ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 184 ሰባት ብሞት ቀጺዓ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency
መቕጻዕቲ ሞት ብደረጃ ዓለም ይንክይ እኳ እንተሃለወ፡ ስዑዲ ዓረብ ግን ኣብ 2019 ጥራይ 184 ሰባት ብሞት ከምዝቐጽዐትን እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር እቲ ዝበዝሐ ከምዝኾነን ንመሰል ሰባት ዝሕለቕ ዓለማዊ ትካል ኣምነስቲ ገሊጹ።
ኣብ ዒራቕ ድማ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 100 ሰባት ብሞት ዝተቐጽዑ ኮይኖም፡ ብፍርቂ እዩ ወሲኹ። ብዙሓት ሰባት ብሞት ብምቕጻዕ ግን ቻይና መወዳድርቲ የብላን ይብል ኣምነስቲ።
ቻይና ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት እያ ብሞት ቀጺዓ ዝብል እምነት እኳ እንተሎ፡ ብሚስጥር ዝተትሓዘ ብምዃኑ ኣምነስቲ ብዝሒ ኣብ ቻይና ብሞት ዝተቐጽዑ ሰባት ኣይጠቐሰን።
ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝተሰርዐት ኢራን፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 251 ሰባት እያ ብሞት ቀጺዓ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብደረጃ ዓለም 657 ሰባት ብሞት ዝተቐጽዑ ኮይኖም፡ ምስ ናይ 2018 ክነጻጸር እንከሎ ብ 5 ምኢታዊት ነክዩ እዩ።
ኢራን፣ ሰሜን ኮርያን ቬትናምን እውን፡ ሓበሬታ ስለዘይህባ ነቲ ሓፈሻዊ ብዝሒ ይሓብአኦ እየን ኢሉ እቲ ትካል።
"መቕጻዕቲ ሞት ዘጸይፍን ዘይሰብኣውን ዓይነት መቅጻዕቲ እዩ። ካብ ማእርቲ ንላዕሊ ገበን ንምክልኻል ከምዘኽእል ዘርእይ ዝኾነ መረዳእታ'ውን የለን። ነዚ ሓቂ ኸኣ ብዙሓት ሃገራት ይግንዘበኦ እየን ዘለዋ። ብደረጃ ዓለም ብዝሒ ብሞት ዝቕጽዑ ሰባት ነክዩ ምርኣይ ዘተባብዕ እዩ" ኢላ ላዕለወይቲ ዳይረክተር፡ መጽናዕትታት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ክሌር ኣልጋር።
ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብዝሒ ብሞት ዝቕጽዑ ሰባት እናወሰኸ ምምጽኡ ድማ "ዘሰክፍ እዩ" ኢላ።
ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 178 ደቂተባዕትዮን ሽድሽተ ደቂ ኣንስትዮን ዝቐጽዐት ኮይና፡ ካብኣቶም እቶም ፍርቂ ወጻእተኛታት እዮም።
መብዛሕተኦም ካብቶም ብሞት ዝተቐጽዑ፡ ምስ ሓሽሽን ቅትለትን ብዝተሓሓዝ ገበን ዝተኣሩ እዮም። እንተኾነ፡ ኣንጻር ተቓወምቲ ሺዓ ከም መሳርሒ ትጥቀመሉ ከምዘላ'ውን ኣምነስቲ ገሊጹ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ድማ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 11 ሰባት ብሞት ከምዝተቐጽዑን፡ እዚ ድማ እታ ሃገር ኣብ 2011 ናጽነታ ካብ እትረክብ ንነዘ እቲ ዝዓበየ ቁጽሪ ምዃኑ ሓቢሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







