ንሓደ 32 ጾታዊ ዓመጽ ዝፈጸመ ደቡብ ኣፍሪቃዊ፡ 32 ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ፈሪድዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓደ ቤት ፍርዲ፡ ንሓደ 32 ጾታዊ ዓመጻት ዝፈጸመ ገበነኛ፡ 32 ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ፈሪድዎ።
ሞሰስ ማቪላ፡ ነቲ ዓመጽ ካብ 2016 ክሳብ 2019 ኣብ ዝነበረ እዋን'ዩ ፈጺምዎ።
እቲ ቤት ፍርዲ ከምዝበሎ፡ እዚ ውልቀሰብ ስራሕ ንዝሰኣና ደቂ ኣንስትዮ፡ 'ስራሕ ከቑጽረክን እየ' እናበለ እዩ ኣታሊሉ ዓሚጹዎን።
እቲ ዝተውሃበ ፍርዲ፡ ነቲ ናይቲ ከበቢ ህዝቢ ደስታ ፈጢሩ እዩ ድማ ተባሂሉ።
"ንስኻ ምሕረት ክትህብ ዘይትኽእል ሰብ ሰለዘይኾንካ፡ ሕዚ ካብዚ ቤት ፍርዲ ክትረኽቦ ኢኻ" ኢሉዎ እቲ ዝፈረዶ ዳኛ ኣብ መጋባእያ።
እዚ ውልቀ ሰብ ንዝፈጸሞ ጾታዊ ዓመጻት ብተወሳኺ፡ ቅድም ክብል ብስርቂ ምኽንያት 15 ዓመታት፡ ብፈተነ ጾታዊ ዓመጽ ድማ 10 ዓመታት ተሲሩ ነይሩ እዩ።
ሓደ ጋዜጠኛ እቲ ከባቢ ስመን ክርቋሕ ፈቓደኛታት ዝዀና ግዳያት ድሕሪ እቲ ፍርዲ ሓጎሰን ክገልጻ ብምስሊ ቐሪጹ ኣብ ትዊተሩ ዘርጊሑ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







