እታ ሽልማት ኖቤል ዝወሰደትን ሕጂ ዝተመርዓወትን ማላላ ዮሱፋዚ መን'ያ?

ምንጪ ስእሊ, Malin Fezehai - Twitter @ Malala/via REUTERS
ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ማላላ ዮሱፋዚ: ብሰሉስ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ከተማ በርሚንግሃም ብእስላማዊ ስነ ስርዓት ቃል ኪዳን ኣሲራ።
ንሳን እቲ ኣብ ኢንዳስትሪ ስፖርት ዝነጥፍ መጻምዳ ኣሰር ማሊክን ብስነ ስርዓት ኒቃህ ተመርዒዮም።
ጓል 24 ዓመት ተሓላቒት መሰላት ማላላ ብሰሉስ ኣብ ህይወታ "ፍሉይ መዓልቲ" ምንባሩ ገሊጻ።
"ኣሰርን ኣነን መጻምዲ ክንከውን ቃል ኪዳን ኣሲርና ኣለና" ክትብል ብትዊተር ጽሒፋ።
እቲ ስነ ስርዓት ጥምረቶም "ስድራ ቤት ኣብ ዝተረኸብሉ ስነ ስርዓት ኒቃህ" ከም ዝተፈጸመ ሓቢራ።
ብርክት ዝበለ ናይ መርዓኣ ስእሊ'ውን ኣብቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣካፊላ።

ምንጪ ስእሊ, Malin Fezehai - Twitter @ Malala/via REUTERS
ማላላ ኣብ እዋን ቁልዕነታ ብዝጽሓፈቶ መዘክር [ዳያሪ] እያ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ረኺባ።
እዚ ኣብ ቢቢሲ ኡርዱ ዝተሓትመ ኮይኑ ኣብቲ ጣሊባን ዝዕብልሉዎ ሰሜን ምዕራብ ፓኪስታን ደቂ ኣንስትዮ ቖልዑት ዕድል ትምህርቲ ክረኽባ ዘለዋ ድልየት ዘስፈረትሉ እዩ።
እዛ ፓኪስታናዊት፡ ዓለምለኻዊ ኣዘራራቢት ዝኾነትሉ ገና ጓል 15 ዓመት እንከላ ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ንድሕነትኻ ዘስግእ ኩነታት ኮይና ደቂ ኣንስትዮ ዕድል ትምህርቲ ክረኽባ ትጉስጉስ ነይራ።
ኣብ 2012 ግን ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣውቶብስ እንከላ እቶም ዕጡቓት ኣብ ርእሳ ብጥይት ሃሪሞምዋ።
ካብዚ በህይወት ተሪፋ፤ ክልተ መምህርታ እውን በቲ መጥቃዕቲ ቖሲለን።
ህይወታ ንምድሓን ኣብ ፓኪስታን ድሕሪ ዝተገብረላ መጥባሕቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተወሳኺ ሕክምና ክትረክብ ናብቲ ሕጂ ትነብረሉ ከተማ መጺኣ።
ድሕሪ ክልተ ዓመት ማላላ ንመጀመርታ ግዜ እታ ብዕድመ ዝንኣሰት ተሸላሚት ኖቤል ሰላም ኮይና።
እቲ ሽልማት ኣብ ኦስሎ ኣብ ዝተቐበለትሉ እዋን ፈላመይቲ ፓሽቱንን ፓኪስታናዊትን ተሸላሚት ብምዃና ከም እትሕበንን "ሕጉስቲ" ምዃናን ተዛሪባ ነይራ።
ካብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ክሳብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝነበራ ናይ መጥባሕትን ሕክምናዊ ናብዮትን ነቲ እትገብሮ ጎስጓስ ምስ ቐጸለትሉ ትኹረት ሚዲያታት ዓለም ክትስሕብ ጀሚራ።

ምንጪ ስእሊ, Birmingham Hospitals Trust
ብጥሪ 2013 ሕክምንኣ ወዲኣ ካብ ሆስፒታል ክትወጽእ እንከላ፡ ሕጂ ካብታ ኣብ ትሕቲ ጣሊባን ብፍርሒ ድምጻ ተስምዕ ዝነበረት ተመሃሪት ዝተፈለየትን ዝሓየለትን እያ ኮይና።
ማላላን ኣቡኣ ዚያዲን ዮሱፋዚን፡ ኣብ መላእ ዓለም ንመሰል ትምህርቲ ጎስጓስ ዝገብር ማላላ ፈንድ ብ2013 ኣጣይሾም።
ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት፡ መጽሄት ታይም ካብቶም ጽልዋ ፈጠርትን ፈላመይቲ ንሽልማት ኖቤል ሰላም ዝተሓረየትን ክብል ጸሪሑዋ።
ብተወሳኺ፡ ማላላ በቲ "I Am Malala" ዝብል መጽሓፍ ርእሰ ታሪኻን ናይ ናጽነት ኣተሓሳስባታትን ፓርላማ ኤውሮጳ ዝህቦ ሽልማት ሳክሃሮቭ ተዓዊታ እያ።
'ዳያሪ'
ማላላ፡ እቲ ሚስጢራዊ ግለ ታሪኻታ እተስፍረሉ መዘክራ ትኹረት ክስሕብ እንከሎ ጓል 11 ዓመት ነይራ።
እዚ፡ ጉል ማካይ ዝተባህለ ሽም ኣብ ነበረያ ነበረ ፓሽቱን እትልዓል ጅግና እያ ትጽሕፎ ነይራ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ዕጡቓት ጣሊባን ናብቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝመሃራሉ ቤት ትምህርቲ መጺኦም ከዕንው እንከለው፡ ማላላ ብጥይት ተሃሪማ።
ጓል ኣንስተይቲ ትምህርቲ ኣየድልያን ዝብል ኣረኣእያ ስለ ዝነበሮም ማላላ የተሓሳስባ ነይሩ።
ብጥሪ 2009፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ንዕረፍቲ ኣብ ዝዕጸወሉ ግዜ "እተን ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ዕረፍቲ ህንጡያት ኣይኮናን፤ ምኽንያቱ ጣሊባን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ትምህርቲ ዝኽልክለን እንተኾይኑ ተመሊሰን ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይመጽኣን። ሓደ መዓልቲ ትምህርቲ ክኽፈት'ዩ ዝብል ግምት እኳ እንተሃለወኒ፡ ክወጽእ ከለኹ ግን ዳግም ከም ዘይምለስ ነቶም ህንጻታት ይጥምቶም ነይረ" ክትብል ጽሒፋ።
እቲ ንሳን መሓዙታን ዝስምዐን ወይ ዘጨንቐን ዝነበረ ኩሉ ሰኒዳቶ።
ተመሃሮ፡ በቶም ዕጡቓት መጥቃዕቲ ከይበጽሖም ብምስጋእ ካብ ቤት ትምህርቲ እናቦኾሩ ምርኣይ ድማ ዚያዳ የተሓሳስበን ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ግድስቲ ተሓላቒት
ማላላ ኣብ እተካይዶም ጎስጓሳት ድጋፍ ስድራቤታ ተፈልዩዋ ኣይፈልጥን።
ኣቡኣ፡ ናይ ውልቂ ቤት ትምህርቲ ኣለዎ፤ ጓሉ ድማ ናይ ባዕላ 'ብሎግ' ክህልዋ ብምሕጋዙ ኣብቲ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምምሃር መሰለን ክሕሎ እትገብሮ ጎስጓስ ዓብዪ ሓገዝ ገይሩላ እዩ።
እቶም ዕጡቓት ካብቲ ዝዓበየትሉ ከባቢ ስዋት ምስ ወጽኡ ናብ ዓዳ ተመሊሳ ነይራ።
ብ2009 ድማ፡ ብዛዕባኣ ሓደ ሰነዳዊ ፊልም ተሰሪሑ፤ ብዙሓት ርእዮምዎ።
ኣብ 2011 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ፋውንዴሽን መሰላት ህጻናት ንዓለምለኻዊ ሽልማት ሰላም ህጻናት ሓጽዩዋ።
ብ2012 ድማ፡ መንግስቲ ፓኪስታን ሃገራዊ ሽልማት ሰላም ኣበርኪቱላ። ድሕሪኡ እቲ ሽልማት ንትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ዝወሃብ ሃገራዊ ሽልማት ሰላም ማላላ ተባሂሉ ተሰይሙ።
ኣብቲ ግዜ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ እቲ ዞባ ኾይኑ ዝተሓጸየ ሪቻርድ ሆልብሩክ፡ ትምህርቲ ንዝደልያ ደቂ ኣንስትዮ ሓደ ነገር ክትገብር ኣለካ ኢላ ሞጊታቶ እያ።
ንሳ'ውን ኩነታት ጸጥታ ምስ ተመሓየሸ ናብ ስዋት ተመሊሳ ትምህራታ ቐጺላ።
ማላላን ስድራ ቤታን ግን ተደጋጋሚ ምፍርራሕ ይበጽሖም ነይሩ፤ ጣሊባን "ዓለማዊ ትምህርቲ ኣጉሊሓ" ብዝብል ንማላላ ክኸሳ እንከሎ ኣብ ልዕሊኣ መጥቃዕቲ ከም ዝፍጽም የፈራርሓ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Malin Fezehai - Twitter @Malala/via REUTERS
ማላላ፡ ጣሊባን ብዝተኮሱላ ጥይት ርእሳ ክትውቃዕ እንከላ፡ ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ብምምጻእ ፍሉይ ሕክምናዊ ክትትል እዩ ተገይሩላ፤ ንምስማዕ ዝሕግዛ መጥባሕቲ ድማ ኣብ ሓንጎላ ተገይሩላ።
ድሕሪኡ፡ ንሳ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኤድግባስቶን ዕድል ትምህርቲ፤ ኣቡኣ ድማ ኣብ በርሚንግሃም ኣብ ዝርከብ ቖንስላ ፓኪስታን ስራሕ ተዋሂቡዎም።
ብ2017፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ፖለቲካ፣ ፍልስፍናን ስነ ቑጠባን ክተጽንዕ ጀሚራ።
"ዋላ'ውን እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ እንተኾነ፡ ናይ መወዳእታ ናይ ትምህርተይ እዋናት ኣብ ገዛ ወለደይ ኮይና ሕሊፈየን እየ። ትምህርተይ ብምውድአይ የመስግን። ቑሩብ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ድሕሪ ምውሳድ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ክቃለስ'የ" ክትብል ኣብቲ ድረ ገጻ ጽሒፋ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







