ሽወደን፡ ንምርመራ ጾታዊ ዓመጽ ጁልያን ኣሳንጅ ኣቋሪጻቶ

ጁልያን ኣሳንጅ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጁልያን ኣሳንጅ

ኣኽበርቲ ሕጊ ሽወደን፡ ኣብ ልዕሊ ካብ መስረትቲ ዊክሊክስ ሓደ ዝኾነ ጁልያን ኣሳንጅ ክካየድ ዝጸንሐ ምርመራ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝቋረጽ ገይሮም።

ነቲ ክሲ ዘይተቐበሎ ኣሳንጅ፡ ናብ ሽወደን ከይመሓላለፍ ብምስጋእ፡ ካብ 2012 ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢኳዶር ጀሚሩ ንሸውዓተ ዓመታት ተዓቚቡ ጸኒሑ።

እቲ ወዲ 48 ዓመት ኣውስትራልያዊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ካብቲ ኤምባሲ ክወጽእ ዝተገብረ ኮይኑ፡ ምስ ዋሕስ ተኣሳሲሩ ንዝፈጸሞ ጥሕሰት ሕጊ፡ ማእሰርቲ 50 ሰሙናት ተፈሪዱዎ ኣብ ማእሰርቲ ቤልማርሽ ለንደን ይርከብ።

ምክትል ዳይረክተር ኣኽበርቲ ሕጊ ኢቫ ሜሪ ፐርሰን፡ እቲ ምርመራ ክቋረጽ ከምዝኣዘዘት በዓል ስልጣን ኣኽበርቲ ሕጊ ሽወደን ሓቢሩ።

ምኽንያት ምቁራጽ እቲ ምርመራ ድማ እቶም ሓበሬታታት ብንውሓት ግዜ እናተዳኸሙ ብምምጸኦም ምዃኑ ተገሊጹ።