ክትዓት ዳቪንቺ፡ 'ሞናሊዛ' ናይ ብሓቂ ስእሊ ዳ ቪንቺ ድያ?

ምንጪ ስእሊ, Gilbert family
ኣብ 1960ታት እዩ። ኣብ ርእሰ ከተማ ዓዲ እንግሊዝ ለንደን ኣብ ዝርከብ ግድግዳ ሓደ መንበሪ ገዛ፡ ሓደ ስእሊ ተሰቒሉ ይርከብ።
እቲ ስእሊ ናይ ሞናሊዛ እዩ። እቲ ሰኣሊኡ ግን፡ ብሓቂ ሊዎናርዶ ዳ ቪንቺ'ዶ ይኸውን? ንሳኸ እታ 'ፈላመይቲ ሞና ሊዛ' ድያ? ብዙሓት ሕቶታት እናልዐለ ይርከብ።
'እህስማ! እቲ ሰኣሊ ሌዎናርዶ ዳ ቪንቺ እዩ' ኢሎም ዝኣምኑ ብዙሓት ኣለዉ፤ ካልኦት ድማ ይጠራጠሩዎ።
እቲ ስእሊ ብርግጽ ናይ ዳ ቪንቺ ኮይኑ እንተተረኺቡ ክሳብ 100 ሚልዮን ዶላራት ከውጽእ ከም ዝኽእል እዩ ዝግመት።
ነዚን ካልኦት ሕቶታትን ክምልስ ተባሂሉ ዝተኣመነሉ ክትዕ ቤት ፍርዲ ድማ፡ ኣብ ጣልያን ኣብዚ ሰሙን ተጀሚሩ ኣሎ።
ካልኣይቲ ሞናሊዛ ?
ኣብ 2012፡ ትካል 'ፋውንዴሽን ሞናሊዛ' ካልአይቲ ሞናሊዛ ኢሉ ዝጸወዖ ስእሊ ናብ ህዝቢ ዕላዊ ገይሩ እዩ።
ሞናሊዛ፡ ስኢሉዋ ተባሂሉ ዝእመነሉ ሌዎናርዶ ዳ ቪንቺ ናይ ዓለምና ዝዓበየ ሰኣሊ ዝብል መዓርግ ዝረኸበ ጥበበኛ እዩ።
እዚ ፈላማይ ተባሂሉ ዝተኣመነሉ ስእሊ 'ሞናሊዛ' ናቱ ኮይኑ እንተዘይተረኺቡ ግን ታሪክ ክዛባዕ ይኽእል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቲ 'ፋውንዴሽን' እቲ ስእሊ ናተይ ኣይኮነን፤ እቲ በዓል ዋና ንምዝራብ ድማ ፍቓደኛ ኣይኮንኩን እንተበለ'ኳ፡ "ግዲ የብልኩምን እዚ ሰኣሊ'ማ ባዕሉ ዳ ቪንቺ እዩ" ዝብሉ ተሟገትቲ ቅልቅል ኢሎም ኣለዉ።
ኣንድሪውን ካረን ጂልበርትን ዝተብሃሉ ነበርቲ ለንደን፡ ናይቲ ስእሊ 25 ሚኢታዊ ብጽሒት ኣለና ይብሉ።
እቲ ፋውንዴሽን 'ቀዳመይቲ ሞናሊዛ' ኢሉ ንህዝቢ ዕላዊ እንትገብር፡ እዞም ስብኣይን ሰበይትን ስልኪ ደዊሎም።
እንተኾነ፡ ንሳቶም ከም ዝብልዎ እንተኾይኑ፡ እቲ ትካል ገጽ ከሊኡዎም'ዩ።
'ናይዚ በዓል ዋና መን ከም ዝኾነ ኣይንፈልጥን' ዝብል ምላሽ ከም ዝረኸቡ እዮም ዝዛረቡ።
ካረን፡ ከምዚ ትብል፤ "ናይቲ ስእሊ ወነንቲ በዓል መን ከም ዝኾኑ ስለ ዘይፈለጥና እንታይ ክንገብር ከም ዘለና ኣይፈለጥናን"።
እዚ ሰሙን ግን ነዞም ስብኣይ ሰበይትን፤ ዝቐንዖም እዩ ዝመስል።

ምንጪ ስእሊ, AFP
450 ሚልዮን ዶላር ዘውጽእ ስእሊ
መድሃኒኣለም ተባሂሉ ንዝጽዋዕ ስእሊ ሳልቫቶር ሙንዲ ወይን፡ ዘጋጠሞ ተመሳሳሊ ዛንታ እዚ'ዩ።
እዚ ፍርያት ጥበብ ድማ ብ1958 ብ45 ፓውንድ ተሸይጡ ነይሩ። ብናይ ሎሚ 1700 ብር ወይ ከኣ አስታት 900 ናቕፋ ማለት እዩ።
ቅድሚ ክልተ ዓመት ግን ናብ ሽምያ ቀሪቡ፡ ስሙ ክርቋሕ ዘይደሊ ውልቀሰብ ብ450 ሚልዮን ዶላር ስዒሩ ወሲድዎ፤ ዓለም ተደሚሙ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጸሓፊ ታሪክ ጄዎርጆ ቫሳሪ፡ ሌዎናርዶ ዳ ቪንቺ፡ ስእሊ ሞናሊዛ ንምስራሕ ኣርባዕተ ዓመታት ከም ዝወሰደሉን ኣብ መወዳእታ ድማ ከይዲ'ቲ ስራሕ ከይዛዘሞ ከም ዝሞተን እዩ ኣስፊሩ።
እታ 'ቀዳመይቲ ሞናሊዛ' ዘይተወድአ ክፋል ከም ዘለዋ ሰብ ሞያ እቲ ጥበብ ይዛረቡ።
ካብታ ኣብ ቤተመዘክር ፈረንሳ ሉቭረ ተሰቒላ እትርከብ ትኽክለኛ 'ሞናሊዛ' ዝፈልያ ድማ እዚ እዩ ይብሉ።
ገለ መዛግብቲ ድማ 'ሌዎናርዶ ሞናሊዛ' ንክልተ ዓማዊል ክስእል ተዳልዩ ከም ዝነበረ ይዛረቡ።
እዚ ማለት ክልተ ሞናሊዛታት እንተሃለያ'ውን ዝገርም ኣይኮነን ዝብል እዩ መካቲዒኦም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ፡ ፕሮፌሰር ዢን-ፒየር ኢስቦትስ እቲ ስእሊ ሓቃዊ ከም ዝኾነ ሰለስተ መረጋገጺታት የቐምጡ።
ሓደ፡ እቲ ስእሊ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ዝተስኣለ እዩ።
ካልኣይ ድማ፡ ናይቲ ስእሊ ኣቀራርጻ ኣብቲ ቤተመዘክር ምሰ እትርከብ ሞናሊዛ ተመሳሰሊ እዩ።
ሳልሳይ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ዘሎ ኣሰኣእላ ቀለም፡ ምስ ናይ ዳ ቪንቺ ሓደ ዓይነት እዩ ይብል። እንተኾነ፡ እዚ ንኹሉ ዘስማምዕ ኮይኑ ኣይተረኸበን።
ካብ መንጎ እቶም ነቐፍቲ፡ ፕሮፌሰር ማርቲን ኬምፕ ሓደ እዮም። ኩሎም ስራሕቲ ዳ ቪንቺ ብብዙሕ ከይድታት ዝሓለፉ እዮም።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ እቲ ስእሊ ካልአዋይ ናይ ዳ ቪኒቺ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ስነ መጎት፡ ዘርብሕ ኣይኮነን ይብሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ስእሊ ግን ብኸመይ ኣብቶም ሰብ ሓዳር ወዲቑ?
ክሳብ 1913፡ አብ ዘሎ እዋን እቲ ስእሊ ኣብ ኢድ መን ከም ዝነበረ ዛጊድ ዝተፈልጠ ነገር የለን።
ኣብቲ እዋን ግን ሂዩ በሌከር ምስ ዝተብሃለ ሰብ ከም ዝነበረ መረጋገጺ ተረኺቡ እዩ። ንሱ እንትሞት፡ ሄንሪ ፑሊትዘር ኣብ ዝተብሃለ 'ደላሊ' ስራሕቲ ጥበብ ኢድ ተረኺቡ።
ስድራ ጂልበርት፡ ንፑሊትዘር ይፈልጡዎ እዮም ነይሮም። እቲ ስእሊ ዝገዝኡዎ ንሳቶም ከም ዝኾነ እዩ ዝዛረብ።
እንተኾነ ሙሉእ እቲ ስእሊ ከይኮነስ፡ ክልተ ሚኢታዊ እቲ ስእሊ እዮም ዓዲጎምዎ።
ፑሊትዘር ቅድሚ ምማቱ፡ ነቲ ስእሊ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ሓደ ባንኪ ኣብ ውሽጢ 'ካዝና' ብሓደራ ኣቕሚጡዎ ነይሩ።
ድሕሪ እዚ እዋን፡ እቲ ስእሊ ብ2008 ጥራሕ እዩ ተራእዩ።
እንተኾነ፡ ፋውንዴሽን ሞና ሊዛ በዚ ታሪኽ ኣይስማምዑን።
ነዚ እዩ ድማ እቶም ሰብ ሓዳር፡ ኣንድሪውን ካረን ጂልበርትን እቲ ዘዋጽእ መንገዲ ሕጊ እዩ ኢሎም ናብ መጋባእያ ዘምርሑ።
ኣብ ቀረባ እዋን ድማ፡ እዛ ናይ መጀመርታ ከምዝኾነት ዝዝረበላ 'ሞና ሊዛ' ኣብ ከተማ ጣልያን፡ ፍሎረንስ፡ ንህዝቢ ምርኢት ክትቀርብ እያ ተባሂሉ።
ከይዲ እቲ ፍርዲ ድማ ዛጊድ ዕልባት ኣይረኸበን፤ ኣብኡ ኣብ ዓዲ ጣልያን እዩ ዝረአ ዘሎ። ንመጻኢ ወርሒ መጋቢት ተቖጺሩ ይርብ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







