ኣስትሮዎርልድ፡ ‘ሓወይ ንሕጽይቱ ከድሕን እዩ ህይወቱ ሓሊፉ’

መግለጺ ቪድዮ, ህይወት ሕጺይቱ ከድሕን ኢሉ ህይወቱ ዝስኣነ ኣመሪካዊ

ኣመሪካዊ ራፐር ትራቪስ ስኮት ናብ መድረኽ ምስወጽአ ኣብኡ ዝነበሩ ዕድሟት ነንሓድሕዶም ክጓሰጡን ክጓነጹን ተራእዮም። ሕጺይቱ ብየማነ ጸጋም ክትውቃዕ ዝተዓዘበ ዳኒሽ ንሕጺይቱ ከድሕን ክብል ናይ ገዛእ ርእሱ ህይወት ስኢኑ። ንሳ ናብ ሆስፒታል ኣትያ ምስተሓከመት ድሒና።