ዓሌታት ሶማል፡ ንሰላም ብመቕጻዕቲ ሞትን ከበድ ክፍሊትን የውሕሱ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ክልተ ተነሓናሕቲ ዓሌታት ሶማል ኣብ ሐድሕዶም ንዝጸንሐ ምፍድዳይ ሕነ ንምብቃዕ ዘኽእሎም ስምምዕ ፈሪሞም።
እቶም ብዞባ ሳናግ ክሰሓሓቡ ዝጸንሑ ዓሌታት ሳዓድ ዮኒስን ባኢዶን ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰሙን ሽምግልና እዮም ኣብዚ ሓዲሽ ተረር ሕጊ ተሰማሚዖም።
ድሕሪ ሕጂ ሓደ ሕነ ክፍጽም ዝተረኸበ ገበነኛ ብሞት እዩ ዝቕጻዕ። ስድርኡ'ዉን 100,000 ዶላር መቕጻዕቲ ክኸፍሉ ክግደዱ'ዮም።
ኣብ ብርክት ዝበሉ ዓሌታት ሶማል ብምኽንያት መጋሃጫን ማይን ባእስን ግርጭትን ነይሩ'ዩ። ስለዝኸነ ኣብቲ ሕብረተሰብ ንነዊሕ እዋንን ተደጋጋምን ምፍድዳይ ሕነ ክካየድ ጸኒሑ እዩ። ኣባል ባይቶ ሶማል ኣሕመድ ባሂር መሓመድ፡ እዚ ናይ ሕጂ ቀያዲ ሕጊ ክስርሕ ተስፍኡ ገሊጹ።
እቶም ሕዚ ዝተበጽሑ ናይ ስምምዕ ሕግታት ተግባራዊ ክኾኑ'ዮም ኢሎም። "እቲ ዝተሰማማዕናሉ መቕጻዕቲ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝጸንዐን ዝተረረን እዩ።
ሕጂ ተመሳሳሊ ተግባር ዝፈጸመ ሰብ ብሞት ክቕጻዕ ኣለዎ፡ "ህይወት ብህይወት'ዩ"- ስድርኡ ድማ ኣሕሊፎም ክህቡዎ ኣለዎም" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
" እንተደኣ ሓደ ሰብ ናብቲ ብሓባር እንጥቀመሉ ዒላን መጋሃጫን ብረት ሒዙ መጺኡ ወተሃደራት ወይ ፖሊስ ብረቱ ከሕድጉዎ እዮም። ብረት ምውራድ እንተኣብዩ ግን ኣብ ርእሱ ተኲሶም ክቐትሉዎ እዮም"
ኣብ ዞባ ሶናግ ናይተን ገና ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘይረኸባ ብገዛእ ርእሰን ሪፖብሊክ ዝኣወጃ ሶማሊላንድን ፑንት ላንድን ኣብ ዝተኻየደ ዓሌታዊ ግጭት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 23 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 65 ሰባት ኣብቲ ግጭት ከም እተጎድኡ ሪፖርት ይሕብር።
ኣብዚ ዓመት ድማ ናይዚ ሕሉፍ ጎንጺ ተመሳሳሊ ምላሽ ንምሃብ 15 ሰባት ተቐቲሎም፡ ካልኦት 39 ድማ ቖሲሎም።
እቲ ሕሉፍ ምፍድዳይ ሕነ ሕጂ ብኻሕሳን ወጻኢታት ቀብሪ መዋትን ብምሽፋን ይዳቐስ ኣሎ። ሕጂ ግን እቲ ሕጊ ብሓዲሽ መቕጻዕቲ ተቐይሩ ኣሎ።
ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ሰብስልጣን ሶማሊ ላንድ ኣብ ምፍዳይ ሕነ ዝተሳተፈ ዝኾነ ሰብ ኣብ ሃርጌሳ ናብ ዘለዉ ሰብስልጣናት ክርከብ ከምዘለዎ ሓቢሮም። ካልእ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ከኣ ብማእሰርቲ ሕልፈት ክናውሑ እዮም።
ኣብ ማሕበረሰብ ሶማል፡ ሓደ ሰብ፡ ሰብ ቐቲሉ እንተደኣ ሃዲሙ ስድራቤቱ እዮም ሓላፍነት ዝሽከሙ። በዚ ምኽንያት ብዙሓት ንጹሃት ሰባት ደቂ እቲ ዓሌት ስለዝኾኑ ጥራሕ ግዳያት ፍዳ ሕነ ክኾኑ ጸኒሖም እዮም።
ስለዝኾነ ብዙሓት ሶማላውያን፡ እዚ ብሞት ዝቐጽዕ ሓዲሽ ሕጊ ኣብቲ ዞባ ብዝርከቡ ካልኦት ዓሌታት ሶማል እንተደጊፎሞ ንዑደት ምፍድዳይ ሕነ ክገትእ ልዑል ተስፋ ኣለዎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







