ስምይቲ ደራፊትን ተዋሳኢትን 80ታት ኢሪን ካራ ‘ብዘይተፈልጠ’ ሞይታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓንቲ ካብ ትእምርቲ ሰማንያታት ተባሂላ እትግለጽ ስምይቲ ኣሜሪካዊት ደራፊትን ተዋሳኢትን ኢሪን ካራ ኣብ 63 ዓመታ ዓሪፋ።
ንሳ ኣብ 1980 ‘Fame’ ኣብ ዘርእስቱ ፊልም ብዝተጸወተቶ ሙዚቃን፡ ኣብታ ከም ሓጋዚት ጸሓፊት ኰይና ዝተዋስኣትላን ዝደረፈታን፡ ሽልማታት ኦስካርን ግራሚን ዝተሸለመትላ ‘Flashdance... What a Feeling’ ዘርእስታ ደርፊ ዝያዳ እትፍለጥ ስነ ጥበባዊት እያ።
ሞት ካራ ብወግዒ ዝነገረት ኣወዓዋዒታ [ፓብሊሲስት]፡ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኣ “ንግዚኡ ብዘይተፈልጠ” ምኽንያት ሞይታ ኢላ።
ኢሪን ካራ፡ ብ 1959 ኣብ ብሮንክስ ኒውዮርክ ዝተወልደት ኰይና፡ ካብ ተወላዲ ፑርቶ-ሪኮ ዝዀነ ኣቦን ኩባዊት ኣደን ዝተወልደት መበል ሓምሸይቲ ንስድራኣ እያ። ንፈለማ ግዜ ኸኣ ኣብ ሓደ ብቋንቋ ስጳኛ መደባቱ ዝፍኑ መደበር ተለቪዥን እያ ስራሕ ጀሚራ።
ንእስቲ ኰይና ብርክት ዝበሉ ደርፍታት ብቋንቋታት ስጳኛን እንግሊዝኛን ዝደረፈት ኢሪን፡ ኣብ ሓያለ ‘ብሮድወይ’ ሙዚቃዊ ምርኢታት ክትርአ ጀሚራ።
እንተዀነ ካራ ኣብ 1980 ተራ ገጸባህሪ ‘ኮኮ ሄርናንደዝ’ ለቢሳ ድሕሪ ምውስኣን ትራክ 'ፈይም' ፊልም ምስ ተጻወተትን እያ ዝና ዘረኸበት።
ብዘርኣየቶ ብቕዓት ተዋስኦ ድማ፡ ኣብ 1981 ንብልጽቲ ተዋሳኢት ሽልማት ጐልደን ግሎብ ተሓጽያ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብድሕሪ’ዚ ካራ፡ ‘ፍላሽዳንስ... ዋት ኤ ፊሊን፡’ እትብል ካብታ ኣብ 1983 ዝተሰርሐት ብልጽቲ ፊልም 'ፍላሽዳንስ' ዝተወስደት ደርፊ ብሓባር ጽሒፋን ደሪፋን፤ ንብልጽቲ ጓል ኣንስተይቲ ፖፕ ድምጻዊት ዝወሃብ ሽልማት ግራሚ፡ ከምኡ’ውን ንብሉጽ መበቈላዊ ደርፊ ዝወሃብ ሽልማት ኣካዳሚን ተዓዊታ።
ፍላሽዳንስ ኣብ 1983 ሳልሰይቲ ዝለዓለ ኣታዊ ዝረኸበት ፊልም እያ።
ጁዲት ኤ ሙስ ዝተባህለት መወዓውዒት ካራ፡ "ብሙዚቃኣን ፊልምታታን ንዘልኣለም ዝነብር ሓድጊ ዝገደፈት በዓልቲ ጽቡቕ መንፈስ" ክትብል ናእዳኣ ገሊጻ።
ብተወሳኺ፡ ካራ ክሳብ ዝሞተትሉ እዋን ንዝመጽእ ፕሮጀክትታታ ትሰርሕ ከም ዝነበረት ጠቒሳ፣ ሕጂ ግን ንሳን ኣካያዲ ስራሕ እታ ደራፊትን ኰይኖም ነቲ ዝጀመረቶ ስርሓት ክፍጽምዎ መደብ ከምዘለዎምን ኣብ ገጽ ትዊተር ገሊጻ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







