ንናይ ሌዲ ጋጋ ሓላዊ ከልቢ ብጥይት ዘቑሰለ ሰብ 21 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ

ጋጋ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ምርኢታት ብኣኽላባታ ተዓጂባ እያ ትኸይድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጋጋ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ምርኢታት ብኣኽላባታ ተዓጂባ እያ ትኸይድ

ናይ ውርይቲ ሰነጥበባዊት ሌዲ ጋጋ ኣኽላባት ኣብ ዝተሰረቁሉ እዋን፡ ነቲ ሓላዊ ከልቢ ብጥይት ዘቑሰለ ሰብ ን21 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ።

ጀምስ ሃዋርድ ጃክሰን፡ ንዝቐረበሉ ክሲ ፈተነ ቅትለት ከምዘይቃወም ምግላጹ፡ ምስ ብስምምዕ ዝግበር ምእማን ገበን ዝመሳሰል’ዩ።

ራያን ፊሸር ኣብ ወርሒ ለካቲት 2021 ኣብ ሆሊዉድ ነቶም ሰለስተ ኣኽላባት ሌዲ ጋጋ እናዘወረ እንከሎ፡ ጃክሰን ኣብ ኣፍልቡ ብጥይት ከምዝሃረሞ እቲ ቤት ፍርዲ ሰሚዑ።

ፊሸር ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ሕክምና ረኺቡ ዝሓወየ’ኳ እንተኾነ ገለ ክፋል ሳንቡኡ ግን ከምዝተኣለየ ይገልጽ።

ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ዝተኻየደ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ተረኺቡ፡ እቲ ተኹሲ ንህይወቱ ንሓዋሩ ከምዝቐየሮ ምግላጹ ሲቢኤስ ኒውስ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ፡ ነቲ መጥቃዕቲ "ዓሻ ጎነጻዊ ተግባር" ኢሉዎ።

ገበናቱ ብምእማኑ፡ ዝቐረብሉ ካልኦት ክሲታት ተሰሪዞምሉ ኣለዉ።

ጃክሰንን ሓደ ካብቶም ካልኦት ኣርባዕተ ተሓባበርቱን ነቲ ተኹሲ ስዒቡ ኮጂን ጉስታቭን ዝተበሃሉ ክልተ ካብቶም ኣኽላባት ምጭዋዮም ይግለጽ።

እታ ሚስ ኤስያ ዝስማ ከልቢ ግን ድሕሪ ምህዳማ ብፖሊስ ከምዝተረኸበት ይዝከር።

ኣብቲ እዋን፡ ፖሊስ፡ እቶም ኣኽላባት ብሰንኪ መንነት ዋናኦም ዘይኮነስ ብሰንኪ ዓሌቶም ዒላማ ዝተገበሩ ከምዝመሰሎ ገሊጹ።

ሚስ ኤስያ ዝስማ ከልቢ ጋጋ ብፖሊስ ከይተጎድአት ተረኺባ

ምንጪ ስእሊ, LADY GAGA / INSTAGRAM

መግለጺ ስእሊ, ሚስ ኤስያ ዝስማ ከልቢ ጋጋ ብፖሊስ ከይተጎድአት ተረኺባ

ሌዲ ጋጋ ነቶም ዝተሰርቑ ኣኽላባት ንዘምጽአላ ሰብ 500,000 ዶላር ሽልማት ከምትሕብ ድሕሪ ምግላጸ እቶም ክልተ ዝተሰርቁ ኣኽላባት ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ከይተጎድኡ ተመሊሶም እዮም።

ሃሮልድ ዋይት ዝተበሃለ ኣብቲ ገበን ዝተሓባበረ ወልቀሰብ፡ ነቲ ገበነኛታት ነበር ብረት ከይሕዙ ዝኽልክል ሕጊ ብምጥሓስ ገበን ከምዝፈጸመ ትማሊ ሰኑይ ተኣሚኑ። ኣብ ዝመጽእ ዓመት ድማ ክፍረድ እዩ።

ወዲ ሃሮልድ ዋይት፡ ጄይሊን ኪሻውን ዋይትን ላፋይት ሾን ዌሊን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብካልኣይ ደረጃ ምዝማት ገበኖም ከምዝተኣመኑን ብቕደም ተኸተል ንኣርባዕተ ዓመትን ሽዱሽተ ዓመትን ማእሰርቲ ከምዝተፈርዱን ይፍለጥ።

እታ ነቶም ኣኽላባት ዝመለሰት ጀኒፈር ማክብራይድ፡ ድሒራ ተሓጋጋዚት ፈተነ ቅትለት ብምዃን ከምዝተኸሰሰትን ጉዳያ ኣብ ምጽራይ ከምዘሎን ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ እቲ ዞባ ሓቢሩ።

መስርሕ ፍርዲ ጃክሰን ዝደንጎየሉ ምኽንያት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብጌጋ ተፈቲሑ ብምንባሩ እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ዳግማይ ተኣሲሩ።