ንሓደ 32 ጾታዊ ዓመጽ ዝፈጸመ ደቡብ ኣፍሪቃዊ፡ 32 ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ፈሪድዎ።

ድካታት ዝቕመጡ ቦታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓደ ቤት ፍርዲ፡ ንሓደ 32 ጾታዊ ዓመጻት ዝፈጸመ ገበነኛ፡ 32 ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ፈሪድዎ።

ሞሰስ ማቪላ፡ ነቲ ዓመጽ ካብ 2016 ክሳብ 2019 ኣብ ዝነበረ እዋን'ዩ ፈጺምዎ።

እቲ ቤት ፍርዲ ከምዝበሎ፡ እዚ ውልቀሰብ ስራሕ ንዝሰኣና ደቂ ኣንስትዮ፡ 'ስራሕ ከቑጽረክን እየ' እናበለ እዩ ኣታሊሉ ዓሚጹዎን።

እቲ ዝተውሃበ ፍርዲ፡ ነቲ ናይቲ ከበቢ ህዝቢ ደስታ ፈጢሩ እዩ ድማ ተባሂሉ።

"ንስኻ ምሕረት ክትህብ ዘይትኽእል ሰብ ሰለዘይኾንካ፡ ሕዚ ካብዚ ቤት ፍርዲ ክትረኽቦ ኢኻ" ኢሉዎ እቲ ዝፈረዶ ዳኛ ኣብ መጋባእያ።

እዚ ውልቀ ሰብ ንዝፈጸሞ ጾታዊ ዓመጻት ብተወሳኺ፡ ቅድም ክብል ብስርቂ ምኽንያት 15 ዓመታት፡ ብፈተነ ጾታዊ ዓመጽ ድማ 10 ዓመታት ተሲሩ ነይሩ እዩ።

ሓደ ጋዜጠኛ እቲ ከባቢ ስመን ክርቋሕ ፈቓደኛታት ዝዀና ግዳያት ድሕሪ እቲ ፍርዲ ሓጎሰን ክገልጻ ብምስሊ ቐሪጹ ኣብ ትዊተሩ ዘርጊሑ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

መግለጺ ቪድዮ, ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓድሽ መበቆል ወድሰብ