ዘ ሮክ ንነዊሕ እዋን ኣፍቃሪቱ ንዝነበረት ሎረን ሃሽየን ተመርዕዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ህቡብ ተጓሳጣይን ተዋሳእን ዓለምና ዘ ሮክ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣፍቃሪቱ ዝነበረት ሎረን ሃሽየን ተመርዕዩ።
እቲ ጽንብል መርዓ ኣብ ሃዋይ ዝተባህለት ክፍለ ሃገር ኣመሪካ ብሰንበት መዓልቲ እዩ ተኻይዱ።
እዚ ወዲ 47 ዓመት ዝኾነ ስነ-ጥበባዊ፡ ብኢንስተግራም ኣቢሉ እዩ ነቶም 154 ሚልዮን ተኸተልቱ ብዛዕባ እቲ መርዓ ኣበሲርዎም።
እቶም መጻምድቲ ካብ 2006 ጀሚሮም እዮም ኣብ ፍቅሪ ዝጸንሑ ኮይኖም፤ ክልተ ቆልዑት ኣለውዎም።
እቲ ኣብ እንስተግራም ዝዘርግሖ ስእልታቱ፡ ኣብ ውሽጢ 3 ሰዓት ብሚልዮናት ሼር ተገይሩ።
ንሱ ካብ ዓለምና ዘለው ውሩያት ተዋሳእቲ ሓደ እዩ። ኣብ ፊልም ዓለም ዝሰርሑ ካልኦት ህቡባት ተዋሳእቲ ድማ ርሑስ ጋማ ኢሎሞ።
ሎረን ሃሽየን መን እያ?
ሎረን ሃሽየን ካብ ሙዚቀኛታት ስድራ-ቤት እያ ተወሊዳ። ንሳ'ውን ሙዚቀኛ ብምዃን ሒደት ደርፍታት ክትደርፍ ኪኢላ።
እዚ ን ዘ ሮክ ካልኣይ መርዕኡ ኢዩ። ንሱ፡ ንዳኒ ጋርስ ኣብ 1993 ተመርዕዩ፡ ሓደ ሲሞነ ዝተባህለ ወዲ 18 መንእሰይ ካብታ ቀዳመይቲ ሰበይቱ ኣለዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







