ኣብ ኢራንን ስዑድ ዓረብን ቍጽሪ ብሞት ዝቕጽዑ ሰባት ወሲኹ- ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል

ምንጪ ስእሊ, SOPA Images
ኣብ 2021 ክልከላታት ኮቪድ-19 ምምሕያሾም ስዒቡ፡ ኣብ ሃገራት ዒራቕን ስዑድ ዓረብን ቍጽሪ ብሞት ዝቕጽዑ ሰባት ብዘሰምብድ ከም ዝወሰኸ ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊጹ።
ጸብጻብ እቲ ተሓላቒ መሰላት ከምዝሕብሮ ኣብ 18 ሃገራት ብሓፈሻ 579 ሰባት ብሞት ዝተቐጽዑ ኰይኖም፡ እቲ ኣሃዝ ካብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝነበሮ ብ 20 ሚእታዊት ዝወሰኸ እዩ።
ኢራን ድማ ዝለዓለ ወሰኽ ዝተርኣየላ እያ፤ 314 ሰባት ንሕልፈት ዝፈረደት ኰይና፡ ኣብ 2020 ግን 246 ሰባት እዮም ነይሮም።
ስዑድ ዓረብ ብወገና ን65 ሰባት ንሕልፈት ክትፈርድ እንከላ፡ እቲ ቍጽሪ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብዕጽፊ ወሲኹ።
እንተኾነ እቲ ብደረጃ ዓለም ዝተመዝገበ ቍጽሪ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምምዝጋብ ካብ ዝጀመረሉ 2010 ኣብቶም ዝወሓዱ ዝምደብ እዩ።
ከምቶም ኣቕዲሞም ዝነበሩ ጸብጻባት፡ እቲ ናይ ሎሚ ዓመት'ውን ንቻይና ዝሓውስ ኣይኮነን። እታ ሃገር በብዓመቱ ብኣሻሓት ዝቝጸሩ ሰባት ብሞት ከምእትቐጽዕ ዝፍለጥ'ኳ እንተኾነ፡ ቅጽዓት ሞት ከም ሃገራዊ ምስጢር እያ ትቘጽሮ።
ኣብተን ብተመሳሳሊ መቕጻዕቲ ሞት ብምስጢር ዝሕዛ ሃገራት ሰሜን ኮርያን ቬትናምን ዝተፈጸመ እውን ከረጋግጾ ከምዘይከኣለ እዩ ኣምነስቲ ኣብ ጽብጻቡ ጠቒሱ ዘሎ።
እቲ ተሓላቒ መሰላት ነቲ ካብ 2017 ክሳብ 2021 ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝወሰኸ መቕጻዕቲ ሕልፈት፡ ኣብ ኢራን ምስ ዘይሕጋዊ ተጠቃምነት ሓሽሽ ዝተታሓሓዘ ከምዝኾነ ገሊጹ።
ኣምነስቲ፡ ኮነ ኢልካ ምስ ዝፍጽም ገበናት ዝተሓሓዝ እንተዘይኮይኑ፡ ካብኡ ወጻኢ ዝወሃብ ናይ ሞት ፍርዲ "ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕጊ" ከምዝኾነ እዩ ዝሕብር።
ኣብ ስዑድ ዓረብ ተመሳሳሊ ቅጽዓት፡ ኣብ 2021 ብ 140 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ዝገልጽ እቲ ተሓላቒ መሰላት፡ ነቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2022 ኣብ ሓደ መዓልቲ 81 ሰባት ብሞት ዝተቐጽዕሉ ዘሕዝን ክስተት መበገሲ ኮይኑ እዩ ኢሉ።
ብዝሒ ንሕልፈት ዝፍረዱ ሰባት ኣብ ሃገራት ሶማልያ (ኣብ 2011 ካብ ዝነበሮ 11 ናብ 21)፣ ደቡብ ሱዳን (ካብ 2 ናብ 9)፣ ኣብ የመን (ካብ 5 ናብ 14) ወሲኾም እዮም።
ብተወሳኺ፡ ምፍኳስ ክልከላታት ኮቪድ ዳያኑ 56 ሃገራት ኣብ 2052 ሰባት መቕጻዕቲ ሞት ክፈርዱ ከምዝገበሮም ዝሓበረ ኰይኑ ካብቲ ኣብ 2020 ዝነበሮ ብ 40 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ተገሊጹ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







