ኣብ ምውዳኣ ግዝኣት ትራምፕ ዝተኻይደ ፈለማይ መቕጻዕቲ-ሞት

ብራንዶን በርናርድ

ምንጪ ስእሊ, COURTESY BERNARD DEFENSE TEAM

ወዲ 40 ዓመት ብራንዶን በርናርድ፡ ወዲ 18 ዓመት እንከሎ ብቕትለት ገበነኛ ኮይኑ፡ ንሞት ዝተፈረደ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ 70 ዓመት ታሪኽ መንግስቲ ፌደራል እቲ ዝነኣሸ ብቕትለት ዝተፈርደ ሰብ ኮይኑ ኣሎ።

ንሱ፡ ተመሳሳሊ ፍርዲ ካብ ዝተዋህቦም ሓሙሽተ ሰባት ሓደ ኮይኑ፡ ናይ ኩሎም እንተድኣ ተፈጺሙ ፕሬዝደንት ትራምፕ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዘመን ኣብ ኣመሪካ እቲ ዝለዓለ መቕጻዕቲ ሞት ዝፈረደ ፕረዚደንት ክኸውን እዩ።

መቕጻዕቲ ሞት ብራንዶን፡ ካብ ሓምለ ጀሚሩ ዝተፈጸመ ተመሳሳሊ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ናብ 13 ሓፍ ከብሎ’ዩ።

ብራንዶን ናይ መወዳእታ ቃሉ ንስድራ እቶም ዝቐተሎም መጻምዲ ከም ዝተዛረቦም ኣሶሽየትድ ፕረስ ጸብጺቡ።

“ይቕሬታ። እዛ ቃል፡ ንኹሉ ሕጂ ብዛዕባ ዘለኒ ስምዒትን ኣብታ ሽዓ መዓልቲ ዝነበረንን (ቅትለት ዝተፈጸመሉ) እትኣስር እያ” ኢሉ።

መቕጻዕቲ ቅትለት በርናርድ ትማሊ ሰዓት 10፡00 ናይ ምሸት ኣብ ኢንዲያና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ መርፍእ ተወጊኡ እዩ ተቐቲሉ።

ንሱ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ 1999 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ቶድን ስታሲ ባግሌይን ዝተባህሉ ሰባት ኣብ ዝተፈጸመ ቕትለት ኢድ ነይሩዎ ብዝብል’ዩ ገበነኛ ተባሂሉ።

ንሱ ሓደ ካብቶም ኣብ ቴክሳስ ነዞም መጻምዲ ኣሲሮም ኣገዲዶም ናብ ድሕሪት መኪና ክኣትው ብምግባር፡ ካልእ ክሪስቶፈር ቪያልቫ ዝተባህለ ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ ክትኩሰሎም ብምግባር፡ ድሕሪኡ በርናርድ ነታ መኪና ሓዊ ወሊዑላ ብዝብል’ዮም ዝኽሰሱ’ዩ።

ጠበቓታት፡ እቶም መጻምዲ እታ መኪና ቅድሚ ብሓዊ ምቅጻላ’ያ ሞይቶም ብምባል ይካትዑ።

ካልእ ውልቃዊ ኣጻረዪ እዚ ጉዳይ ድማ፡ ስታሲ ቅድሚ እቲ ሓዊ “ብመድሃኒት’ያ ሞይታ” ይብል።

እንተኾነ መንግስቲ ኣብ ዘቕርቦ ምስክርነት፡ ቶድ ባግሌይ ሽዑ ንሽዑ’ኳ እንተሞተ፡ ስታሲ ግን ብጥይት ተሃሪማ’ኳ እንተነበረት በቲ ማህረምቲ ዘይኮነ ብጡሽ ተዓፊና’ያ ሞይታ ዝብል’ዩ።

ጠበቓታት በርናርድ ድማ፡ ካብቲ ኣብ መስከረም ብቤት ፍርዲ ተበይንዎ ዝተቐተለ፡ ቪያልቫ ዝተዋህቦ ትእዛዝ ንዘይምቕባል ስለ ዝሰግአ ዝፈጸሞ’ዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ፡ ነዊሕ እዋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሕልፍ እንከሎ ጽቡቕ ስነ ምግባር ከም ዝነበሮን ካልኦት ኣብ ገበን ንከይኣትው ትምህርቲ ብምሃብ ከም ዘሕለፎን ብምግላጽ ንሕልፈት ክእሰር ሓቲቶም ነይሮም።

ካልኦት ኣብዚ ጉዳይ ኢድ ነይሩዎም ዝተባህሉ፡ ትሕቲ 15 ዓመት ስለ ዝኾኑ ንሕልፈት ተፈሪዶም ኣለው።

ሓመሽተ ካብቶም ትሸዓተ ዳያኑ ከኣ፡ ፕሬዝደንት ትራምፕ ውሳነ ፍርዲ ቅትለት በርናርድ ክልወጥ ሓቲቶም ነይሮም።

ካልኦት ሴናተራት ሪቻርድ ዱርቢንን ኮሪ ብሮከርን ዝርከቡዎም ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት’ውን ምሕረት ክግበረሉ ሓቲቶም’ዮም።