ወዶም ብተኣምር ካብ መቕጻዕቲ ሞት ክተርፍ ዝጽልዩ ዘለዉ ስድራ

ናጌይንትራን

ምንጪ ስእሊ, SARMILA DHARMALINGAM

ሳርሚላ ዳርማሊንጋም ዝኾነ ተኣምር ክፍጠር እያ ጸሎት ትገብር ዘላ፤ ምኽንያቱ ሓዋ ናጌይንትራን ዳርማሊንጋም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሲንጋፑር ቻንጊ ብስቕለት ክቕጻዕ ተፈሪድዎ ኣሎ፡፡

‘‘በይነይ ኮይነ ብዛዕባ ሓወይ ክሓስብ ከለኹ ቃንዛ ይስመዐኒ፤ ኮይኑ ግና ጸሎትና ኣበርቲዕና ክንቅጽለሉ ይግባእ፤ ዝኾነ ነገር ክፍጠር ይኽእል እዩ’’ ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ፡፡

ናጌይንትራን ኣብ 2009 ወዲ 21 ዓመት እናሃለወ፡ ካብ ማሌዥያ ናብ ሲንጋፑር፡ ሄሮይን ዝተባህለ መዐወኒ እጽ ብዘይሕጋዊ መገዲ ከሰጋግር ተረኺቡ፡፡

ንዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ጸንሐ ድማ ረቡዕ ንጉሆ ክስቀል ተዳልዩ ነይሩ፡፡ እንተኾነ ሰሉስ ንጉሆ ኮቪድ-19 ስለ ዝተረኸቦ እቲ ፍርዲ ዝፍጸመሉ መዓልቲ ተናዊሑ ኣሎ፡፡

ዋላ'ኳ እቲ ማሌዥያዊ ናይ ኣእምሮኣዊ ብልሒ ጸገም ከ ምዘለዎ ዘመላኽትን ናይ 'ኣይኪው' መጠኑ 69 ከም ዝኾነን ካብ ሓኪም መረዳእታ እንተተውሃቦ ካብ ፍርዲ ሞት ከድሕኖ ኣይከኣለን፡፡

መንግስቲ ሲንጋፑር ብወገኑ እቲ ተኸሳሲ ጸገም ኣእምሮኣዊ ብልሒ ከም ዘለዎ ብምግላጽ እንተኾነ ልክዕን ጌጋን ክፈሊ ዝኽእል እዩ ዝብል መከራኸሪ እዩ ዘቕርብ፡፡

ኣብ ኣጠቓቕማ ዕጸ ፋርስ ጥቡቕ ዝበሃል ሕጊ ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ሲንጋፑር፡ ናይ ሞት መቕጻዕቲ እንትፍረድ ብዙሕ ኣዘራራቢ ኣይኸውንን፡፡ ናይዚ ተኸሳሲ ጉዳይ ግን ቀንዲ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ህዝባዊ ቁ

ኣእምሮኣዊ ጸገም ዘለዎም ሰባት ብሞት ምቕጻዕ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰል ቅቡል ኣይኮነን ዝብሉ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት፡ፕሬዚደንት ሲንጋፑር ንናጌንትራን ምሕረት ክገብረሉ ዝጽውዕ ፊርማ ኣተኣኻኺቦም ኣለዉ፡፡

‘‘ንሱ ይኹን ስድርኡ ከምዚ ዓይነት ስቓይ ኣይግብኦምን፤ በይዛኹም መሓርዎ’’ ኢሉ ሓደ ካብቶም ዝፈረሙ ሰባት፡፡

እቲ ምንቅስቓስ ቀልቢ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ዝሰሐበ እንተኾን፡ ዘይተለመደ ዓይነት ቁጠዐን ሓዘኔታን ፈጢሩ እዩ፡፡

ሳርሚላ እቲ ወዲ 33 ዓመት ሓዋ ዘለዎ ኩነታት ማዕረ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ዝተረደኦ ኣይመስለንን እያ ትብል፡፡

"ሓሓሊፉ ስልኪ ደዊሉ ከሰቕልዎ ከም ዝኾኑን ምድላው ክገብር ከም ዘለዎን ይነግረኒ’’ ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ፡፡

‘‘ገለ እዋን ድማ ናብ ገዛ መጺኡ ኣብ ገዛ ዝተሰረሐ ምግቢ ክበልዕ ከም ዝደሊ ይነግረኒ፡፡ (እቲ ዝኸውን) ተረዲእዎ ድዩ ኣይተረደኦን ኣይፈልጥን፡፡’’

ኣብ ማሊዥያ ተቓውሞታት ተኻይዶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ማሊዥያ ተቓውሞታት ተኻይዶም

እቲ ፍርዲ ስቅላት እንድሕር ተፈጺሙ፡ ኣብ ሲንጋፖር ካብ 2019 ንዳሓር ዝተፈጸመ ፈላማይ ፍርዲ ክኸውን እዩ፡፡

ሙግት ዘልዓለ ጉዳይ ኣእምሮኣዊ ብልሒ

ናጌይንትራን ኣብ 2009 ኣብ ጸጋማይ ሰለፉ 43 ግራም ዝምዘን ሄሮይን ኣሲሩ ካብ ማሌዥያ ናብ ሲንጋፑር ክኣቱ ተታሒዙ፡፡

ሕጊ ሲንጋፑር ድማ ካብ 15 ግራም ንላዕሊ ሒዞም ክኣትዉ ዝተረኸቡ ሰባት ብሞት ክቕጽዑ ይእዝዝ፡፡

ኣብ መጋባእያ ፈለማ ተገዲዱ ነቲ እጽ ከሰጋግር ከም ዝፈተነ ተዛሪቡ ነይሩ፤ ጸኒሑ ግና ገንዘብ ስለ ዘድልዮ ነቲ ገበን ከም ዝፈጸመ ተኣሚኑ፡፡

ብመሰረት እምነቱ ድማ ቤት ፍርዲ ብስቅላት ክቕጻዕ ፈሪዱሉ፡፡

ኣብ 2015 ብምኽንያት ዘለዎ ውሱንነት ብልሒ ኣእምሮ እቲ ፍርዲ ናብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክቕየረሉ ሓቲቱ ነይሩ፡፡

ንናይ ናጌንትራን ኣእምሮኣዊ ጸገማት ክፍትሹ ሓላፍነት ካብ ዝተዋህቦም ዶኳትር እቶም ዝበዝሑ ጸገም ከም ዘይብሉ ብምግላጾም ሕቶኡ ተነጺጉ፡፡

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝርከቦም ትካላት ሰብኣዊ መሰል ድማ እቲ ፍርዲ ጭካነ ዝተመልኦ ክብሉ ተቓዊሞምዎ፡፡

‘‘. . . ሙሉእ መዓልቲ በኽየ . . .’’

እቲ ጉዳይ ኣብ ትውልዲ ዓዲ እቲ ተኸሳሲ ዝኾነት ማሌዥያ ሓያል ቁጠዐ ዘልዓለ ኮይኑ እቲ ፍርዲ ከይፍጸም ዝጽውዑ ሰልፊታት ክካየዱ ቐኒዮም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ማሌዥያ ኢስማዒል ሳብሪ ያቆብ እውን ንሲንጋፑራዊ መዝንኡ ብዉልቅኡ ከም ዝተማሕጸኖ ገሊጹ፡፡

ንኣስታት 10 ዓመታት ኣብ ናይ ሞት ተርታ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ሲንጋፖር ስቅላት ናጌንትራን ን10 ሕዳር ከም ዝተቖረጸ ዝገልጽ ደብዳበ ከም ዝበጸሓ ሳርሚላ ትዛረብ፡፡

‘‘ክቕበሎ ኣይኣልኩን. . . ይበኪ ነይረ፤ ሙሉእ መዓልቲ በኽየ፡፡ ኣደይ እውን ጸገም ጥዕና ስለ ዘለዋ ክዛረባ ፈሪሐ፡፡ ዓይና ክርእያ ኣይከኣልኩን"።

እቲ ቤተሰብ ናብ ሲንጋፑር ንምጉዓዝ ዘድሊ ምድላው ንምስላጥ፣ ምርመራ ኮቪድ ንምግባርን ዘዕርፉሉ ሆቴል ንምርካብን ክልተ ሰሙን ጥራሕ እዩ ተዋሂብዎም፡፡

መፈጸሚ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሓዊሱ እዚ ኩሉ ወጻኢታት ዝሽፍንዎ እቶም ስደራ ምዃኖም ድማ ዝገደደ ከቢድ ይገበሮ፡፡

እዚ ኩሉ ወጻኢታት ብሓደ ተራ ማሌዥያዊ ቤተሰብ ክሽፈን ዘይሕሰብ እዩ፡፡ ነዚ ጸገም ዝተረድኡ ጎስጎስቲ ገንዘብ ብምትእኽኻብ ኣስታት 17 ሽሕ ዶላር ነቲ ቤተሰብ ለጊሶም፡፡

እቲ ሓገዝ እንተዘይርከብ ኣብዚ እዋን ስድራና ኣብ ሲንጋፑር ኣይምተረኸቡን ትብል ሳርሚላ፡፡

እቶም ስድራ ቤት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እዮም ናብ ሲንጋፑር ኣትዮም፡፡ ሳርሚላ ግና ኣብ ዓዲ ዘለዎም ጉዳያት ንምውጋን ሓቢራቶም ኣይተጉዓዘትን፡፡

ቅድሚ እቲ ዝተተለመሉ መዓልቲ ስቅላት ንሓዋ ክትርእዮ ዘይከኣለት ክንሳ፡ መዓልታዊ ትጽሊ እያ ዘላ።