበትና ወይ ዘይዕግበትና መንቀሊኡ እንታይ ከምዝዀነ ብልክዕ ምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ።
ኣእምሮና ናብ ንእስነትና እንተመሊስናዮ ግን፡ ዘይሓሰብናሎም እኩብ ርእይቶታት ወይ ትዕዝብቲ ክንዝክር ንኽእል ኢና። ካብቶም ርእይቶታት ሓደ ንበይኑ’ኳ እንተዘይኰነ ውህሉል ጽልዋኦም ግን ብዘገርም መልክዑ ሓያል ክኸውን ይኽእል።
ኣሜሪካዊት ደራሲት ግሌኖን ዶይል፡ ቈልዓ ከላ ካብ ዓበይቲ ሰባት ናእዳ ትረክብ ከም ዝነበረት ክሳብ ሕጂ ትዝክር።
"ኣብ ገጾም ይርእዮ ነይረ... ስለዚ ተረዲኡኒ፡ እዚ ቅርሺ'ዩ" ትብል። ምስ ዓበየትን ጽባቐኣ ከም ዝቐነሰ ምስ ተሓሰበትን ግን እቲ ናእዳ ተሪፉስ ዳርጋ ዓለም ካብኣ ዝረሓቐት ኰይኑ ተሰሚዕዋ።

ምንጪ ስእሊ, Getty/Javier Hirschfeld
ስድራቤት ብዛዕባ ክብደት ሰብነት ዝህቦ ጐዳኢ ርእይቶን ሓሳብን ምስ ጥዕና ኣእምሮን ኣመጋግባን ዝተኣሳሰሩ ጸገማት ከስዕብ ከምዝኽእል መጽናዕትታት የመልክቱ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ረጐድቲ ህጻናት ዝግበር ሰፊሕ ጸለመ ንርእሰ-ክብሮምን ንምስሊ ኣካላቶምን ዝጸሉ እዩ።
እዚ ገና ብኣጋኡ ዝጅምር ንቕሓት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ህጻናት ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ርእሰ-ምትእምማን ንኽስምዖምን ንኻልኦት'ውን ንክሕግዙን፡ ወለድን ኣለይቲን እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ?
ሕፍረት ኣካላት ብተፈጥሮ ኣይመጽእን
ሰባት ዝብህግዎ ኣካላዊ ቅርጺ ከም ግዜኡን ከከም ባህሉን ኣዝዩ ይፈላለ'ዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ንዅሉ ዓይነት ቅርጺ ኣካል ዝቕበል ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ይሰፍሕ ኣሎ። እንተዀነ፡ ቀጢን ኣካል ምቹእ’ዩ ዝብል ሓሳብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ መራኸቢ ብዙሃን፡ ፊልምን ካልኦትን ሕጂ’ውን ዓብላሊ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ብዛዕባ ተደላዪ ኣካል ዝህልወና ብኣጋኡ ዝጅምር ንቕሓት፡ ህጻናት ኣብ ከባቢኦም ዘለዎም ተመኵሮ ዓለም ዘንጸባርቕ እዩ።
ኣብ ሓደ መጽናዕቲ፡ ንመን ከላግጹን ንመን ናብ ጽንብል ዕለተ ልደቶም ክዕድሙን ከምዝኽእሉ ዝተሓተቱ ህጻናት፡ ኣብቶም ረጐድቲ ዝዀኑ ኣሉታዊ ዝንባለ ኣርእዮም።
እዚ ወገናውነት ብኻልኦት ዝተጸልወ እዩ። ንኣብነት ኣደታቶም ብዛዕባ ቅርጺ ኣካላት ዘለወን ኣተሓሳስባን እምነትን ነቲ ውጽኢት ጸልይዎ እዩ።
እቶም ብዕድመ ዝዓበዩ ህጻናት ካብቶም ንኣሽቱ ዝሓየለ ውግንና'ውን ኣርእዮም እዮም። እዚ ድማ ውግንና ዝተመሃርዎ እምበር ብተፈጥሮ ዝረኸብዎ ከምዘይኰነ የመልክት።
እቶም ርኽበታት "ማሕበራዊ ሃዋህው ህጻናት ኣብ ምዕባለ ኣሉታውን ኣወንታውን ኣተሓሳስባ ኣገዳሲ ምዃኑ ይሕብሩ" ክብሉ እቶም ተመራመርቲ ይድምድሙ።
ኣብ ደቆም ጽልዋ ዘሕድሩ ወለዲ ጥራይ ኣይኰኑን። ንኣሽቱ ህጻናት፡ ኣብ ከባቢኦም ካብ ዝርእይዎን ዝሰምዕዎን ብዙሕ ኣተሓሳስባ ከምዝወስዱ እቶም መጽናዕትታት የመልክቱ።
ሓደጋ ላግጺ
ዘይውሕስነት ገዛእ ርእሶም፡ ንደቆም ክጸሉ ከም ዝኽእል ዝፈለጡ ብዙሓት ወለዲ ክስንብዱ ይኽእሉ። ገለ ስድራቤት ግን ነዚ ጽልዋ እዚ ብጐዳኢ ርእይቶታት የጋድድዎ እዮም።
ኣደታት ብዛዕባ ክብደትን ዓቐንን ኣካላት ዝህባኦ ርእይቶ፡ ኣብ ደቀን ስርዓት ኣልቦ ባህሪ ኣመጋግባ ከስዕብ ከምዝኽእል ኣብ ህጻናት ዝተገብረ ሓደ መጽናዕቲ የረጋግጽ።
ኣደታተንን ኣቦታተንን ቀጠንቲ ክዀና ዘተባብዓወን ኣዋልድ፡ ኣብ ረጐድቲ ሰባት ኣሉታዊ ኣረኣእያ ናይ ምምዕባል ተኽእሎአን ዝለዓለ'ዩ። እዚ ድማ ምስ ክብደት ሰብነት ዝተኣሳሰር ጸለመን ጸርፊን እናወሰኸ ንክኸይድ ከተባብዕ ይኽእል’ዩ።
ዓበይቲ ደቂ ኣንስትዮ ከይተረፋ ገና ኣብ ግዜ ንእስነተን ዘጋጥመን ጸለመ ክብደት ክስምዐን ይኽእል።
ኣብ ሓደ መጽናዕቲ ዝተሳተፋ፡ ዕድመአን ካብ 40ታት ክሳብ 60ታት ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ፡ ብሰንኪ ክብደተን ብስድራቤተን ክሓፍራ ከምዝተገበራን ክሳብ ሕጂ ዓሚቝ ጓሂ ከምዝስምዐንን ገሊጸን።
ክንዮኖ ስድራቤት
ኣብ ኖርዝኢስተርን ዩኒቨርሲቲ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ራሄል ሮጀርስ፡ ሓደ ወላዲ ብዛዕባ ምስሊ ኣካላት ገዛእ ርእሱ ክግደስ እንከሎ፡ ንደቁ ሞዴል ይኸውን ከምዘሎ ትዛረብ።
"ዋላ'ውን ኣካላዊ መልክዕ እቲ ህጻን እንተዘይጠቐሱ፡ ነቲ ቘልዓ ግን 'እዚ ዘጨንቐኒ ነገር'ዩ' ዝብል ሓሳብ የርእዩ እዮም ዘለዉ። ስለዚ ድማ ህጻናት ነቲ ሓሳብ ይወስዱ።"
ብዙሓት ወለዲ፡ ብዛዕባ ኣመጋግባ፡ ኣከዳድናን መልክዕን ቈልዑ ጽቡቕ ርእይቶ ክህቡ ይፍትኑ እዮም። ይዅን እምበር ዋላ ጽቡቕ ርእይቶ'ውን፡ ህጻናት ዝያዳ ኣብ መልክዕን ክብደትን ንኸተኵሩ ከተባብዕ ከምዝኽእል ሮጀርስ ትሕብር።
ርግጽ እዩ፡ ኣካላዊ ጸለመ ዝፈጥሩ ወለዲ ጥራይ ኣይኰኑን። መዛኑኦም፡ መራኸቢ ብዙሃንን፡ ከም ኣሻንጉሊት ዝኣመሰሉ መጻወቲታት ከይተረፉ ጽልዋ ኣለዎም።

ምንጪ ስእሊ, Getty/Javier Hirschfeld
ፊልምን ቪድዮታት ሙዚቃን ምርኣይ ንኣዋልድ፡ ዝያዳ ኣብ መልክዐን ከተኲራ ክገብረን ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ይሕብሩ።
ኣዕሩኽ ብዛዕባ ክብደትን መልክዕን ዝዛረብዎ እውን ነቲ ጽልዋ ክዕቢ ይኽእል እዩ።
ገለ ፍታሕ እንተዘይረኺቦም ድማ፡ እዞም ጽልዋታት እዚኣቶም ነንሕድሕዶም ክደጋገፉ ይኽእሉ እዮም።
ሓደጋ 'ምልዕዓል ቅጥኒ'
ዓይነት ማሕበራዊ መራኸቢታትን ንጥፈትን እውን ጽልዋ ኣለዎም። ኢንስታግራምን ስናፕቻትን ካብ ፌስቡክ ንላዕሊ ምስ ምስሊ ኣካላት ዝያዳ ኣሉታዊ ምትእስሳር ከምዘለዎም ኣብ 2022 ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይገልጽ።
'ሰልፊ' ስእሊ፣ ምትዕርራይ ኣሳእል ዝያዳ ጐዳኢ ይኸውን ከም ዘሎ እቲ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ’ዩ።
ምቕጣን፡ ኣመጋግባን ብቕዓት ኣካልን ዘተባብዑ ትሕዝቶታት፡ መንእሰያት ምስ ካልኦት ኣሉታዊ ርእሰ-ምንጽጻር ከካይዱ ስለዝደፋፍኦም ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣለዎም።
ምንቅስቓስ ኣካላት ዘተባብዑ ትሕዝቶታት ምርኣይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ምውስዋስ ኣካላት ይውስኽ እዩ። ጐድኒ ጐድኒ'ውን ብዛዕባ ምቕጣን ዘሎ ኣተሓሳስባ ክጸሉ ከምዝኽእል ኣብ 2019 ዝተገብረ መጽናዕቲ ይሕብር።
ብፍላይ ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ደቂ ኣንስትዮ ዓቢ ለውጢ እንተዘይርእየን ተስፋ ክቘርጻን ብኣካላተን ዘይዕግበት ክስምዐንን ይኽእል።
ኣብ ግዜ ንእስነት ዝረአ ኣሉታዊ ምስሊ ኣካላት'ውን ክሳብ ግርዝውና ክቕጽል ተኽእሎ ኣሎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዓበይቲ ሰባት ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ 93 ሚእታዊ ካብቶም ብኣጋኡ ዘይዕግበት ኣካላት ዘማዕበሉ ሰባት፡ ኣብ ግዜ ግርዝውና እቲ ስምዒት ከም ዝገደደ ገሊጾም።
ንርእስና ንህቦ ዋጋ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ኣካላዊ ርእሰ-ኣረኣእያና ዝተኣሳሰር ስለዝዀነ ኣሉታዊ ምስሊ ኣካላት ንርእስና ትሑት ዋጋ ክንህብ ክገብረና ይኽእል።
እዚ ብፍላይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ይረአ። ኣሉታዊ ምስሊ ኣካላት ዘማዕበላ ኣዋልድ፡ ጸገማትን ጭንቀትን ኣመጋግባ ክህልወን ከምዝኽእል ምግማት ይከኣል።
ኣዋልድ ዝያዳ ዝተቓልዓ ድየን?
ኣዋልድ መብዛሕትኡ ግዜ ብስክፍታታት ምስሊ ኣካላት ዝያዳ ዝጽለዋ ይመስላ።
እዚ ብኸፊል ብዛዕባ ኣዋልድ ዝያዳ መጽናዕቲ ስለዘሎን ኣካል ጓለንስተይቲ ምስ ጾታዊ ርክብ ክተኣሳሰር ስለዝተገበረ ክኸውን ይኽእል።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየዱ መጽናዕቲታት፡ ዋላ'ኳ ድልየቶም ቅሩብ ዝተፈልየ እንተዀነ፡ ኣብ ኣወዳት’ውን ተመሳሳሊ ደረጃ ዘይዕግበት ከምዘሎ ይሕብሩ። ንኣብነት፡ ተሪር ጭዋዳ ንኽህልዎም ዝያዳ ትዅረት ክገብሩ ይኽእሉ።
ኵሉ ሰብ ዘይዕግበት ኣካላት ከጋጥሞ ከምዝኽእል ስቴፋኒ ዳሚያኖ ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty/Javier Hirschfeld
ብሓፈሻ፡ ካብ ኣወዳት ንላዕሊ ኣብ ኣዋልድ ዝያዳ ጽልዋታት ይረኣዩ። ይኵን እምበር፡ ኣወዳት ነቶም ጽልዋታት ዝተቓልዑ ኣይኮኑን ማለት ኣይኮነን።
እቲ ጽልዋ ኣብ ኣዋልድ ዝሓየለሉ ምኽንያት፡ ካብ ንእስነቶም ጀሚሩ፡ ኣዋልድን ኣወዳትን ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ርክብ ስለዘለዎም ክኸውን ይኽእል።
ኣዋልድ መብዛሕትኡ ግዜ ማሕበራዊ ክብረን ክሳብ ክንደይ ሰሓብቲ ኣብ ምዃነን ከም ዝምርኮስ ይንገረን እዩ፡ ትብል ሮጀርስ።
ኣዋልድ፡ "ኣካላተን ንኽረአ ከምዝተፈጠረ፡ ጥንቍቓት፡ ተኣዘዝቲን ብዙሕ ቦታ ዘይወስዳን ክዀና ከም ዘለወን" ክንገረን ከሎ "ኣወዳት፡ ኣካላቶም ንጡፍን ሓያላት ምዃኖም ይርድኡ። እዚ ድማ ኣዝዩ ዝተፈልየ መልእኽቲ'ዩ።"
ስድራቤታዊ ደገፍ ለውጢ የምጽእ'ዩ
ወለዲ ነዞም ጽልዋታት ንምምካት ከምኡ’ውን ዝያዳ ኣወንታውን ሓይሊ ዝህብን ምስሊ ኣካላትን ንምሕብሓብ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ?
"ወለዲ ወይ መምህራን ዋላ'ውን ኣወንታዊ እንተዀነ ብዛዕባ ምስሊ ኣካላት ርእይቶ ከይህቡ ነተባባዕ" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ላ ትሮብ መምህር ስነ-ልቦና ዝዀነትን ኣብ ዘይዕግበት ኣካላት ዝነጥፍ ፍሉይ ሞያ ዘለዋን ስያን ማክሊን።
ወለዲ ብዛዕባ ክብደት ሰብነት ካብ ምዝራብ ወይ ህጻናት ጥዕና ዘለዎ መግቢ ንኽበልዑ ብቐጻሊ ካብ ምሕባር ክቝጠቡ ትመክር - ዳሚያኖ።
"ርጉዲ ሰብነት ጸገም ኣብ ምዃኑ፡ ወይ ገለ መግብታት 'ሕማቕ' ኣብ ምዃኑ ዝያዳ እንተ ኣተኵርና፡ ህጻናት ዝያዳ በደል፡ ሕፍረትን ዘይዕግበት ኣካላትን ክስምዖም ተኽእሎ ኣሎ።"
ወለዲ፡ ንደቆም ከመይ ክብደት ሰብነት ከምዝቕንሱ ዘይኰነስ ምንቅስቓስ ኣካላት ንሓፈሻዊ ጥዕናን ጽቡቕ ሂወትን ኣገዳሲ ምዃኑ ክነግርዎም ይኽእሉ።
ስድራቤታት፡ ዝዀኑ መግብታት ሕማቕ ምዃኖም ብግልጺ ካብ ምዝራብ፡ ጥዕና ዘለዎ ስርዓት ኣመጋግባ ንቡር ክኸውን ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት ህጻናት፡ ጥዕና ዘለዎ መግቢ ዘርእዩ ናይ ምብሳል መደባት ቲቪ ክርእዩ ምግባር፡ ብዝረቐቐ መንገዲ ከተባብዖም ይኽእል።
ስድራቤታዊ ርክብ’ውን ኣወንታዊ ተራ ክጻወት ይኽእል። ኣብ መንጐ ኣደታትን ደቀንን ዝህሉ ጽቡቕ ርክብ፡ ነቲ ጽልዋ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክቕንሶ ይኽእል።
ህጻናት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘሕልፍዎ ግዜ ምድራት’ውን "ውድድር መልክዕ" ክቐንስን ጥዕና ኣእምሮ ክመሓየሽን ክገብር ከምዝኽእል መጽናዕትታት የመልክቱ።
ብርግጽ፡ ኵሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሕማቕ ኣይኰነን፤ ፍልፍል ማሕበረሰብን ምትብባዕን'ውን ክኸውን ይኽእል’ዩ።
ወለዲ ምስ ኣብያተ ትምህርቲ ምትሕብባር ጠቓሚ ኰይኑ ክረኽብዎ ይኽእሉ እዮም።
ኣብ ምህናጽ ርእሰ-ምትእምማን ዘተኰሩ መደባት እውን፡ ወለዲ ኣብ ዙርያ ክብደትን ኣካላትን ዘለዎም ናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳባት ንኽምርምሩ፡ ከምኡ’ውን ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐን ጐዳኢን እምነታት ንኽድርብዩ ክሕግዞም ይኽእል።
ኣብ ገዛና ድማ ኣክንዲ መልክዕ ሓደ ቈልዓ ምውዳስ፡ ብዛዕባኡ ካልእ እንፈትዎን ንሱ ክፈልጦ ንደልዮን ነገር ንሕሰብ።
"ቀምሽኪ ኣዝየ ፈትየዮ” ኣብ ክንዲ ምባል ፍሽኽ ኢልና ስለዝረኸብናዮም ወይ ብሓባር ግዜ ስለዘሕለፍና ከምዝተሓጐስና እንተነገርናዮም ዝሓሸ ይኸውን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







