ኣብ ቻይና ሓሽሽ ሒዙ ዝተረኸበ ኣውስትራልያዊ ሞት ተፈሪድዎ

ኣውስትራልያዘዊ ሐሽሽ ሒዙ ዝተረኽበ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ካርም ጊለስፒ ዝበሃል ኣውስትራልያዊ ኣብ ቻይና ሞት ከምዝተፈረዶ መንግስቲ ኣውስትራልያ ኣረጋጊጹ'ሎ።

እቲ ኣውስትራልያዊ ብ 2013 ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ እዩ ተቐይዱ። ኣ

ብቲ እዋን፡ ኣብ ሻንጣኡ 7.5 ኪሎግራም ሜታምፌታሚን ዝበሃል ዓይነት ሓሽሽ ሒዙ ከምዝተረኸበ እዩ ዝግለጽ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ንግድን ኣውስትራልያ "ነቲ ፍርዲ ምስ ሰማዕና ኣዚና ኢና ሓዚንና" ኢሉ።

"ኣውስትራልያ፡ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ሰብ ብሞት ክቕጻዕ ኣይትቕበሎን። ኣብ ምሉእ ዓለም ናይ ሞት መቕጻዕቲ ክተርፍ ኢና ንድግፍ" ኢሉ እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ።

ርክብ ቻይናን ኣውስትራልያን ምስ ንግዳዊ ርክባት ብዝተኣሳሰርን፡ ኣብዚ ናይ ኮሮናቫይረስ ለበዳ እዋን ብዝገበረኦ ምንቕቓፍን፡ ርክበን ሓርፊፉ እዩ ዘሎ።

ኣውስትራልያ፡ መበቆል ሕማም ኮሮናቫይረስ ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረይ ድሕሪ ምሕታታ፡ ቻይና ተቖጢዓ እያ።

ድሕሪ'ዚ፡ ቻይና ብወገና፡ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ልዕሊ ኤስያውያን ዝበጽሕ መጥቃዕ ይውስኽ ኣሎ ብምባል፡ ዜጋታታ ናብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞታት ክጥንቀቑ ኣተሓሳሲባ።

ቻይናውያን ተምሃሮ ኣብ ኣውስትራልያ ንዝወስድዎ ትምህርቲ ዳግመ ግምት ክገብርሉ'ውን ጸዊዓ ነይራ።

ብተወሳኺ ድማ ቻይና፡ ካብ ኣውስትራልያ ስጋ ናብ ሃገራ ከይኣቱ ከልኪላ፡ ካብ ኣውስትራልያ ናብ ሃገራ ኣብ ዝኣቱ ስገም ድማ ቀረጽ ኣንቢራ።

ካርም ጊለስፒ፡ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት እዩ ኣብ ከተማ ጉዋንግዡ ተኣሲሩ። መራኸብቲ ሓፋሽ ቻይና ከምዝጸብጸበኦ፡ እቲ ናይ ሞት ፍርዲ 10 ሰነ እዩ ተበይንዎ።

መጋባእያ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Image

ቻይና ብኸመይ እያ ናይ ሞት ፍርዲ እተፈጽም?

ቻይና ክንደይ ሰባት ከምእትቐትል ሓበሬታ ኣይትህብን። ተሓላቒ ሰባዊ መሰላት፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከምዝብሎ፡ ቻይና በብዓመቱ ኣሸሓት ሰባት እያ ትቐትል።

እቲ ቅትለት ድማ ብመርዚ ወይ ድማ ብጥይት ከምዝፍጸም እዩ ዝግለጽ።

ብውሕዱ ልዕሊ 10 ወጻእተኛታት ምስ ሓሽሽ ብዝተኣሳሰር ገበናት ሞት ተፈሪድዎም ተቐቲሎም እዮም፤ ብዙሓት ካልኦት ድማ ፍርዶም ክሳብ ዝፍጸም ኣብ ትጽቢት ኣለዉ።

ልዑል ኣቓልቦ ካብ ዝሰሓቡ ናይ ሞት ፍርዲ ፍጻመታት ሓደ፡ ብ 2009 ናይ ዝተቐተለ ብሪጣንያዊ ኣክመል ሼክ ጉዳይ ነይሩ። ንሱ ናይ ኣእምሮ ሕማም ኣለዎ እንተተብሃለኳ፡ ዋላ'ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ምሕረት ክግበረሉ እንተሓተተ፡ ናይ ሞት ፍርዱ ተፈጻሚ ኾይኑ እዩ።