መስራቲ ዊኪሊክስ ጁልያን ኣሳንጅ ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣደ ደቁ ክምርዖ ተፈቒድዎ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ጅልያን ኣሳንጅ ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ቤልማርሽ ኮይኑ ነታ ናይ ነዊሕ ግዜ ዓርኩን ኣደ ደቁን ዝኾነት ስቴላ ሞሪስ ክምርዓዋ ከም ዝተፈቐደሉ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
መስራቲ ዊኪሊክስ ጁልያን ኣሳንጅን ስቴላ ሞሪስን ክልተ ህጻናት ኣለውዎም።
ስቴላ ንኽልቲኦም ደቃ ኣሳንጅ ኣብ ሎንዶን ኣብ ኢምባሲ ኢኳዶር ተዓቒቡ እንከሎ ብዝነበሮም ርክብ ዝተወልዱ ምዃኖም ገሊጻ።
ጁልያን ኣሳንጅ፡ ንኣደ ደቁ ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ክምርዓዋ ኣመሓዳሪ እቲ ቤት ማእሰርቲ'ዩ ፍቃድ ሂብዎ።
ስቴላ ሞሪስ፡ ብውሳነ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ኣዝያ ከም ዝተሓጎሰት ንኣገልግሎት ዜና ፒኤ ሓቢራ።
ሞሪስ ብምስዓብ "ኣብ ጉዳይ መርዓና ካልእ ተወሳኺ ምትእትታው ከይህሉ ተስፋ ይገብር" ኢላ።
ክልቲኦም መጻምድቲ ብመሰረት ሕጊ ዓንቀጽ 1983 ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም ንኽምርዓው ብኽታሞም ሕቶ ምስ ኣቕረቡ፡ ግብሪ ብዘይክፈሎ ወጻኢታት እቲ መርዓ ክውን ክኸውን እዩ።
ናይ ሕጊ ክኢላን መበቆላ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃን ዝኾነት ሞሪስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ሜይል ኦን ሳንደይ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት ምስ ኣሳንጅ ካብ 2015 ጀሚሮም ፍቅራዊ ርክብ ከም ዝጀመሩን ክልተ ቆልዑ ከም ዝወለዱን ምሕባራ ይዝከር።
ጁልያን ኣሳንጅን ሞሪስን ኣብ 2011 እዮም ተላልዮም፡ ሞሪስ ሓንቲ ካቶም ንጉዳይ ናይ ጁልያን ኣሳንጅ ሕጋዊ ጉዳይ ዝርእዮ ዝነበሩ ክኢላታት ናይ ሕጊ'ያ።
ሞሪስ፡ ጁልያን ኣሳንጅ ኣብ ሎንዶን ኣብ ኢምባሲ ኢኳዶር ተዓቊቡሉ ኣብ ዝነበረ እዋን መዓልታዊ ትብጽሖ ምንባራን ኣዕሚቋ ክትፈልጦ ከም ዝሓገዛን እያ ትገልጽ።
ሞሪስን ጁልያን ኣበሳንጅን ኣብ 2015 ፍቅራዊ ዝምድና ድሕሪ ምጅማሮም ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ ውሽጢ እቲ ኣበሳንጅ ዝነበሮ ቀጽሪ ኢማባሲ ኢኳዶር ተሓጽዮም።
ደቂ ሞሪስን ኣሳንጅን ክልቲኦም ደቂ ተባዕትዮ ኮይኖም፡ ኣብ እዋን ሕርሲ ሞሪስ፡ ጁልያን ኣሳንጅ ብቐጥታ ብቪድዮ ከም ዝርኣዮን ናብቲ ተዓቊብሉ ዝነበረ ኢምባሲ ኢኳዶር ኣብ ሎንዶን እናኸዱ ይበጽሕዎ ምንባሮምን ሞሪስ ገሊጻ።
ወዲ 50 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ጁልያን ኣሳንጅ፡ ኣመሪካ ብጉዳይ ስለያን ኣማኢት ኣሽሓት ምስጢራዊ ሰነዳት ብምብታንን ከሲሳ ናብ ኣመሪካ ክሰጋገር እያ ትጽዕር ዘላ።
ንሱን ጠበቃታቱን ኸኣ ናይ ኣመሪካ ከይውሃብ ይማጎቱ ኣለዉ።
እቲ ብሽም ዊኪሊክስ ኣብ ሚያዝያ 2010 ዝተዘርገሐ ኣማኢት ኣሽሓት ሰነዳት ኣመሪካ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ኢራቕ ብሄሊኮፕተር ሰላማውያን ሰባት እናቐተሉ እንከለዉ ዘርኢ ስእሊ ዝሓዘ ይርከቦ።
ኣውስትራልያዊ ጁልያን ኣሳንጅ ካበ ኣብ 2019 ጀሚሩ ኣብ ሎንዶን ኣብ ዝርከብ ቤልማርሽ ዝብሃል ቤት ማእሰርቲ እዩ ተኣሲሩ ዝርከብ።
ጁልያን ኣሳንጅ ካብ 2012 ክሳብ 2019 ኣብ ቀጽሪ ኢማባሲ ኢኳዶር ኣብ ሎንዶን ተዓቒቡ ኣብ ዝነበረሉ፡ ካብ መንግስቲ ስዊድን፡ ኣብ ስዊድን እንከሎ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ክሲ ምንጻጉ ይዝከር።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







