ኣመሪካ፡ ግዝኣት ዋሽንግተን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ሰሪዛ

ግዝኣት ዋሽንግቶን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ሰሪዛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ግዝኣት ዋሽንግቶን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ሰሪዛ

እዛ ኣብ ሰሙናዊ ምዕራብ ኣመነሪካ እትርከብ ግዝኣት ዋሽንግተን፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ቤትፍርዲ ዝጸደቕ ውሳነ መበል 20 ግዝኣት ኣመሪካ ንናይ ሞት መቕጻዕቲ ዝሰረዘት ኮይና ኣላ።

በዚ ሕጂ ወጽዩ ዘሎ ሕጊ፡ 8 ሰባት ኣብ ቤትማእሰርቲ ኮይኖም ንዝቕተሉሉ መዓልቲ ዝጽበዩ ዝነበሩ እሱራት፡ ፍርዶም ንሕልፈት ክሰጋገረሎም እዩ።

እዚ ሓዲሽ ሕጊ፡ ካብ ብዙሓት ንመቕተልቲ ክቋወሙ ዝጸንሑ ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መላእ ኣመሪካ ብውሳነ ቤትፍርዲ 23 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ግዝኣት ዋሽንግቶን ግን ድሕሪ 2010 ብውሳነ ቤትፍርዲ ዝቐተለቶ እሱር የለን።

ኣብ ግዝኣት ዋሽንግግተን፡ ንጉዳይ እቲ ኣብ 1996 ብጉዳይ ዓመጽን ቕትለትን ተኸሲሱ ናይ ሞት ሪግኡ ዝጽበ ዝነበረ ኣለን ኢዩገን፡ ናይ ይግባይ ጥርዓኑ ንምስማዕ ኣብ ዝተኣከብሉ እዮም ነዚ ሕጊ ክቕይርዎ ወሲኖም።

እቲ ናይ ይግባይ ሕቶ፡ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝግበር ናይ ሞት መቕጻዕቲ፡ ካብ ኣብ ልዕሊ ጸዓዱ ዝግበር ናይ ሞት መቕጻዕቲ ብ4.5 ዕጽፊ ከም ዝዓቢ'ውን ዘጠቓልል እዩ ነይሩ።

ድሕሪ እዚ ውሳነ፡ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ዋሽንግቶን ዝኾነ ጃይ ኢንስለ " ኣብ ግዝኣት ዋሽንግተን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ካብ ዝውሰድ ነዊሕ እዩ ገይሩ፡ ሕጂ ጥቕሊሉ ምትራፉ ከኣ ጽቡቕ ነገር እዩ፡ ብቐደሙ'ውን ኣብ ማዕርነትን፡ ፍትሕን ሓደ ዓይነት ኣካይዳ ክኽተል ዘይጸንሐ ሕጊ'ዩ ነይሩ" ኢሉ።

ሓላፊት ኣምስት ኢንተርናሽነናል ኣመሪካ ዝኾነት ክሪስቲና ሮዝ ብወገና፡ "ነቶም እዚ ሕጊ ደው ንኽብል ዝቓለሱ ዝነበሩ ዘሐጉስ ዜና እዩ" ብምባል ሓጎሳ ገሊጻ።