መስራቲ ዊክሊክስ ጁልያን ኣሳንጅ ኣብ ለንደን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ

ጁሊያን ኣሳንጅ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጁሊያን ኣሳንጅ

መስራቲ ዊክሊክስ ጁልያን ኣሳንጅ፡ ለንደን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢኳዶር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ጁልያን ኣሳንጅ ብጾታዊ ጥቕዓት ንዝኸሰሰቶ ሲዊዲን ኢዱ ንዘይምሃብ፡ ኣብቲ ኤምባሲ ንሸውዓተ ዓመታት ተዓቚቡ ጸኒሑ እዩ።

ፖሊስ ከምዝገለጾ፡ ኣሳንጅ ናብ ቤት ፍርዲ ንምቕራብ ፍቓደኛ ብዘይምዃኑን፡ ኣመሪካ ተሓላሊፉ ክወሃባ ስለዝሓተተትን እዩ፡ ኣብ ቁጽጽር ውዒሉ ዘሎ።

ፐረዚደንት ኢኳዶር፡ ሃገሩ ድሕሪ ተደጋጋሚ ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕግታት ነቲ ሂባቶ ዝጸንሐት ዕቑባ ከምዘልዓለቶ ዝገለጸ እንትኾን፤ ዊክሊክስ ብወገኑ ኢኳዶር ዓለምለኻዊ ሕጊ ብምጥሓስ ኣሕሊፋ ከምዝሃበቶ ገሊጹ።

ዜግነት ኣውስትራሊያ ዘለዎ ጁሊያን ኣሳንጅ፡ ሚስጢራዊ ሰነዳትን ምስልታትን ንምቅላዕ ብዝብል ዕላማ ኣብ 2006፡ ንዊክሊክስ ዝመስረተ እንትኾን፡ እቲ መርበብ ሓበሬታ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ወታሃደራት ኣመሪካ ኣብ ሂሊኮፕተር ኮይኖም ሲቪላት እንትቐትሉ ዘርኢ ቪድዮ ምቅልሑ ስዒቡ፡ ኣዘራራቢ ክኾን ክኢሉ እዩ።

ነዚ ስዒቡ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ልዕሊ 7 ሽሕ ሚስጢራዊ ሰነዳትን ቪድዮታትን ኣሕሊፋ ሂባ እያ፤ ንዝበላ ነበር ኣባል ድሕንነት ቼልሲ ማኒንግ ኣብ 2010 ኣሲሩ እዩ።

ካብ 2012 ጀሚሩ፡ ኣብ ኤምባሲ ኢኳዶር ተዓቚቡ ዝጸንሐ ወዲ 47 ዓመት ጁሊያን ኣሳንጅ፡ ስዊዲን ብጾታዊ ጥቕዓት ከሲሳቶ ዝነበረት እንትኾን፤ እቲ ክሲ ግን ዳሓር ውድቂ ኮይኑ እዩ።

ኮይኑ ግና ምስ ዋሕስ ተተሓሒዙ ክሲ ከምዝጽበዮን፡ ንመንግስቲ ኣመሪካ ተሓላሊፉ ከይወሃብ ስግኣት ከምዘለዎን ይግለጽ።

ዝተውሃቦ ዑቕባ ክለዓል ዝተገብረ ኣሳንጅ፡ ኣብ እዋን ናብ ቤት ፍርዲ ብዘይምቕራብ ዝብል ክስን መንግስቲ ኣመሪካ ተሓላሊፉ ክወሃቦ ብዝተሓተቶ መሰረትን ኣብ ማእከላይ ለንደን ኣብ ቀይዲ ከምዝርከብ ፖሊስ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢኳዶር ሞሬኖ ብወገኑ፡ ጁሊያን ኣሳንጅ ኣብ ጉዳያት ካልኦት ሃገራት ዝገብሮም ኢድ ኣእታውነታት፡ ሃገሩ ክተገጻወሮ ከምዘይካኣለት፡ ኣብ 2019 ዊክሊክስ ብዛዕባ ቫቲካን ዘውጸኦም ሰነዳት፡ ኣብነት ብምግባር ይገልጽ።

ጁልያን ኣሳንጅ፡ ናይቲ ኤምባሲ ናይ ድሕነት ካሜራታት ብምዕጻው፡ ሰነዳት ብምድህሳስን፡ ከምኡ 'ውን ምስ ሓለውቲ እቲ ኤምባሲ እናተጓየቐ ከጸግሞም ከምዝጸንሐን ፕረዚደንት ሞሬኖ ገሊጹ።

ብተወሳኺ ኣሳንጅ፡ ሓያል ሓደጋ ናብ እተብጸሓሉ ሃገር ተሓላሊፉ ከይወሃብ ምስ እንግሊዝ ከም ዝተሰማምዑ እቲ ፕረዚደንት ሓቢሩ።

ንመሰል ነጻነት ሚድያ ዝጣበቑ ኣካላት፡ መንግስቲ እንግሊዝ ንኣሳንጅ ኣሕሊፉ ከይህቦ እናሓተቱ እዮም።