ኤርትራ ፈላሚ ቅድድም ብሽክለታ 'ዋንጫ ኣፍሪቃ' ክተእንግድ'ያ

ምንጪ ስእሊ, XAVIER BOURGOIS
ኤርትራ ካብ 21 ክሳብ 25 ነሓሰ ዝካየድ 'ኣፍሪካ ካፕ' ማለት ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝተሰምየ፡ ፈላሚ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ክተእንግድ ኢያ።
እዚ ብደረጃ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም (ዩሲኣይ) ዝተፈልጠን፡ ኣብ መንጎ ኮንፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃን ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራን ብዝተገብረ ፕሮቶኮላዊ ስምምዕ ተወዲቡ፡ ኣብ ትሕቲ ኮንፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዉድድር ምዃኑ ፕረዚደንት ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣቶ ተወልደ ዮውሃነስ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ውድድር፡ ኣርባዕተ መድረኻት ማለት፡ ብውልቅን ብጋንታን ናይ ግዜ፣ 'ሮድ ሬስ' ከምኡ'ውን 'ክራየተርዩም' ዝሓቆፈ ኮይኑ ብደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኢዩ ክካየድ።
እዚ ንዕብየት ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ንቕድሚት ዘሰጉም ምዃኑ ዝገለጸ ኣቶ ተወልደ፡ እቲ ምወላ ወላ'ኳ ቀሊል ተዘይኮነ፤ ምሉእ ብምሉእ ብኣንጋዲት ሃገር ማለት ኣብዚ እዋን ብኤርትራ ከም ዝግበር ሓቢሩ።
"እተን ዝመጻ ሃገራት ብዘይካ ናይ ኣየር ቲኬት፡ ካልእ ዘውጽእኦ ወጻኢታት የለን። ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ተቐቢልና ኩሉ ዘድልየን ቀረብ ናይ ሆቴል ኮነ ናይ መጉዓዝያ፡ ባዕልና ኢና ንሽፍኖ" ኢሉ።
ኤርትራ ነዚ ውድድር ንምክያድ ክንድዚ ዝኣክል ወጻኢ ክትገብር ከላ እትረኽቦ ረብሓ ኣመልኪቱ ኣቶ ተወልደ ከምልስ ከሎ፡ "ኣብዚ ታሪኻዊ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንፈለማ እዋን ዝካየድ ዘሎ ውድድር፡ ኤርትራ፡ ኣብ ብሽክለታ፡ ከም መራሒት ኣብ ኣፍሪቃ፡ ንዕብየት ናይ ብሽክለታ ገለ ኣበርክቶ ክትገብር ኣለዋ" ብምባል እቲ ቀዳማይ ዕላማ እዚ ምዃኑ ኣብሪሁ።
ንሱ ኣስዒቡ፡ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ካብዚ ኣብ ሃገራ ተካይዶ ውድድር ተመዝግቦ ነጥቢ ነቲ ኣብ 2019 ከምኡ'ውን 2020 ዝካየድ ውድድራት ኦሎምፒክ ንምስታፍ ከም ዝሕግዛ ገሊፁ።
ብደረጃ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ኣብ ብሽክለታ ነዊሕ ታሪኽ ከም ዘለዋ ዝገለጸ ኣቶ ተወልደ፡ "ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው'ዩ እቲ ፈላሚ ውድድር ናይ ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ ክግበር ዝተወሰነ" ኢሉ።
ብዩሲኣይ ዝወጽአ ሓበሬታ ቅድድም ብሽክለታ፡ ንኤርትራ በቲ ኣዋህሊላቶ ዘላ ነጥቢ፡ ንደቡብ ኣፍሪቃ ስዒባ ካብ ኣፍሪቃ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከቕምጣ ከሎ፡ ብደረጃ ዓለም ድማ ኣብ መበል 30 ትርከብ።
ዛጊት ንኤርትራ ወሲኽካ ትሽዓተ ሃገራት ኣብዚ ውድድር ከም ዝሳተፋ ኣረጋጊጸን ከም ዘለዋ ካብ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







