ዓለም ዘጣቕዓላ፡ ሆሊውድ ዘግለላ ኰኾብ ጀኒፈር ሎፐዝ

ሎፐዝ

ምንጪ ስእሊ, Netflix

ኵሉ ትኽእሎ፤ ብቕዓት ጥበባ ንብዙሓት፡ "ስሉሳዊ ስግኣት" እዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይከውንን።

ምኽንያቱ፡ ጀኒፈር ሎፐዝ ኣብ ኢንዳስትሪ ምዝንጋዕ ኣለው ዝበሃሉ ኵሎም ክእለታት ብሓደ ዝወነነት ስለ ዝዀነት።

ተዋሳኢት፡ ደራፊትን ሳዕሳዒትን ሎፐዝ ዝያዳ እትፍለጠላ ንጽል ደርፊ 20 ዓመት ገይራ ኣላ።

እታ፡ ‘Jenny from the Block’ ዝተሰምየት ደርፊ መስከረም 2002 እያ ተፈንያ።

እዚ ክሳዕ ሕጂ ንእዝኒ ሰማዕቲ ዘደስት ሙዚቃ፡ ኣብ ዩትዩብ 162 ሚልዮን ሰባት ክርእዩዎ እንከለው፡ እቲ ብዝሒ ሕጂ'ውን ይውስኽ ኣሎ።

እዚኣ፡ ሓንቲ ካብ ህቡባት ደርፍታት ሎፐዝ ኰይና፡ ንሳ’ውን ከም ስነ ጥበበኛ እትፍለጠላን፡ ሕላገታ ክትከውን ብጥንቃቐ ዝተሰርሐትን ደርፊ እያ።

ሎፐዝ ክልተኡ ሸነኽ ህይወት እተርኢ መስትያት እያ።

ዕውትቲ ኰኾብ ኢንዳስትሪ ፊልምን ሙዚቃን ኰይና እናሃለወት፡ እቲ ክብ ለጠቕ ዝበዝሖ ህይወታ ኸኣ፡ ስቕ ኢላ ምንም ነገር ብዛዕባ ዘይብላ ጓለንስተይቲ የዘኻኽረና።

ደራሲ ኣንድሬ ዲዮ ኣብ ሳልሳይ ኣልበማ ዘላ ‘This is Me… Then’ እጥብል ደርፊ፡ ሎፐዝ ኣብ 2002 ምስ ኦፕራ ዊንፍረይ ንዘካየደቶ ቃለመጠይቕ መበገሲ ገይሩ እዩ ሰሪሑዋ።

“መጀመርታ ጄኒ ካብ ብሮንክስ’ዩ ዝብል ነይሩ፤ ደሓር ግን ተቐይሩ። ከም J-Lo [መጸውዒ ካልኣይ ኣልበማ ገይራ ዝተጠቐመቶ] ዝብል ሳጓ’ውን ክህባ ደልየ ነይረ። ግን፡ ጄኒ ክትበሃል’ዶ ትመርጽ ትኸውን?” ክብል ዴዮ ንቢቢሲ ካልቸር ተዛሪቡ።

እዚኣ፡ ኣብቲ ዓመት ብብዝሒ ካብ ዝተዘረበለን ደርፍታትን ኣብ ኣሜሪካ ን16 ሰሙናት ኣብ ሰደቓ ቢልቦርድ ዝጸንሐትን ፍሉጥቲ ደርፊ እዩ።

እዛ ደርፊ፡ ካብ ካልኦት ዓበይቲ ሙዚቃታት ፖፕ [pop songs] ዝፈልያ ዝነበረ ድማ፡ ርእሰ ታሪኽ 'ታ ደርፊ፡ ካብ ፑርቶ-ሪኮ ዝጀመረ ስደት ሎፐዝ ክሳብ ኣብ ኒውዮርክ ቍሸት ብሮንክስ ዝዓበየት ደራፊት - ኣብታ ደርፊ 29 ግዜ ዘልዕል ምዃኑ'ዩ።

“ሰባት፡ ልክዕ ከምቲ ንሰባት ምሕጋዝ ዝፈትው ንቦታታት ምሕጋዝ’ውን ይፈትው’ዮም። ስለዚ፡ ኣብ መንጐ ጀኒፈርን ብሮንክስን ዓቢይ ምትእስሳር ክህሉ ይኽእል’ዩ ዝብል ተሰሚዑኒ’ዩ፤ ብሮንክስ ማእከል ሂፕሆፕ ስለ ዝዀነት ማለት'ዩ” ብምባል ዴዮ ነቲ ደርፊ ጆኦግራፊያዊ ርእየት ይህቦ።

እቲ ሕጡበ-ግጥሚ ድማ፡ ሎፐዝ ከም ሓንቲ ናይ መድረኽ ሰብ ምስቲ ኣብ እዋን ቍልዕነታ ዝነበረ ውርሻኣ ዝገልጽ ምትእስሳር ክህሉ ዝገበረ’ዩ።

ሎፐዝ፡ ኣብቲ ሕጂ ዕንቚ ዓለም እትበሃለሉ ደረጃ ክትበጽሕ ዝመጽኣቶ ጕዕዞ ግን ኣዝዩ ነዊሕ’ዩ።

ናብ ኪነ ጥበብ ካብ እትኣቱ 30 ዓመታት ተቘጺሮም ኣለው።

80 ሚልዮን ቅድሓት ደርፍታት ሸይጣ፤ ሸሞንተ ኣልበም ሰሪሓን ኣብ ልዕሊ 40 ፊልምታት ተዋሲኣን እያ። ግን ክኣ፡ ኣብ ሆሊውድ ክንድ'ቲ ዝግበኣ ቦታ ኣይረኸበትን።

እዚ፡ ኣብቲ ኣብ ቀረባ ኔትፍሊክስ Halftime ዘዳለዎ ካብ 2019 ክሳብ 2020 ዝነበረ ጻዕቒ ዝበዝሖ ኵነታት ስርሓ ዝድህስስ ሰነዳዊ ምድላው፡ ብንጹር ይርአ።

ሎፐዝ፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ፊልም ሃስለርስ ከም ዝተዋስአት ከምኡ’ውን ኣብ መድረኽ Super Bowl halftime ንብዙሓት ዘስደመመ ምርኢት ሙዚቃ ከም ዘቕረብትን ይፍለጥ።

ይዅን’ምበር፡ ነዚ ክልቲኡ ዓበይቲ ዓወታት እናጸንበለት እናሃለወት፡ ሕጂ’ውን ኣብቲ ኢንዳስትሪ ዘይሰገረቶም ጸገማት ኣለው።

ንኣብነት፡ ብፊልም ሃስለር ኣብ ኦስካር ክትሕጸ ዝነበረ ትጽቢት ፈሺሉ'ዩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ መድረኽ Super Bowl halftime ሎፐዝ ፍጹም ዘይወሓጠላን ትጽቢት ዘይገበረቶን ውሳነ ገጢምዋ'ዩ።

ኣዳለውቲ እቲ መድረኽ፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ሓደ ስነ ጥበባዊ ጥራይ ዝቈጻጸሮን ስርሑ ዘቕርበሉን ዝነበረ መድረኽ፡ ሎሚ ምስ ሻኪራ ክትካፈሎ ገይሮም።

“ክልተ ሰባት ኣብ መድረኽ Super Bowl ክቐርባ ምግባር ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ውሳነ ነይሩ” ክትብል ተዛሪባ እያ።

ምርኢት Super Bowl ሎፐዝ 2020

ምንጪ ስእሊ, Alamy

መግለጺ ስእሊ, ምርኢት Super Bowl ሎፐዝ 2020
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብ ንእስነታ ኣትሒዙ፡ ሎፐዝ ዓበይቲ ግድላት እያ ኣሕሊፋ።

ናይ መድረኽ ሰብ ንምዃን ዝነበራ ሕልሚ ንምስኻዕ፡ ኣብ መወዳእታ ዓሰርታት ዕድመኣ፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርታ ክተቋርጾ ክትውስን እንከላ፡ ጠበቓ ክትከውን’ያ ዝብል ባህጊ ካብ ዝነበሮም ወለዳ ሓያል ብድሆ ከም ዝገጠማ ትዛረብ።

ኣብ መጀመርታ 1990ታት ክኣ፡ ናይ ተልሂት ስራሕ ጀሚራ። ካብኡ ንደሓር፡ ውሑዳት ስርሓት ተሌቪዥን ረኺባ።

ኣብ 1997 ግን፡ ኰኾብ ዝገብራ ዕድል መጺኡ፤ ሽዑ፡ ሴሌና ኣብ ዝብል ፊልም ኲንታኒላ-ፐሬዝ ኰይና እያ ተዋሲኣ።

ኲንታኒላ-ፐሬዝ፡ ሜክሲካዊት-ኣሜሪካዊት ደራፊት ኰይና፡ ኣብ ታሪኽ መላእ ላቲን ኣሜሪካ ዓባይ ኰኾብ ዝነበረት “ንግስቲ ሙዚቃ ቴሃኖ” ተባሂላ እትፍለጥ ደራፊት’ያ።

ሴሌና፡ ኣብ መበል 23 ዓመታ ብመሓዝኣ ዮልዳና ሳልቫዶር ተቐቲላ።

ብ1995፡ ኣብቲ ግዜ ኣመሓዳሪ ቴክሳስ ዝነበረ ጆርጅ ደብሊው ቡሽ፡ 16 ሚያዝያ ኣብ ቴክሳስ መዓልቲ ሴሌና ተባሂሉ ክዝከር ገይሩ ነይሩ።

ሎፐዝ ኣብቲ ፊልምኲንታኒላ-ፐሬዝ ኰይና ምስ ተዋስአት፡ ሰፊሕ ናእዳ ረኺባትሉ፤ ኤልኤ ታይምስ ነቲ ስራሕ “ብርሃን ዝህብ” ክብል ገሊጽዎ።

ሎፐዝ፡ ንሓደ ፊልም ሓደ ሚልዮን ዶላር ዝረኸበት ፈላመይቲ ላቲን እያ እትብል ኣቕራቢት ቢቢሲ ራድዮ-4 ኢለን ጆነስ፡ ሴሌና ሓደ ካብቶም ንሞያ ሎፐዝ ዝገርሑ ስራሕቲ’ዩ ትብል።

“ሓቀኛ ልዕለ-ሓይሊ ጄኒፈር፡ ሜጋዋት ዓቕሚ’ዩ ዘለዎ። ንዕኡ’ዩ፡ ኣብ ስክሪን ክትርእያ እንከለኻ ዓይንኻ ካብኣ ኣይትኣልን። ኣብቲ ፊልም ዝነበራ እንዶ ክኣ፡ ንሓንቲ ተፈታዊት ዕንቚ ላቲኖ ለቢሳ ስለ ዝሰርሐት፡ ንሳ’ውን ዕንቊ ከም እትኸውን እያ ኣርእያ። ብተወሳኺ ላቲናዊ መንነታ’ውን ኣርእዩ’ዩ፤ በዚ ኣብ ኣሜሪካን ዓለምን ዘለው ተመልከትቲ ክተሰንፍ ክኢላ።”

ሓደ ካብቶም ኣብ ሂዩስተን ኣስታት 35 ሽሕ ዕዱማት ኣብ ዝነበርሉ ሎፐዝ ኲንታኒላ-ፐሬዝ ኰይና እትዋስኣሎም ክፍልታት ዝቐረጸ ዳይሬክተር ሴሌና ግሪጎሪ ናቫ፡ እታ ፊልም፡ “ሞያ ሙዚቃ ኣሎኒ’ዩ ዝብል ሓሳብ ፈጢራትላ’ያ፤ ምኽንያቱ፡ ቅድሚኡ ሓሲባትሉ ኣይትፈልጥን፡” ይብል።

ብተወሳኺ፡ ዋላ’ውን ዝወሰደቶ ሽልማት እንተዘይሃለወ፡ ሽም ሎፐዝ ንፈለማ እዋን ኣብ ሽልማታት ኣካዳሚ ተረቚሑ’ዩ።

ዝዀነ ኰይኑ፡ እቲ ዕውትነት ዝተፈላለዩ ክእለታት ዘርኣየትሉ መድረኽ ተጀሚሩ፤ ኣብ ወርሒ ሰነ 1999 ድማ፡ ‘On the 6’ ዝሰመየቶ ኣልበም ፈንያ።

ካብዚ እቲ፡ ‘If You Had My Love’ ዝብል ንጽል ዜማ ኣብ ኣሜሪካ ቝጽሪ ሓደ ሙዚቃ ኰይኑ።

ሎፔዝ ኣብ ፊልም ሃስለርስ

ምንጪ ስእሊ, Alamy

ሽፋን እቲ ኣልበም፡ ሎፐዝ ነዊሕ እጅገ ዘለዎ ሓጺር ማልያን ኩስቱሞን ተኸዲና፡ ጸጕራ ወንጨርጨር ኢሉ ኣብ ሳሎን ኰፍ ኢላ ዘርኢ ስእሊ ነይርዎ።

እዚ ሸነኽ ስብእናኣ ድማ፡ ኣብ ኣእምሮ ህዝቢ ተቐሪጹ ተሪፉ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ንመድረኽ ሽልማት ግራሚ 2000 ክትመጽእ እንከላ ስእሊ ተኽሊ ዘለዎ ነዊሕን ቅልዕልዕ ዝበለን ቀምሽ ተኸዲና መጺኣ።

ኣብቲ ግዜ ዝተወስደ ስእሊ 20 ዓመት ኰይንዎ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ፡ ብብዝሒ ዝተራእየ ስእሊ ቀይሕ ምንጻፍ እዩ።

ድሕሪ ክልተ ዓመት [2001]፡ ‘J-Lo’ ዝሰመየቶ ካልኣይ ኣልበም ሰሪሓ፤ በዚ፡ ክሳብ ሕጂ ቍጽሪ ሓደ ኣልበምን ቍጽሪ ሓደ ፊልምን [The Wedding Planner] ዘለዋ እንኮ ጓለንስተይቲ ስነ ጥበባዊት ኰይና።

ኣብ ፊልም እንተዀነ’ውን፡ ሎፐዝ ኰኾብ ዝገብራ ዝተፈለየ ክእለት ከም ዘለዋ ይእመን።

ድሕሪ’ቲ፡ ብ35 ሚልዮን ባጀት ተሰሪሑ ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላር መኽሰብ ዘምጽአ ፊልም ‘The Wedding Planner’፡ ጀኒፈር ድሕሪ 20 ዓመት ክኣ ፖለቲከኛ ራልፍ ፊነስን ካብ ብሮንክስ ዝመጽአት ወዳ ንብሕታ እተዕቢ ሰራሕተኛ ሆቴልን ዝራኸብሉ ኣጋጣሚ ዘርኢ ‘Maid In Manhattan’ ዝተባህለ ፊልም ሰሪሓ ብቕዓታ ኣመስኪራ።

ህቡብነታ እናዓበየ ክመጽእ እንከሎ፡ “እቲ ኣመና ዝገርም፡ ኣብ ባህላ ዓቢይ ሓበን ዘለዋ ምዃና’ዩ፤ ብዝዀነ ኣጋጣሚ ንዕኡ ክትዋገየሉ ወይ ባህላን ሓረግ ውርሻኣን ንስለ ተፈታውነት ኢላ ናብ ናይ ጸዓዱ ክቕየር ኣይገበረትን” ትብል ኣብ ጉዳያት ባህሊ ርእይቶ እትህብ ኢሳቤል ጎንዛለዝ።

ወሲኻ፡ “እኳ ደኣ፡ ኵላትና ከም ጄ.ሎ ብእንኽደነሉ መገዲ፡ ባህሊ ድንድል ክኸውን ገይራ እያ። ኣነ ከም ዝመስለኒ፡ ብባህላዊ ነጸብራቕ መልክዓ፡ ድምጻን ታሪኻን ባህሊ ላቲንን ብዙሓት መስሕብ ንኽህልዎ ኣፍደገ ኣርሕያ እያ” ኢላ።

ብተወሳኺ፡ ሎፐዝ ኣብ 2001 ናይ ባዕላ ኩባንያ ብምኽፋት፡ ሆሊውድ ብዙሕ ዘይሓቝፎም ደቂ ላቲን ዝተኣናገዱሉ ዕድል ከም ዝፈጠረት ትገልጽ።

ብ2003፡ ‘Gigli’ ኣብ ዝብል ገበናዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ፍቕራዊ ፊልም ተዋሲኣ። ኣብዛ ፊልም፡ ዋላ ሓደ እወንታዊ ነገር ክትረክብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ።

እታ ፊልም ቅድሚ ምውጽኣ ክኣ፡ ንሳን ቤን ኣፍሌክን ሕጸ ከም ዝገበሩ ኣዊጆም፤ ግን ክኣ ድሕሪ ሓደ ዓመት ተፈላልዮም።

ይዅን’ምበር፡ ዋላ’ውን እታ ፊልም ደረጃታት ቦክስ ኦፊስ ዝቈጻጸራ እንተነበረ፡ ሚድያታት ብዛዕባ ሎፐዝ ጽቡቕ ነገር ምዝራብ ዳርጋ ዝጸንቀቓሉ እዋን እዩ ነይሩ።

ሽዑ፡ ብዙሓት ዛንታ ፍሉጣት ሰባት ዝሓትሙ መጽሄታትን ጋዜጣታትን ይድህሉዋን ይሓምዩዋን’ዮም ነይሮም።

ቺካጎ-ሰን ታይምስ፡ ሕጂ “ዝዀነ ሰብ ብእትሰርሖ ነገራት ኣብ ዘይዓግበሉ ግዜ’ያ ትርከብ” ክብል ጽሒፉ ነይሩ።

ንሳ ግን፡ ጐድኒ ጐድኒ ፊልምን ሙዚቃን ክኣ፡ መሸጢ ክዳውንትን ጨናታትን ከምኡ’ውን ቤት ብልዒ ከፊታ ጕዕዞ ህይወታ ትቕጽል ነይራ።

እንተዀነ፡ ብሰንኪ እቲ ብዛዕባኣ ዝዝረብ ነገራት ኣብ ጭንቂ ጥሒላ ከም ዝነበረት ኣብ መጀመርታ 2000 ተዛሪባ ነይራ።

“ንፍዕቲ ኣይኰነትን ክብሉ እንከለው ኣሚነዮም ነይረ። ኣነ ኣብዚ ኣይምጥንን፤ ስለ ምንታይ’የ ዘይእለ? እብል። ማለት ኣብ ውሽጢ ሓደ ምዕሩይ ዘይኰነ ወጽዓ ዝበዝሖ ርክብ ዘለኹ ኰይኑ ይስምዓኒ ነይሩ . . . ብዙሕ ግዜ ‘ከቋርጽ ኣለኒ’ ዝብል ስምዒት ይስምዓኒ ነይሩ” ክትብል ኣብቲ ኣብ ነትፍሊክስ ዝተፈነወ ሃፍ ታይም ተዛሪባ።

ኣብ 2021፡ ዳግም ምስ ሎፔዝ ርክብ ዝጀመረ ኣፍሌክ ኣብ ቀረባ ኣብ ዝተፈነወ ሓደ ፖድካስት፡ እቶም ኣንጻራ ዝዝረቡ ነገራት “ጾታዊ” ከምኡ’ውን “ዓሌታዊ” እዮም ክብል ተዛሪቡ።

እቶም ኣብ ቅድም ኢሎም ብዛዕብኣ ዝጽሓፉ ዝነበሩ ነገራት “ሕጂ ከምኡ ገይርካ እንተጽሒፍካ፡ በቲ ዝበልካዮ ነገራት ትስጐግ ኢኻ” ኢሉ።

ሎፐዝ፡ ኣብ 2007 ብቛንቋ ስጳኛ ዝሰርሓቶ ኣልበም ክተውጽእ እንከላ፡ ብ2011 ድማ ዳኛ ኣሜሪካን ኣይዶል ኰይና ነይራ።

ሎፔዝ

ምንጪ ስእሊ, Alamy

መረርቲ ዓወታት

ብ2019፡ ፊልም ሃስለርስ ምስ ወጽአት፡ ሎፐዝ ዳግም ዓለም ኣለዓዒላ።

እዚ፡ ሓቀኛ-ድራማ ገበን ብሎፔዝ ዝተዳለወ ኰይኑ፡ ኣብቲ ፊልም ሮማና ዝተባህለት ገጸ ባህሪ ወኪላ ትዋሳእ።

ብ2019-2020 ኣብ ዝነበሩ መድረኻት ሽልማት፡ ሎፐዝ ኣብ ህይወታ ንፈለማ እዋን ዓበይቲ ሽልማታት ክትወስድ እያ ዝብል ዓቢይ ግምት ተዋሂቡዋ ነይሩ።

ንሽልማት ኦስካር ክትሕጸ እያ ተባሂሉ፤ በዚ ብዙሓት ግምታ ሓፍ ክብል ስለ ዝገበርዎ ልዑል ተስፋ ገበረት።

ግን፡ ሕጂ’ውን ኣይሰመረን። ኣክንዳኡ፡ ሕጹያት ሽልማት ኦስካር ካልኦት ተዋሳእቲ ምዃኖም ተነጊሩ።

ኵለን ጸዓዱ ነይረን።

ብኻልእ ወገን፡ ሎፐዝ ንመድረኽ Super Bowl 2020 ትገብሮ ኣብ ዝነበረት ሰፊሕ ምድላው ኣብ መወዳእታ ሰዓት ምስ ኮሎምቢያዊት ሻኪራ እቲ መድረኽ ክካፈላኦ ምዃነን ክንገራ እንከሎ፡ ስምዒታ ክስበር ኣብቲ ኣብ ኔትፍሊክስ ዝቐረበ ሰነዳዊ ምድላው ይርአ።

ሎፐዝ በዚ ኣይተሓጐሰትን።

እቲ ምኽንያት ሻኪራ ዘይኰነት፡ እቲ ዘሕልፎ መልእኽቲ ብባዕላ “እኽልቲ ኣይኰነትን” ዝብል እዩ፡ ዝብል እምነት ስለ ዝነበራ እዩ።

ኣብቲ ሰነዳዊ ምድላው፡ እተን ሚልዮናት ዝኽፈለን ስነ ጥበባውያን 12 ደቒቕ ጥራይ ክወሃባ እንከለዋ ከም ዘይተሓጐሰት ይርአ።

“20 ደቒቕ’ዩ ክወሃበኒ ዝግባኦ” ክትብል ትካታዕ።

ማናጀር ሎፐዝ ቤኒ መዲና ድማ፡ “ኣብ ታሪኽ ሓደ ሰብ ጥራይ ኣብ ዝቐርበሉ ዝነበረ መድረኽ፡ እቲ ስራሕ ብኽልቲአን ላቲን ክስራሕ ኣለዎ ማለት ጸርፊ’ዩ” ይብል።

ጐንዛለዝ ዊተከር፡ ሕርቃን ሎፐዝ “1000 ሚእታዊት ምኽኑይ’ዩ” ትብል።

“ብዓቢኡ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ሰፊሕ ዓሌት ላቲን እንተርኢኻ፡ እቲ ሕብረተሰብና ሕጂ’ውን እኹል ኣፍልጦ ኣይተዋህቦን። ከም ሙዚቀኛ ጥራይ ዘይኰነ ከም ተዋሳኢትን ሳዕሳዒትን ከምኡ’ውን ኣዳላዊት ዘመዝገበቶ ዓወት ቀሊል ኣይኰነን። ንሳ መን ምዃናን እንታይ ክትከውን ከም እትኽእልን ግልጺ መልእኽቲ እዩ ዘሕልፍ” ትብል።

ዝዀነ ኰይኑ፡ ሎፐዝ እቲ መድረኽ ተጠቒማትሉ’ያ።

ብልጽቲ ተዋሳኢት፡ ሳዕሳዒትን ደራፊትን ከም ዝዀነት ዳግም ኣርእያ። እቲ መድረኽ ድማ፡ ክሳብ ሕጂ እቲ ብብዝሒ ዝተራእየ መድረኽ Super Bowl ኰይኑ።

ሎፐዝ፡ ብ2021 ኣብ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ተዓዲማ ሙዚቃ ኣቕሪባ እያ።

'America the Beautiful' ከምኡ'ውን 'This Land is Your Land' ዝብላ ደርፍታት ሓዊሱ፡ ድምጻ ክስማዕ እትቃለሰሉ ንውርሻታታ ጠቕሊላ እትሕዘላ ‘Let's Get Loud’ እትብል ስርሓ'ውን ኣቕሪባ።

ከምቲ ኣብቲ ሰነዳዊ ምድላው ነትፍሊክስ ዝበለቶ፡ “ኣይፋል መልሲ ኣይኰነን፤ ዕድል’ዩ።”

እቲ ጕዕዞን ቃልስን ኣየቋረጸን። ኣብ ዙርያ ነጋዲት ሓሽሽ ዝነበረት ግሪሴልዳ ብላንኮ ዝጠመተ ፕሮጀክት ሓዊሱ ብዙሓት ፕሮጀክታት ኣለውዋ።

ሽልማት ኦስካር ክኣ ዝቕጽልን ንቕድሚት ዝመጽእን’ዩ።