ስዑዲ ዓረብ ሓድሽ ቪዛ ብምትእትታው ኣፍደገታታ ንበጻሕቲ ሃገር ተርሕው ኣላ

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ፊት ኣብ ከተማ ማዳይን ሳልሕ ዝርከብ ዓለማዊ ቅርሲ ዩኔስኮ ዝኾነ፡ መቓብር ቃስር ኣል-ፋሪድ ስዑዲ ዓረብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ ማዳይን ሳልሕ ዝርከብ ዓለማዊ ቅርሲ ዩኔስኮ ዝኾነ፡ መቓብር ቃስር ኣል-ፋሪድ

ስዑዲ ዓረብ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ነዳዲ ጽግዕተኛ ካብ ዝኾነ ቁጠባ ንምግልጋል ትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፡ ንፈለማ እዋን፡ ኣፍደገታታ ንበጻሕቲ ሃገር ክተርሕው እያ።

እታ ሃገር፡ ካብ ዓርቢ ጀሚራ ን49 ሃገራት ናይ በጻሕቲ ቪዛ ክትህብ ከም እትጅመርን ንኣለባብሳ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ሕጊ ክተፍኩሶ ምዃናን ተገሊጹ።

ሚኒስተር ቱሪዝም ኣሕመድ ኣል-ኻቲብ ነቲ ፍጻመ ታሪኻዊ ክብል ገሊጽዎ።

ክሳብ ሕጂ እታ ሃገር ቪዛ፡ ንሃይማኖታዊ ነጋድያን፡ ሰብ ዋኒንን፡ ኣብታ ሃገር ክሰርሑ ንዝተፈቕደሎምን ጥራሕ እያ ክትህብ ጸኒሓ።

ስዑዲ ዓረብ ኣብ 2030፡ ካብ በጻሕቲ ሃገር ዝርከብ እቶት፡ ካብ 3% ናብ 10% ናይ ሓፈሻዊ ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ክብ ከተብሎ እያ እትደልይ።

"በጻሕቲ በቲ ዘሎና ሃብቲ ክግረሙ እዮም - ሓሙሽተ ዓለማዊ ቅርስታት ዩኔስኮ፡ ድሙቕ ባህልን መሳጢ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐን" ኢሉ ሚስተር ኣል-ኻቲብ።

ወጻእተኛታት፡ ነቲ ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር ክለብስኦ ዝግደዳ መላእ ኣካላትካ ዝሽፍን፡ ዓባያ ክለብሳ ኣይክግደዳን እየን፤ ደሓን ዝኾነ ኣለባብሳ ክህልወን ግና ክሕተታ እየን። ደቂ ኣንስትዮ ንበይነን ናብታ ሃገር ክገሻ ምስ ዝደልያ'ውን ክፍቀደለን እዩ።

"ባህሊ ኣሎና፤ መሓዙትናን ኣጋይሽናን ንባህልና ከም ዘኽብሩ ንኣምን" ኢሉ ሚስተር ኣል-ኻቲብ።

ተኸተልቲ እምነት ምስልምና ዘይኮኑ ሰባት፡ ንቅዱሳት ከተማታት ሜካን መዲናን ክበጽሑ ኣይክፍቀደሎምን እዩ። ኣልኮላዊ መስተ'ውን ክልኩል ኮይኑ ክቕጽል እዩ።

ዝርዝር ናይ'ተን እቲ ቪዛ ዝፍቀደለን ሃገራት ዓርቢ ክግለጽ እዩ።