ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ሊሳ ሞንትጎመሪ 12 ጥሪ ክትቅተል ወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ፡ እታ እንኮ ኣብ ኣመሪካ ንሞተ ተፈሪዳ ውሳነ ክትጽበ ዝጸንሐት ሊሳ ሞንትጎመሪ መዓልቲ ሞታ ክናውሓላ ንዝቀረበሉ ናይ ይግባእ ሕቶ ነጺግዎ።
ሊሳ ሞንትጎመሪ ኣብ 2004 ኣብ ሚዞሪ ዝብሃል ቦታ ንሓንቲ ብጽሕቲ ወርሒ ዝነበረት ሰበይቲ ብምቕታል ነቲ ኣብ ከብዳ ዝነበረ ህጻን ብምስራቕ ገበነኛ ኮይና ስለዝተረኸበት እያ ንሞት ተፈሪዳ።
እቲ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ሂብዎ ዘሎ ውሳነ እንተተፈጺሙ፡ ሊዛ ሞንትጎመሪ ድሕሪ ኣስታት ሰብዓ ዓመታት ብውሳነ ቤት ፍርዲ ዝተቐተለት ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ ክትከውን እያ።
ሊሳ ሞንትጎመሪ፡ እቲ ክትቕተለሉ ተወሲኑ ዝነበረ መዓልቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እኳ እንተነበረ፡ ንጉዳያ ዝከታተል ዝነበረ ኣኽባሪ ሕጊ ብኮሮናቫይረስ ስለዝተለኸፈ ግን እቲ መዓልቲ ክናዋሕ ክኢሉ።
ብድሕሪ እዚ እቲ መዓልቲ ቕትለት ን12 ጥሪ ምስ ተናወሐ፡ ጠበቓኣ ሰብ ብምኽንያት ለበዳ ኣብ ዕጽዋ እንከሎ፡ እቶም ክፋነውዋ ዝግበኦም መቕርባ'ውን ክበጽሕዋ ስለዘይክእሉ መዓልቲ ይናውሓላ ዝብል መካራኸሪ ሓሳብ እኳ እንተኣምጸአ፡ ቤት ፍርዲ ንሓሳብ ኣኽባሪ ሕጊ ብምድጋፍ እቲ ውሳነ በቲ ዝተብሃሎ መዓልቲ ክፍጸም ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ።
ጠበቓታት ሊሳ ሞንትጎመሪ ነቲ ወሳነ ብምቅዋም ዳግማይ ይግባይ ከምዝብሉ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ብውሳነ ቤት ፍርዲ ዝተቐተለት ናይ መወዳእታ ጓል ኣንስተይቲ ቦኒ ሄዲ ኮይና፡ ንሳ ኣብ 1953 እያ ተቐቲላ።
እዞም ክፍጸሙ እዮም ተባሂሎም ዘለዉ ናይ ሞት መቅጻዕትታት ኩሎም እንተተፈጺሞም፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ መዋእል፡ ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ዝብዝሐ ናይ ቤት ፍርዲ ናይ ሞት ውሳነታት ዝረኣየ ፕረዚደንት ኣመሪካ ክኸውን እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







