ብዘይ ገበን ን26 ዓመታት ዝተኣሰረ ኣመሪካዊ ምሕረት ተገይርሉ

ኣብ ኣመሪካ ተቐማጢ ሰሜን ካሮላይና ዝኾነ ዶንቴ ሻርፔ፡ ብገበን ቅትለት ተኸሲሱ ን26 ዓመታት ምስተኣሰረ ምኽንያት መእሰሪኡ ጌጋ ምዃኑ ስለዝተረጋገጸ ብኣመሓዳሪ እታ ክፍለ ሃገር ምሉእ ምሕረት ተገይርሉ።
ንሱ እቲ ዝተኸሰሰሉ ገበን ከምዘይወዓሎ ንምርግጋጽ ካብ 1994 ጀሚሩ ክቃለስ ጸኒሑ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2019 ድማ’ዩ ተፈቲሑ።
“ብጠቐነ ተበላሽዩ ዝነበረ ሽም ስድራይ ንጹህ ኮይኑ’ሎ፤ እቲ ኣብ ማእገረይን ማእገር ስድራይን ዝነበረ ሸኽሚ ፎዅሱና’ሎ” ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።
ቢቢሲ ኣብ ጉዳይ ዶንቴ ሻርፐ ዝምልከት ሰነዳዊ ፊልም ሰሪሑ ነይሩ። ዛንታ ዶንቴ ሓደ ሰብ ካብ ገበን ናጻ ምዃኑ ምስተረጋገጸ ምሉእ ምሕረት ተገይርሉ ንኽፍታሕ ናጽነቱ ንኽእውጅ ዝወሰደሉ ግዜ ነዊሕ ከምዝኾነ ዝተርኣየሉ’ዩ ነይሩ።
ኣመሓዳሪ ግዝኣት ሰሜን ካሮላይና ሮይ ኮፐር፡ ነቲ ብጥንቃቐ ክምርምሮ ዝጸንሐ ጉዳይ ዶንተ ሻርፐ: ዕላዊ ኣብ ዝገበረሉ ግዜ “ከም ሻርፐ ዝኣመሰሉ ብጌጋ ተፈሪዶም ዝጸንሑ ሰባት ይቕረታ ክግበረሎም እንከሎ ህዝቢ ክፈልጥ ኣለዎ” ኢሉ።
ዶንቴ ሻርፐ በቲ ዝተገበረሉ ናይ ይቕረታ ሰነድ ተጠቂሙ ካሕሳ ክሓትት ይኽእል’ዩ።
“ሰባት ሎሚ’ውን ብጌጋ ተፈሪድዎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዘለውሉን ሰባት ይቕረታ ክግበረሎም ይጽበዩ ኣብ ዘለዉሉ እዋንን ናተይ ናጽነት ምሉእ ኣይኮነን” ይብል ሻርፐ።
ንሱ ኣስዒቡ “ኣብቲ ዝነበርኩሉ ግዜ ንጹሃት ሰባት ከምዘለዉ እፈልጥ’የ፤ ሰባት ብጌጋ ከይፍረዶም ምእንታ ናይ ፍትሒ ስርዓት ክቕየር’ዩ ዘለዎ” ኢሉ።
ዶንቴ ናይቲ ኣብ ሰሜን ካሮላይና ስርዓተ ፍትሒ ክቕየር ዝጉስጉስ ምንቅስቓስ ፎርዋርድ ጀስቲስ ኣባል’ዩ።
ንሱ ቅድሚ 26 ዓመታት ዝተኣሰረ ንጆርጅ ራድኪሊፍ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ቀቲልካ ብዝብል ክሲ’ዩ ነይሩ። ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ናይ ቃል ምስክርነታ ዝሃበት ሰገን ዋላ’ኳ ድሓረ ሓሳባ እንተቐየረት ዶንቴ ግን ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጽእ ኣይከኣለን።
ድሕሪ ናይ 26 ዓመታት ግጉይ ማእሰርቲ ዝተፈትሐ ዶንቴ ዝተረፈ ህይወቱ ስርዓተ ፍትሒ ኣመሪካ ንኽመሓየሽ ብምቅላስ ከምዘሕልፎ ገሊጹ።
ኣብ ኣመሪካ ካብ 1989 ንድሓር ኣብ ዘሎ ግዜ 2,887 ሰባት ብግጉይ መረዳእታ ከምዝተኣሰሩ ሃገራዊ ጸብጻባት ኣመሪካ የረድእ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







