ስዊድን ኣብ ክሲ 'ምዕማፅ' ጁልያን ኣሳንጅ ብይን ክትህብ እያ

ጁልያን ኣሳንጅ ሚያዝያ 11 2019

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኤምባሲ ኢኳዶር ኣብ ለንደን ንኣሳንጅ ሂብዎ ዝነበረ ዕቑባ ምስ ኣልዓለ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተኣሲረ እዩ

ኣኽበሪ ሕጊ ስዊድን፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ልዕሊ መስራቲ ዊኪሊክስ ጁልያን ኣሳንጅ ቀሪቡ ዝነበረ ክሲ ዳግማይ ክኸፍት ከምዝኽእል ተፈሊጡ።

እዚ ዳግማይ ምርመራ ብሕቶ ጠበቓ ግዳይ ዝተልዓለ እንትኸውን፡ እቲ ጉዳይ እንደገና ክርኣይ ከምዝኽእል ይግለፅ።

እዚ ክሲ ምዕማፅ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት እዩ ኣብ ልዕሊ ጁልያን ኣሳንጅ ተመስሪቱ።

ጁልያን ኣሳንጅ ነዚ ዝቐረበሉ ክሲ ብምክሓድ፡ ኣብ 2012 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢኳዶር ዑቕባ ሓቲቱ ፀኒሑ።

ንሸውዓተ ዓመታት ሓቢሩ ዝዘለቐ ርክብ ወዲ 47 ዓመት ጁልያን ኣሳንጅን ኤምባሲ ኢኳዶር ኣብ ለንደንን ግና ኣይቀፀለን፤ ኣብ ኤምባሲኣ ዘዕቖበ ኣሳንጅ፡ ኣብ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት ኢዱ ካብ ምእታው ከም ዘይተቖጠበ መንግስቲ ኢኳዶር ይገልጽ።

ነዚ ክፃወር ዘይኸኣለ መንግስቲ ኢኳዶር ነቲ ሂብዎ ዝነበረ ዕቑባ ዝመንጠለ እንትኸውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ ኣሳንጅ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ን50 ሰሙናት ክእሰር ተፈሪድዎ።

ጁልያን ኣሳንጅ ኣብ 2010 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ወተሃደራውን ዲፕሎማስያውን ጉዳያት ዋሽንግተን ኢዱ ኣእትዩ ብዝብል ክሲ፡ ኣሜሪካ እውን ተመሓላሊፉ ክወሃባ ትጠልብ።

ሕዚ ድማ ስዊድን ቅድሚ ዓመታት ኣቕሪባቶ ዝነበረት ክሲ ዳግማይ ክትኸፍት ከምትኽእል እዩ ተገሊፁ ዘሎ።

ምኽትል ዳይሬክተር ቤትጽሕፈት ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ስዊድን ኢቫ ማሪ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ኣሳንጅ ዝተመስረተ ክሲ ምዕማፅ፡ ዳግማይ ምኽፋት ኣብ ዝብል፡ ሎሚ መዓልቲ ውሳንኣ ክተሕልፍ ትፅቢት ይግበር።

ኣኽበርቲ ሕጊ ስዊድን እቲ ቅድሚ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ጁልያን ኣሳንጅ መስሪትዎ ዝነበረ ክሲ፡ ኣሳንጅ ኣብ ኤምባሲ ኢኳዶር ዑቕባ ብምሕታቱ ክቕፅልዎ ኣይከኣሉን ነይሮም።

ሕዚ ግና ኣሳንጅ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ምእታዉ ስዒቡ፡ እታ ቅድሚ ዓመታት 'ኣሳንጅ ዓሚፁኒ' ብምባል ዝኸሰሰቶ ሰበይቲ እቲ ክሲ ዳግም ክኽፈት ብምጥላባ እዩ እዚ መዝገብ ክሲ ተላዒሉ ዘሎ።

ብመሰረት ሕጊ ስዊድን እዚ ክሲ ክሳብ ዝቕፅል ዓመት ክኸይድ ይኽእል።