ዕድመ ስልጣን ትራምፕ ቅድሚ ምብቅዑ፡ ሰለስተ ሰባት ብሞት ክቕጽዑ እዮም

ኣልፍሬድ

ምንጪ ስእሊ, CBS

ኣብ ኣመሪካ ቅድሚ 20 ዓመት እግሪ ተኽሊ ጓሉ ዝቐተለ ውልቀሰብ፡ ብሞት ተቐጺዑ።

ቅትለት ኣልፍሬድ ቡርጂዮስ፡ ብቐታሊ መርፍእ ክፍጸም እንከሎ፡ ብሓሙስ'ውን ብራንዶን በርናርድ ዝተባህለ ኣመሪካዊ ብሞት ተቐጺዑ።

ኣልፍሬድ ኣብ መወዳእታ ዕምሪ ስልታን ትራምፕ ብሞት ዝተቐትለ ካልኣይ ሰብ ኮይኑ ኣሎ።

ስልጣን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ 20 ጥሪ 2021 ቅድሚ ምብቅዑ፡ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ክቕተሉ ተወሲኑ ኣሎ።

እዚ ብመንግስቲ ፌደራል ዝፍጸም ውሳነ፡ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ግብሪ ክምለስ ቅድሚ ምእዛዙ፡ ን17 ዓመታት ጠጠው ኢሉ ጸኒሑ።

እዞም ሰለስተ ሰባት ብሞት እንተተቐጺዖም ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብዚ ዘበን'ዚ እቲ ዝበዝሐ ውሳነ ቕትለት ዘፈጸመ ፕረዚደንት ክኸውን እዩ።

ኣንጻር እዚ ውሳነ ዝኾነ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ቃለ መሓላ ዝፍጽም ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ስርሑ ምስ ጀመረ ደው ከም ዘብሎ ተዛሪቡ'ሎ።

ቤት ፍርዲ፡ ኣልፍረድ ቡርጂየስ ጓል ክልተ ዓመት ጓሉ ቅድሚ ምቕታሉ ኣካላውን ጾታውን መጥቃዕቲ ኣብጺሑላ'ዩ ዝበለ ኮይኑ፡ መኪና ጠጠው ኣብ ዘብለሉ ግዜ ነታ ህጻን ርእሳ ኣብ ማዕጾን ዳሽቦርድን እቲ መኪና ብምቕጥቃጥ ከም ዝቐተላ ዓቀብቲ ሕጊ ገሊጾም።

ጠበቓታቱ ብወገኖም፡ እቲ ገበነኛ ንከይቕተል ጸገም ኣእምሮ ኣለዎ ኢሎም ተኻቲዖም ነይሮም።

ካልኦት ብሞት ዝቕጽዑ እሱራት

ሊሳ ሞንትጎሜሪ፡ ኣብ 2004 ንሓንቲ ነፍሰ-ጾር ሓኒቓ ብምቕታል፡ ኒተ ናጽላ ካብ ማሕጸን ቐዲዳ ብምውጻእ ጨዊያ ወሲዳቶ።

ሞት እዛ ውልቀሰብ 12 ጥሪ 2020 ክፍጸም ተፈሪዱ ኣሎ። ጠበቓታታ፡ ህጻን እናሃለወት ብዝበጽሓ ማህረምትን ከቢድ ጸገም ጥዕና ኣእምሮን ናይ ሓንጎል መጉዳእቲ ኣጋጢሙዋ'ዩ ይብሉ።

እንተኾነ፡ ካብ 1953 ንድሓር፡ ፈላመይቲ ብሞት እትቕጻዕ ጓል ኣንስተይቲ ክትከውን እያ።

ኮሪ ጆንሰን፡ ኣብ ቨርጂኒያ ብንግዲ ዕጸፋርስ ብዝተሓሓዝ ሸውዓተ ሰባት ብምቕታል'ዩ ገበነኛ ተባሂሉ።

ጠበቓታቱ ቖልዓ እናሃለወ ብዘጋጠሞ ኣካላውን ስምዒታውን መጥቃዕቲ ንስነ ኣእምሮኣዊ ጸገም ተቓሊዑ'ዩ ኢሎም። ሞት እዚ ውልቀሰብ 14 ጥሪ ክፍጸም'ዩ።

ደስቲን ጆን ሂግስ፡ ብ1966 ኣብ ዋሽንግተን ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ብምዕፋንን ብምቕታልን ገበነኛ ኮይኑ። ንሱ ብቐጥታ ነተን ግዳያት እንተዘይቐተለን'ውን፡ ንተሓባባሪኡ ዊልስ ሃያንስ እቲ ተግባር ክፍጽሞ ኣዚዙ'ዩ።

ሃያንስ፡ ነቲ ከፈጽም ሂግስ ከም ዘየፈራርሖ ወይ ከም ዘየገደዶ ቃሉ ሂቡ'ዩ። ሂግስ፡ ፍርዲ ሞት ሂግስ 15 ጥሪ ክፍጸም'ዩ።