ኣመሪካ፡ መራሒ ጉጅለ ኣምልኾ ጾታዊ ርክብ፡ 120 ዓመት ከእስር ተፈሪዱ

ኪት ራንየር ትማሊ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ማእሰርቲ 120 ዓመት ተፈሪዱዎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኪት ራንየር ትማሊ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ማእሰርቲ 120 ዓመት ተፈሪዱዎ

ንደቂ ኣንስትዮ ንባርነት ጾታዊ ርክባት ዝምልምል ኣመሪካዊ፡ 120 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱዎ።

መስራቲ ናክሲም ኪት ራኒየር ብዝሓለፈ ዓመት ብዘይሕጋውነት፣ ብንግዲ ጾታዊ ርክብ፣ ምስሊ ጾታዊ ርክብ እናረአየ ህጻናት ብምትላልን ካልኦት ገበናትን ገበነኛ ተባሂሉ'ዩ።

ከም መራሒ እዚ ጉጅለ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንንግዲ ጾታዊ ርክባት ይምልምልን ምስኡ ጾታዊ ርክብ ክገብራ ከገድደንን ጸኒሑ እዩ።

ዓቀብቲ ሕጊ፡ እዚ ወዲ 60 ዓመት ገበነኛ ነቲ ኣብ ልዕሊ ግዳያት ዝበጽሐ "ሚዛን ዘይርከቦ ጉድኣት" ንምኽፋል ዝተረፈ ዕድሚኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሕልፍ ኣለዎ ኢሎም።

ብተወሳኺ ኣብቲ ትማሊ ኣብ ብሮክሊን ዝነበረ መጋብኣያ፡ እቲ ተኸሳሲ 1.75 ሚሊዮን ዶላር ክቕጻዕ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።

ራይነር ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ንዝቐረበሉ ክሲታት ኣይተኻትዐን። ካልኦት ኣባላት እቲ ጉጅለ ግን ይግብኣኒ ስለ ዝሓተቱ፡ ንሱ ጥራሕ ፍርዲ ተዋሂቡዎ ኣሎ።

ጠበቓታቱ ዝፈጸሞ ገበን የለን ኢሎም ክካትዑ ከለው፡ "ብሚዲያ ብዝተገብረ ጎስጓስ ሰባት ናይ ሓሶት ምስክርነት ክህቡ ተገይሩ እዩ" ኢሎም ይነቕፉ።

ኒውዮርክ ታይምስ ብ2017 ኣብ ልዕሊ ናክሲም ድሕሪ ዘካየዶ መርመራ፡ ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ምጽራይ ጀሚሮም።

እዚ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ብ1998 ዝተጣየሰ ትካል፡ ንርእሱ "ሰባት ንምብቃዕ ብመትከላት ሰብኣውነት ዝምራሕ ማሕበረሰብ" ኢሎም እዮም ዝገልጹዎ።

ኪት ራይነር

ምንጪ ስእሊ, Keith Raniere Conversations/YouTube

መግለጺ ስእሊ, ራይነር

ብተወሳኺ፡ እቲ ትካል "ዝሓሸት ዓለም ንምህናጽ'ዩ ዝሰርሕ" ይብል።

በዚ መሰረት ኣብ መላእ ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ ሜክሲኮን ማእከላይ ኣመሪካን ምስ ልዕሊ 16 ሽሕ ውልቀሰባት ከም ዝሰርሐ ይሕብር።

እንተኾነ ራንየር፡ ንገለ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት እቲ ጉጅለ ብጊልያነትን ስርዓት ጎይትነትን ዓጊቱ ከም ዝሓዘን እዩ ዝእመን።

ገሊአን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከባቢ ማህጸነን ብሽሙ ተወቂጠን ኣብ ዝተፈላለዩ ምድላት ክቐርባ፣ ዓመታዊ ካልኦት ኣባላት እንትርከቡን ናይ ልደት መዓልቲ እንትኽበርን ዕርቃነን ክቐርባ ከም ዝገብር እዩ ዝፍለጥ።

ሓንቲ ኣባል እቲ ጉጅለ ዝነበረት፡ 18 ዓመት ከይመልኣ ከሎ ራኒየር ክብረ ንጽህንኣ ንክወስድ ንሳምንታት "ተሓጺና" ምጽንሓ መስኪራ።

ዳኒኤላ ብዝብል ሽም እትፍለጥ ኮይና፡ ንሳን ኣሕዋታን ካብኡ ጠኒሰን ብዘይፍታወን ክንጽልኦ ከም ዝተገደዳን፤ ንሳን ትሕቲ ዕድመ ዝኾነት ሓንቲ ሓፍታን ድማ ብዙሕ ግዜ ምስኡ ጾታዊ ርክብ ክፍጽማ ይግደዳ ምንባረን ንቤት ፍርዲ ተዛሪባ።

እዚ ናይ ኣምልኾ ኣባልነት፡ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ሆሊውድ፣ ወረስቲ ከምኡ'ውን ወዱ ንፕሬዝደንት ሜክሲኮ ነበር ዝርከብሉ ኮይኑ ገሊኦም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኣብ ልዕሊኡ መስኪሮም እዮም።

ራኒየር፡ ብ2018 ኣባላት ኤፍቢኣይ'ዮም ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ቀይዲ ኣውዒሎምዎ።