ሊሳ ሞንትጎሜሪ፡ ኣሜሪካ እታ እንኮ ንሞት ተፈሪዳ ክትጽበ ዝጸንሐት ጓል ኣንስተይቲ ተቐቲላ

ሊሳ ሞንትጎመሪ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ኣሜሪካ እታ እንኮ ብፌደራል ንሞት ተፈሪዳ ክትጽበ ዝጸንሐት ጓል ኣንስተይቲ፡ ሊሳ ሞንትጎሜሪ፡ ረቡዕ ወጋሕታ ፍርዳ ተፈጺሙ።

ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣሜሪካ እቲ ብይን ክፍጸም ድሕሪ ምውሳኑ እያ ሊሳ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቴረሃውት፡ ኢንድያና ቀታሊ መርፍእ ተወጊኣ።

ጠበቓታታ፡ ሊሳ ኣብ ንእስነታ ናይ ኣእምሮ ጸገም ከም ዝነበራን፡ ጉድኣት ከም ዝበጽሓን ብምምጓቶም ጉዳያ ኣቓልቦ ብዙሓት ስሒቡ እዩ።

ጓል 52 ዓመት ሊሳ ኣብ 2004 ንሓንቲ ብጽሕቲ ወርሒ ዝነበረት ሰበይቲ ብምሕናቕ ነቲ ኣብ ማሕጸና ዝነበረ ዕሸል ኣውጺኣ ብምስራቕ ገበነኛ ኮይና ስለዝተረኸበት እያ ኣብ 2007 ንሞት ተፈሪዳ።

ጓል 23 ዓመት ግዳይ ቦቢ ጆ ስቲነት፡ ብዝፈሰሳ ደም ሽዑ ንሽዑ እያ ሞይታ።

ሊዛ ሞንትጎመሪ ድሕሪ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ 67 ዓመታት ብውሳነ ቤት ፍርዲ ዝተቐተለት ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ እያ።

ብመሰረት ሓበሬታ መሰኻኽር ዓይኒ፡ ኣብቲ እዋን ፍጻመ እቲ ብይን ኣብ ጎኒ ሊሳ ዝነበረት ሰበይቲ፡ ሊሳ ኣብ መወዳእታ ክትብሎ እትደልይ እንተሎ ሓቲታታ ነይራ። ሊዛ ግና ኪንዮ "ኣይፋልን" ካልእ ዝኾነ ዘረባ ኣይተዛረበትን።

ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ሰዓት 1፡31 ከም ዝሞተት ክሕበር እንከሎ፡ ጠበቕኣ ኬሊ ሄንሪ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ኩሎም እቶም ኣብ ምፍጻም እቲ ቕትለት ዝተሳተፉ "ክሓፍሩ ይግባእ" ኢላ።

ሊሳ ሞንትጎመሪ፡ እቲ ክትቕተለሉ ተወሲኑ ዝነበረ መዓልቲ ክልተ ሳዕ ተመሓላሊፉ እዩ። እቲ ቀዳማይ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ እቲ ብይን ክፍጸም ፍቓድ ክሳብ ዝህብ ዳኛ ብዘሕለፎ ውሳነ እዩ።

ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኢንድያን ዝርከብ ሓደ ዳኛ፡ ጉዳይ ዓቕሚ ኣዕምሮ መዕለቢ ክሳዕ ዝግበረሉ እቲ መቕተልቲ ክጸንሕ ወሲኑ ነይሩ።

ጠበቓታታ ሊሳ፡ ክትውለድ ከላ ሓንጎላ መጉዳእቲ በጺሕዋ ከም ዝነበረን እቲ ብይን ክፍጸመላ ዘኽእል ጥዕና ኣእምሮ ከም ዘይብላን ሞጊቶም።

ቆልዓ እንከላ ተደጋጋሚ ጾታውን ኣካላውን ጥቕዓት ብኣቦኣ ከም ዝበጽሓን ብኣዲኣ ብዘይሕጋዊ መገዲ ከምእተሰጋገረት ሓደ ካብ ኣዝማዳ ተዛሪቡ። እቲ ዝተውሃባ ሕክምና'ውን ኣዝዩ ብርቱዕ ብምንባሩ ከም ዘሳቐያ እቶም ጠበቓታታ ይዛረቡ።

ናይ ሞት መቕጻዕቲ ከብቅዕ ዝጠልቡ ሰልፈኛታት ኣብ ከባቢ ቤት ማእሰርቲ ቴረ ሃውት ኢንድያና ድምጾም ኣስሚዖም; ኣሜሪካ ጥሪ 12, 2021

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ናይ ሞት መቕጻዕቲ ከብቅዕ ዝጠልቡ ሰልፈኛታት ኣብ ከባቢ ቤት ማእሰርቲ ቴረ ሃውት ኢንድያና ድምጾም ኣስሚዖም

ሊሳ እቲ ገበን ኣብ ዝፈጸመትሉ እዋን፡ ብሕማም ኣእምሮ ትሳቐ ምንባራ ዝገልጹ እቶም ጠበቓታት፡ ነቲ ክውንነትን ዘይጭበጥን ክትፈላልይ ትኽእል ኣይነበረትን ይብሉ። እዚ ርእይቶ ብ41 ጠበቓታትን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣሜሪካ ዝርከብዎም ጉጅለታትተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ድጋፍ ረኺቡ እዩ።

እንተኾነ ግና ኣባላት ስድራን መሓዙትን እታ ግዳይ፡ እቲ ብሊሳ ዝተፈጸመ ተግባር ዜርዕድ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኩነታት ጥዕንኣ ብዘየገድስ ክትቕተል ኣለዋ ይብሉ።

ሊሳ ንጓል 23 ዓመት ስቲነት ኣብ ኢንተርነት ክትላለያ እንከላ ክልቲአን ከልቢ ይፈትዋ ብምንባረን እየን ተቐራሪበን። ናብ ገዛ ስቲነት ብምኻድ ድማ ብገመድ ሓኒቓ ማሕጸና ጠቢሓ ነታ ዕሸል ወሲዳቶ።

ፖሊስ ንሊሳ ክረኽባ ከሎ፡ ዝወለደታ ቆልዓ ምዃና ክተእምኖም እኳ እንተፈተነት ጸኒሓ ግና ነቲ ቅትለት ከም ዝፈጸመቶ ተኣሚና።

ኣብ 2007 ቤት ፍርዲ ገበነኛ ኮይና ከም ዝረኸባ ብምግላጽ ንሞት ፈሪድዋ።

ካብ 2008 ጀሚራ ኣብ ቴክሳስ ኣብ ዝርከብ ፍሉይ ክንክን ናይ ዘድልየን ደቂ ኣንስትዮ ቤትማእሰርቲ ፌደራል ዝጸንሐት ሊሳ፡ ስነኣእምሮኣዊ ሓገዛት ክግበረላ ጸኒሑ። እቲ መዓልቲ መቕተልታ ካብ ዝተገለጸሉ እዋን ድማ ርእሰ ቅትለት ከይትፍጽም ሓለዋ ክግበረላ ከም ዝጸንሐ ተሓቢሩ።

ቅድሚ ሊሳ ሞንትጎሜሪ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ብውሳነ ቤት ፍርዲ ዝተቐተለት ናይ መወዳእታ ጓል ኣንስተይቲ ቦኒ ሄዲ ኮይና፡ ኣብ 1953 እያ ተቐቲላ።

ፌደራላዊ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ን17 ዓመታት ደው ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዩ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ክቕጽል ኣዚዙ።