ላንስ ኣርምስትሮንግ፡ ካብ ሰማይ ዝወደቐን ዝተሰባበረን ኮኾብ ተጻዋታይ ብሽክለታ

ላንስ ኣርምስትሮንግ፡

ዛንታ ኣሜሪካዊ ላንስ ኣርምስትሮንግ ሓደ ካብ’ቶም ንሚልዮናት ሰባት ዘደንቐን ዘስደመመን ዘሕዘነን ከምኡ’ውን ዘቖጥዐን ኰይኑ ክሳብ ሕጂ ሰባት ዘዛርብ ዘሎ ዛንታ’ዩ።

ዝሓለፈ መስከረም፡ ኣብ ምዝዛም “ቱር ድ’ፍራንስ” - እቲ ዝዓበየ ቅድድም ብሽክለታ ዓለም - ኣብ ክልተ ዝተኸፍለ ዛንታ ናይቲ ህቡብ ተቐዳዳማይ ኣብ ቢቢሲ ቀሪቡ ነይሩ።

እቲ ዛንታ “ላንስ” ዘርእስቱ ኰይኑ፡ ቅድሚ 14 ዓመታት እቲ ዉድድር ክሳብ ክንደይ ብላንስ ተዓብሊሉ ከም ዝነበረ፡ ብዓወታቱ ድማ ልዑል ዝና ኣትሪፉ ነይሩ ክነሱ፡ ጸኒሑ ግን ንስፖርት ቅድድም ብሽክለታ ሕማቕ ስም ክረክብ ዝገበረ ሰብ ምንባሩ ዘርዚሩ ኣቕሪቡዎ ኣሎ።

እቲ ዛንታ ምክትታሉ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ባህሪ ደቂሰብ ይጸብቕ ይኽፋእ ክሳብ ክንደይ ሕልኽላኽ ምዃኑ፡ ከምኡ’ውን ሓቂ፡ ውዒሉ ሓዲሩ፡ ሓራ ከም ዘውጽእ ስለ ዘርኢ’ዩ።

“ቱር ድ’ፍራንስ” ዓመት-ዓመት ዳርጋ ብምሉኡ ኣብ ፈረንሳ ብናይ 21 መድርኻት ተሰንዩ ኣብ ዉሽጢ 23 መዓልታት ዝካየድ፡ ዳርጋ 3,400 ኪ.ሜ ዝሽፍን፡ ኣህላኺ ቅድድም ብሽክለታ ኰይኑ ሓደ ካብ’ቶም ዝለዓሉ ስምን ክብርን ሒዙ ዝርከብ ውድድር’ዩ። ነቲ ውድድር ሰማይ ዜዕረጎ ተወዳዳራይ ድማ ላንስ ኣርምስትሮንግ ከም ዝነበረ ምግላጽ ምግናን ኣይኰነን።

ላንስ ካብ 1999- 2006 ብተኸታታሊ ሸውዓተ ናይ “ቱር ድ’ፍራንስ” ዋንጫታት ብምዕታሩ ተገይሩ ዘይፈልጥ ክብረ-ወሰን’ዩ ሰይሩ። እቶም ሸውዓተ ዋንጫታት ድማ፡ ብዘሕዝን ኣገባብ ኣብ ሓደ መዓልቲ ከም ዝሕደግ ተገብረ።

እምበኣርከስ ባህሪ ላንስ ፍሉይ ዝዀነሉ ምኽንያት እቲ ንዓለም ውድድር ብሽክለታ ዝቈጻጸር ዝነበረ ተቓዳዳማይ ምንባሩ ዘይኰነስ ካብቲ መድርኽ’ቲ ከመይ ኢሉ ኣጥበልቢሉ ብምውዳቑ’ዩ።

ንምዃኑ፡ ሓጥያት ላንስ ኣርምስትሮንግ እንታይ’ዩ? ብ 1999 ንመጀመርታ እዋን ቅድድም “ቱር ድ’ፍራንስ” ምስ ሰዓረ ሕሜት ተለዓዓለ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ዓመት-ዓመት ደጋጊሙ ክዕወት እቲ ኣሰር-ኣሰሩ ዝስዕቦ ዝነበረ ጥርጣሬ - ንጥፈቱ ንከበራትዕ ዘይሕጋዊ መናግስቲ (ድሮጋ) ይጥቀም ከም ዝነበረ - ብዓውታ ክዝረበሉ ቀጸለ።

ኣብ ቅድድም ጥራይ ዘይኰነስ ንሕማም መንሽሮ ዝሰዓረ ሰብ

ላንስ ኣርምስትሮንግ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ኣዝዩ ክዝከር ዝግብኦ ፍጻሜ፡ ላንስ ብ 1996፡ ኣብ 25 ዕድሜኡ፡ ምስ ተመርመረ ናይ ፍረ-ነብሲ መንሽሮ ከም ዝተረኽቦ ተረጋገጸ። እምበኣርከስ ላንስ ነቲ ዘይምሕር ሕማም ስዒሩ’ዩ ኣብ ኣህጕራዊ ወድድር ብሽክለታ ዓወታት ዘመዝገበ።

ላንስ እቲ ሽዑ ኣንጻር መንሽሮ ዘካየዶ ጥምጥም ምስምዑ መስተንክር’ዩ፣ እቲ መንሽሮ ኣብ ኣካለቱ ተነዚሑ ስለ ዝነበረ መጥባሕትታት ናይ ግድን ኣድለዮ። ሕሙማን መንሽሮ ኪሞተራፒ (ቀመማዊ ፍወሳ) ይግበረሎም’ዩ - እቲ ፍወሳ ንባዕሉ ስቅያት’ዩ። ብዙሓት ኣይጻወርዎን’ዮም።

ሓካይም ንላንስ ህይወቱ ንከድሕኑ ኣብ ተብ-ተብ ዝነበርሉ እዋን ኣካላቱ ፍልይ ዝበለ ምንባሩ ኣስተብሃሉ - ንፍወሳ ኪሞተራፒ ዝጻወር ኣካል ከም ዝነበሮ ኣስተብሃሉ። ድሕሪ መጥባሕትታት፡ ድሕሪ ኪሞተራፒ ፡ ላንስ ክሓዊ ኸኣለ።

ሽዑ ላንስ ባዕሉ ህይወቱ ንሞት ሂቡዋ ከም ዝነበረ ደጋጊሙ ዘልዕሎ ኣርእስቲ’ዩ፣ ሓካይም’ውን ምህሙን ተስፋ ከም ዝነበሮ መስከሩ። ኣዲኡ ድማ ኣብ ህይወቱን ሕውየቱን ኣብ ጐድኑ ደው ኢላ ከም ዝነበረት ባዕሉ ይምስከረላ’ዩ።

እቲ ዘገርም፡ ሓካይም ንላንስ ሓዊኻ ምስ በልዎ ከይጸንሐ ናብ ብሽክለትኡ ተመልሰ፣ “ላንስ ኣርምስትሮንግ ፋውንደሽን” ዝበሃል ትካል ከፊቱ ኸኣ ብመንሹሮ ዝተጠቕዑ ሰባት ገንዘብ ኣዋጺኡ ክሕግዝ ጀመረ።

ሓውዩ ድማ ናብ ኣህጕራዊ ቅድድም ብሽክለታ ክምለስ ጻዕርታት ከካይድ ጀመረ፣ ሽዑ ካልእ ቃልሲ ኣጋጠሞ። ሕማም መንሽሮ ዝነበሮ ተቐዳዳማይ ኢሎም ድማ ብዙሓት ጋንታታት ነጸግዎ። ነቲ መንጸግቲ ንምስዓር ቃልሱ ኣሐየለ፣ ደጊሙ ኸኣ ሰዓረ። ላንስ ኣብ ኣህጕራዊ ውድድር ክምለስ ብምኽኣሉ ንዓለም ኣዛረበ።

እቲ ቀዳማይ ክፋል

ማሪና ዘኖቪች ሰነዳዊ ፊልም ብምቕራብ ዝለዓለ ፍናን ሒዛ እትርከብ ኣሜሪካዊት ሰራሒት-ፊልም’ያ። ከምእኒ ዛንታታት ናይ ማይክል ጆርዳን፡ ሙሃመድ ዓሊ፡ ሪቻርድ ፕራየር፡ ሮማን ፖለንስኪ ... ወዘተ. ዘኣመሰሉ ዉርያት ሰባት ብፊልም ብምቕራጽ ልዑል ዝና ዘጥረየት ኰይና፡ እንሆ ኸኣ ሕጂ ብዛዕባ ላንስ ኣርምስትሮንግ፡ እቲ ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ዝለዓለ ዝና ዝነበሮ፡ ድሓር ግን ብሕማቕ ዝወደቐ ሰብ፡ ታሪኽ ህይወቱ ኣቕሪባ ኣላ።

ናይ ማሪና ዘኖቪች ፊልም ከም ዘርእዮ፡ ላንስ ኣርምስትሮንግ ኣብ ህይወቱ ሓያል ቃልሲ ዘሕለፈ፡ ማራኺ ሰብኣዊ መንነት ዘሎዎ፡ ክምስ ዘይብል ወሳንነቱ ዀነ ጐብለልነቱ ጥራይ ዘይኰነ ሸዳዲ ባህርያቱ’ውን ብግልጺ ከተርእዮ ክኢላ’ያ፣ እወ፡ ትኩርን ሓያልን ይዅን’ኳ መላኺ ሰብ ምዃኑ።

እቲ ቀዳማይ ክፋል ናይ’ቲ ፊልም ብዛዕባ እዚ ሕጂ ዕድሚኡ 49 በጺሑ ዘሎ ላንስ ዝፈጸሞ ገበን መሰረት ብምግባር 100 ሚልዮን ዶላር ንክኽሕስ ተበዪኑሉ ከም ዝነበረ፡ ንሱ ግን ዝገበረ ገይሩ ብሓሙሽተ ሚልዮን ከም ዝተገላገለ ብትዕቢት ክገልጽ ይርአ። ርግጽ’ዩ፡ ስሙን ሰብኣዊ ክብረቱን ኵሎም ዋንጫታቱን ትካላቱን ከሲሩ’ዩ፣ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ብናበይቲ ዝኽፈሎ ዝነበረ ገንዘብ (sponsorship) ንክመልሶ ተኣዚዙ ከም ዝነበረ - ብሓጺሩ ዓለሙ ከም ዝተገላበጠ - ምዝካር የድሊ።

ላንስ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ናይ ንሕንሕ መንፈስ ዝነበሮ፡ ኣብ ትራያትሎን (ምሕምባስን ጕያ-እግርን ብሽክለታን) ሓያል ነበረ። ኣዲኡን ሰብኣይ ኣዲኡን ኣብ ህይወቱን ኣብ ዝተኻፈሎም ውድድራትንስ ኢድ ነይሩዎም፣ ብጽኑዕ ይከታተልዎን ይደፍእዎን ስለ ዝነበሩ።

ኣዲኡ ንላንስ ተማሃሪት ከላ ኣብ ዓሰርተ-ሸውዓተ ዕድሚኣ’ያ ወሊዳቶ። ኣብ ዕላሉ “ኣነን ኣደይን ዳርጋ ብሓደ ኢና ዓቢና” ይብል ላንስ። ኣይጸንሐትን፡ ምስ ሰብኣያ ተፋቲሓ ንበይና ንወዳ ከተዕቢ ጀመረት። ላንስ ሰለስተ ዓመት ምስ መልአ ኣዲኡ ደጊማ ምስ ተሪ ኣርምስትሮንግ ዝበሃል ሰብ ተመርዓወት፣ ላንስ ከኣ ስም ሰብኣይ-ኣዲኡ ብምውሳድ ላንስ ኣርምስትሮንግ ዚብል ስም ሓዘ።

ላንስ ዕድመ-መንእሰይ ምስ በጽሐ ባህሪኡ እናሓየለ ከደ፣ ዘይምእዛዝ፡ ትዕቢትን ሓይልን፡ ዘረባ ሰብ ዘይምስማዕ ዘኣመሰሉ ባህርያት ከርኢ ጀመረ። ይዅን’ምበር ተወዳዳሪ ባህሪኡ እናወሰኸ ከደ። ምሉእ ኣትኵሮኡ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ኸኣ ዘንበለ፣ መወዳድርቱ ፍሉይ ተውህቦን ዓቕምን ከም ዝነበሮ ከስተብህልሉ ጀመሩ። ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ወድአ ኸኣ (ኣብ 17 ዕድሚኡ) ጠቕሊሉ ሞያተኛ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኰነ።

ንብርትዐ ዝሕግዝ ድሮጋ ምውሳድ

ላንስ ኣርምስትሮንግ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ላንስ ኣብ ኣህጕራዊ ውድድራት ክሳተፍ ምስ ጀመረ ሰባት - ተወዳደርቲ፡ ኣሰልጠንቲ፡ መራሕቲ ጋንታታት፡ ሚድያ-ዓለም - ኣዕንቶም ኣውደቕሉ።

ኣሜሪካውያን ተቐዳደምቲ ከም’ቶም ናይ ዓዲ-ጣልያን፡ ጀርመን፡ ደቂ-በልጅዩም፡ ፈረንሳውያን ተቐዳደምቲ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኣይጸንሖምን። እቲ ውድድር ንነዊሕ ዘመናት ብኤውሮጳውያን ተዓብሊሉ ስለ ዝነበረ በዓል ላንስ ምስ ተሓወስዎ ምስ’ቲ ታሪኽ’ቲ ክጠማጠሙ ጀመሩ። እቲ ኣብ ክፍለ-ሃገር ተክሳስ ዝዓበየ ላንስ ከኣ ኣካ ኣርኣዮም!

በቲ ዘመን’ቲ ተጸማምነትን ብርታዐን ዝፈጥሩ ከሚካላት ምጥቓም ዳርጋ ልሙድ ነበረ። ንብርትዐ ዝሕግዝ ድሮጋ ምውሳድ ዝውቱር ግን ብስቱር ምውሳዱ ዓቢ ሓጥያት ኣይነበረን። ላንስ፡ ምስቲ ኵሉ ዓቕሙ፡ ዝገበረ እንተገበረ ምስ’ቶም ብሕቡእ ድሮጋ ዝወስዱ ዝነበሩ ኤውሮጳውያን ተቐዳደምቲ ክመጣጠን ኣይከኣለን። እዚ እንጽርጽሮት ክፈጥረሉ ጀመረ።

እንጽርጽሮቱ በጨቕ ክብሎ ምስ ጀመረ ንሱስ’ውን ከም’ቶም ካልኦት ተቐዳደምቲ ኣሰልጠንቱ ዝሃብዎ ከሚካላት ክወስድ ጀመረ። ጸኒሑ ኸኣ ርክብ ምስ ኢጣልያዊ ዶክ. ሚከለ ፈራሪ ዝተባህለ ኣሰልጣኒ ምስ ጀመረ ጥቕሚ እቲ ዘይሕጋዊ ድሮጋ ተጋህደሉ።

ኢ.ፒ.ኦ. ዝበሃል ድራግ - ንቀያሕቲ ህዋሳት ዜኻዕብት ከሚካል - ብምውሳድ ንብጾቱ ኣርከቦም፡ ቀደሞም፡ ሱፐርማን ናይ ቅድድም ብሽክለታ ኸኣ ዀነ።

እቲ ሽዑ ላንስ ኣርምስትሮንግ ዝፈጠሮ ሃዋህው - ናይ 1999 “ቱር ድ’ፍራንስ” ምስ ሰዓረ - ክንዮ-ኽዉንን ሓዊ ሕልምን ነበረ። ፕረሲደንት ክሊንቶን ዀነ ቡሽ ናይ እንቋዕ’ሓጐሰካ መልእኽቲ ለኣኽሉ፡ ህዝቢ ኦስቲን/ተክሳስ ጥራይ ዘይኰነስ ኣሜሪካ ብምልኡ ንጅግንነቱ ኣብዓለ። እቲ ንተፍትሽ ናይቲ ብሕቡእ ዝወሰድ ዝነበረ ድሮጋ ኸኣ ኣብ ጥርዚ በጽሐ። ላንስ ግን ነቲ ዉንጀላ ጨሪሱ ከሓዶ።

እቲ ካልኣይ ክፋል

እቲ ካልኣይ ክፋል ላንስ ካብ ዝፋኑ ምስ ወረደ’ዩ ዘዘንቱ። “እርዳኣኒ’ዩ ሰባት ብዛዕባይ ክዛረቡ ከሎዊ “ዉርደተኛ” ዚብል ሓረግ ኣናሓወሱ ከም ዝዛረቡ” ይብል ላንስ። ተመሊስና ን 1999, 2000 ከምኡ’ውን እቶም ዝሰዓቡ ዓመታት ክንዕዘብ ከሎና ዳርጋ ሕልሚ’ዩ ነይሩ።

ላንስ ንያን ኡልሪሽ፡ እቲ ቀንዲ መወዳድርቱ ዝነበረ ጀርመናዊ ተቓዳዳማይ፡ ለሽ ኣበሎ። ያን ኡልሪሽ፡ ቅድሚ ላንስ ኣብ ኣህጕራዊ ውድድር ምምላሱ፡ ካብ 1996-1998 ‘ቱር ድ’ፍራንስ’ ከምኡ’ውን ካልኦት ዓበይቲ ውድድራት ዝሰዓረ ሓያል ተቐዳዳማይ ነበረ።

ኣብ ሞንጎኦም ዝነበረ ውድድር ንድሕሪት ተመሊስና ምስ እንርእዮ ዜደንቕ እዋንን ሰሓቢ ውድድርን ከም ዝነበረ ብዙሓት ተዓዘብቲ’ኳ ይምስክርሉ ላንስ ናይ ጸብለልትነት መንፈስ ኣብ ዉሽጡ ክነግስ ከም ዝጀመረ እቲ ዝቐረበ ዛንታ የርኢ። ብሓቂ ትዕቢተኛን ብጽልኢ መወዳድርቱ ተላዕጢጡን ከም ዝነበረ ክንርኢ ንኽእል። ላንስ ነቲ “ንብጾቱ ኣትሒትካ ምርኣይ” ከም ነስዒ-ነዳዲ ይጥቀመሉ ከም ዝነበረ ባዕሉ ይምስክር።

ኣብቲ እዋንቲ ዝና ላንስ ንሰማይ ዓረገ። ባዕሉ ዝጸሓፎን ብርክት ዝበሉ ብዛዕብኡ ዝተጻሕፉ ዉርያት መጻሕፍትን፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዛንታትን ክቐርቡ ጀመሩ፣ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ከኣ ክግሕጥ ጀመረ። ንድሕሪት ተመሊሱ ክርእዮ ኸሎ “እቲ ኣብ መጽሓፈይ ዘቕረብኩዎ ዛንታ ምሉእ-ብምሉእ ሓቂ ከም ዝነበረ - ብጀካ እቲ ንብርትዐ ዝሓገዘኒ ድሮጋ” ኢሉ ይናዘዝ።

ላንስ ኣርምስትሮንግ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ላንስ፡ ካልኣይን ሳልሳይን “ቱር ድ’ፍራንስ” ምስ ሰዓረ፡ ኣዝዩ ተወርየ፣ ናብ ናይ ገንዘብ-ማሺን ከኣ ተለወጠ። ንዓለም-ቅድድም ከኣ ብዝናኡ ክቈጻጸሮ ጀመረ። ናህርን ድፍኢትን ዝናኡ ኸኣ ሒዙዎ ተዓዝረ፣ በቲ ብስቱር ዝወስዶ ዝነበረ ድሮጋ ንከይዛረብ ኣፉ ዓበሶ።

እቲ ምስጢር’ቲ እንድሕሪ ኣውጺኡዎ እቲ ኵሉ ዝጸዓረሉን ዝተኸሎን (ከም እኒ ጐስጓስ ኣንጻር መንሽሮ) ከምኡ’ውን ኣብ ዙርያኡ ብምዕሳል ዝማዕበሉ ዝተፈላለዩ ትካላት ሃዶሽዶሽ ክብሉ ምዃኖም ይፈልጥ ነይሩ። ስለዚ ሱቕ ኢሉ እናሓሰወ ክነብር መረጸ።

ንሓሶቱን መላኺ ባህርያቱን በቶም ዘካይዶም ዝነበረ ዓበይቲ ግብረ-ሰናያዊ ተግባራት ሚዛን ከትሕዞም ከም ዝፈተነ ድሒሩ ባዕሉ መስኪሩ’ዩ። ምናዳ እቲ “ሊቪንግስትሮንግ” ዝበሃል ትካሉ፡ ናይ ብጫ ፕላስቲክ ኣምባር-ኢድ ኣብ ምሉእ ዓለም ብምዝርጋሕ ብሚልዮናት ዝቝጸር ንቃልሲ ኣንጻር-መንሽሮ ዝኸውን ሓገዝ ኣኪቡ ምስ ኣረከበ ኣህጕራዊ ኣቕልቦ ክረክብ ከኣለ፣ እወ፡ ካብቲ እቶት ሳንቲም ኣብ ጥቕሙ ከየውዓለ። ምስኡ ኸኣ ኣበር መንሽሮ ለጠቕ እናበለ ብምኻዱ ላንስ ክብሪ ተጐናጺፉ’ዩ።

ላንስ ነቲ ኣብ ቅድድም ዘጥረዮ ዝና ቀስ ኢሉ ናብ ዓብላሊ ስልጣን እናቐየሮ ከደ። ንዝደለዮ ተቐዳዳማይ ኣብ ጸግዑ ክሰርዕን ንዘይደለዮ ድማ ከባርርን ስልጣን ስለዝደለበ ንስልጣኑ ተጠቕመሉ፣ ናብ ዓለቘኝ ሰብ ከኣ ተለወጠ።

ግረግ ልሞንድ ዝተባህለ ቅድሚ ላንስ ኣርምስትሮንግ ዓቢ ዝና ዝተበሮ ኣህጕራዊ ኣሜሪካዊ ተቐዳዳማይ ንላንስ “ዓቢዪ ታክቲክ ዘሎዎ ተቐዳዳማይ’ዩ” ኢሉ ይገልጾ። ግረግ ልሞንድ ንመጀመርታ እዋን ዘይኤውሮጳዊ ተቐዳዳማይ “ቱር ድ’ፍራንስ” ዝሰዓረ ጐብለል ነበረ። ላንስ’ውን ባዕሉ ይምስክረሉ’ዩ።

ክልቲኣቶም ተቐዳደምቲ ነናቶም ናይ ቅድድም-ሽክለታ ትካላት ነበሮም። ኣብ መጠረስትኡ ግን ስለ ዘይተሰማምዑ ላንስ ንግረግ ሸንዲሑ ገደፎ ... ማለት ትካል ናይ ግረግ ሰንከልከል ከም ዝብል ገበሮ። እምበኣርከስ ላንስ ክሳብ ክንድኡ ሓይሊ ነበሮ። ብዛዕባ እቲ ብስቱር ዝውሰድ ዝነበረ ድሮጋ ከቓልዕ ዝፈተነ ሰብ ላንስ ይመዓቶ ነበረ።

ብ 2005 ላንስ ንሻብዓይ ጊዜ “ቱር ድ’ፍራንስ” ምስ ሰዓረ ይኣክል በለ። ሽዑ ስሙ ይዅን ዝናኡ ብሓቂ ላዕሊ ነበረ። ኮኾብ ስለ ዝነበረ ኣብ ፈቐዶ ድግስ ኣኼባ ግብጃ ይዕደም ነበረ። ብሓጺሩ ህይወት ናይ ከዋኽብቲ-ፊልም የሕልፍ ነበረ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት ግን እቲ ዓይነት ህይወት ጸልኦ።

ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ላንስ ን 2009 ናብ ቅድድም ብሽክለታ ንክምለስ ወሰነ። ክሳብ’ታ ህሞት’ቲኣ ነቲ ብጊዜ ዓወታቱ ብስቱር ዝወስዶ ዝነበረ ድሮጋ ዝፈልጥ ሰብ ዳርጋ ኣይነበረን። መዘነታቱ ዝነበሩ በቲ ዝወሰዶ ስጕምቲ ካን ገረሞም። ካብቲ ውድድር ኣልጊሱሉ ዝነበሩ ብዙሓት መወዳድርቲ - እንኮላይ እቲ ዓቢይ ያን ኡልሪሽ፡ ፍሎይድ ላንዲስ (ብ 2006 “ቱር ድ’ፍራንስ” ዝሰዓረ) - ብድሮጋ ተኸሲሶም ሽልማቶም ተቐጠጠ። ነቲ ሽዑ ዝካየድ ዝነበረ ጽኑዕ ቍጽጽር ዕሽሽ ኢሉ፣ ብዙሓት መወዳድርቱ ዝነበሩን መቕርብኡን ግደፍ እናበሉዎ ክነሶም ንምኽሮም ረጊጹ’ዩ ላንስ ናብ ቅድድም-ዓለም ዝተመልሰ።

እቲ ዓመት’ቲ ላንስ ኣይሰዓረን- ሳልሳይ ብምዃን ጽቡቕ ደረጃ ሒዙ ወጸ። በቲ ውጽኢት ግን ኣይዓገበን። ዝዀነ ዀይኑ፡ ላንስ ናብ ውድድር ይመለስ’ምበር እቲ ጕዳይ ድሮጋ - ንብርትዐ ዝሕግዝ ድሮጋ ምውሳድ - መሊሱ ነሃረ። ፍሎዪድ ላንዲስ ንላንስ ኣብ ቃልዕ ከሰሶ። እቲ ጕዳይ ከኣ መሊሱ ተባርዐ።

ክብል-ክብል ጕዳይ ድሮጋ መንግስቲ ኣሜሪካ ባዕሉ ምስ ተተሓሓዞ ብዙሓት ተወዳደርቲ-ነበር ክምስክሩ ተጸውዑ፣ ብዙሕ ነገራት ከኣ ክቓላዕ ጀመረ። ላንስ ግን ኣብ ቃሉ ጸኒዑ ንዅሉ ክሲ ከሓደ። እቲ ጕዳይ ምስ ተናውሐ ብሕሪ ክልተ ዓመት እቶም ዓቀብቲ ሕጊ ኣሜሪካ ነቲ ክሲ ሰሓብዎ። ላንስ ከኣ ንግዜኡ እፎይታ ረኸበ።

እቲ ጕዳይ ኣብኡ ደው ኣይበለን፣ መሊሱ ተላዕለ። ሽዑ እቲ ዓቃብ ሕጊ ላንስ ድሮጋ ይወስድ ከም ዝነበረ መርትዖታት ሒዙ ቐረበ። ኵሎም መወዳድርቱን ደቂ ጋንትኡን መስከሩ። ኣህጕራዊ ማሕበር ተቓዳደምቲ ብሽክለታ (UCI) ነቲ ጕዳይ ምስ ተታሓዞ ላንስ ኣርምስትሮንግ ካብ ዝፋኑ ወረደ። እቶም ኵሎም ኣብ ዕዳጋ ንኽውክሎም ገንዘብ ዝኸፍሉዎ ዝነበሩ ኮርፖረሽናት - ናይኪ ዝመራሒኦም - ሓደ-ብሓደ ስሓቡ፣ ኣብ ዉሽጢ 48 ሰዓታት ብዅሎም ሓቐቑ።

ላንስ፡ ዋላ’ኳ ጕዱ ይቃላዕ፡ ጌና ኢዱ ዘየውህብ ባህሪኡ ሒዙ ካብ ምውጋእ ድሕር ኣይበለን። ኰይኑ ግን፡ ምስ ኦፕራ ዊንፍሪ ዝተባህለት ዉርይቲ ናይ ሚድያ ሰብ ብዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ኵሉ እቲ ሓቂ ዳሕዲሑ ኣውጽኦ።

ድሕሪ እቲ ዅሉ ክሕደት፡ ውርደት፡ ላንስ ብብዙሓት ማሕበራት ተኸሰ፣ ካሕሳ ንክኸፍል ድማ ንብረቱ ሸጠ፣ እቲ ዝዓበየ ዉርደት ግን እቲ ውርደት ኣብ ቅድሚ ደቁ ስለ ዝተፈጸመ ምዃኑ ይእመን። ዘይወጸሉ ጣዕሳ ዀነ። ምስ ብሽክለታ ዝነበሮ ፍቕሪ ድማ ናብ ጽልኢ ተለወጠ።

ንሱ ተቓዳዳማይ ከም ዝነበረ፡ መብዝሕትኦም ተቐዳደምቲ ድማ ብኣሰልጠንቶም፡ ብሓካይሞም፡ ብጋንትኦም፡ ተደፊኦም ድሮጋ ይወስዱ ከም ዝነበሩ ይጠቅስ። እንተዀነ ግን እቶም ተቐዳደምቲ ኣደራዕ ናይ ኵሉ ኰይኖም ከም ዝተረፉ ብትዕቢት ንሂሩ ይዛረብ።

ድሕሪ’ዚ ዅሉ ሽግር ነቲ መወዳድርቱ ዝነበረ ጀርመናዊ ያን ኡልሪሽ ናብ ጀርመን ከይዱ በጽሖ - ህይወቶም ይመሳሰል ስለ ዝኾነ። ብዛዕባ እንትይ ከም ዝተዘራረቡ ግን ኣይገለጸን። ያን ንህይወቱ ቐቢሩ ካብ ኵሉ ርሒቑ ይነብር ኣሎ። ላንስ ግን ዝደለኹዎ ገይረ፡ ደቂሰ እሓድር ኣሎኹ ብምባል ብትሪ ንማሪና ዘኖቪች (እታ ጋዜጠኛ) ኣካፈላ።