ሓንቲ ጐርዞ ንወግዓዊ ቅጽዓት ሞት ኣቦኣ ከይትርኢ ዳኛ ወሲኑ

ራመይ ንሓድሽ ውላዳ ሒዛ ኣብ ማእሰርቲ በጺሓቶ

ምንጪ ስእሊ, ACLU

ጓል 19 ዓመት ኣሜሪካዊት ኣቦኣ ክርሸን እንከሎ ንኸይትርኢ ዳይና ክውስን እንከሎ፡ እቲ ዘቕረቦ ምኽንያት ድማ ሕጊ ሚዙሪ ጠቒሱ፡ ገና ኣብ ንኡስ ዕድመ እትርከብ ስለዝዀነት'ያ ኢሉ።

ኣቦ ናይታ ንእስቲ ኬቨን ጆንሰን ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ ኣብ 2005 [ኣ.ኣ] ንፖሊስ ስለዝቐተለ ብሞት ክቕጻዕ ዝተወሰነ ኰይኑ፡ ፍርዱ ድሕሪ ጽባሕ ሰሉስ ተፈጻሚ ክኸውን እዩ።

ንሱ፡ እቲ መቕጻዕቲ ሞት ኣብ ዝፍጸመሉ ኣጋጣሚ ጓሉ ኮሪ ራመይ ብኣካል ክትርከብ ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ።

እንተዀነ ማሕበር ስቪላዊ ሓርነት ኣሜሪካ ኣክንዲ እታ ጓሉ ቅልጡፍ ሰነድ ብምቕራብ፡ ሕጊ ናይታ ሃገር፡ ሕገ-መንግስታዊ መሰላ ከምዝግሃሰ ተኻቲዑ።

ወከልቲ እቲ ማሕበር ንሕጊ ሚዙሪ ብምጥቃስ ዝዀነ ይዅን ሰብ፡ ዕድመኡ ትሕቲ 21 እንተዀይኑ መቕጻዕቲ ቅትለት ካብ ምርኣይ ዝኽልክል’ዩ ኢሎም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ወዲ 37 ዓመት ዝዀነ ጆንሰን ጓሉ ራመይ ጓል 2 ዓመት እንከላ ኣትሒዙ እዩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነይሩ።

እቶም ኣቦን ጓልን ምሕዝነቶም ብተሌፎን፡ ኣካላዊ ምብጽጻሕ፡ ደብዳበን ኢመይልን እዮም ኣማዕቢሎምዎ። ጓሉ ራመይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓድሽ ውላዳ ሒዛ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ብምኻድ ምስ ኣቦሓጐኡ ኣላልያቶ’ያ።

ራመይ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ “ኣቦይ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ሰዓታቱ ምስኡ ክኸውን ብዘይምኽኣለይ ልበይ ተሰይሩ’ዩ” ብምባል፡ ኣቦኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጻኒሒቱ ንገዛእ ርእሱ ንምህዳስ ሓያል ጻዕሪ ከምዘካየደ ገሊጻ።

ራመይ ኣስዒባ ኣመሓዳሪ ሚዙሪ ንኣቦኣ ምሕረት ክገብረሉ ጸሎት ትገብር ምንባራ ኣፍሊጣ።

ጆንሰን ንኣቦ ሰለስተ ቈልዑ ዝዀነ ኣባል ፖሊስ ሚዙሪ ዝነበረ ዊልያም ማክኢንተ ተኵሱ ብምቕታሉ'ዩ ገበነኛ ምዃኑ ተረጋጊጹ’ዩ።

ጠበቓታት ጆንሰን ብህይወት ንኽጸንሕ ዝተኻትዑ'ኳ እንተዀኑ ነቲ ገበን ከምዝፈጸሞ ግን ኣይከሓዱን። እንተዀነ፡ ኣብ መስርሕ ብይን መቕጻዕቲ ሞት ዓሌትነት ናይ ገዛእ ርእሱ ግደ ከምዝተጻወተ ተዛሪቦም።