ኣማኻሪ ፍቅሪ፡ ሓዳር ንዘይብለን ደቂ ኣንስትዮ ሰብኣይ ክረኽባ ክገብር ይኽእል ድዩ?

ሮበርት ቡራለ
መግለጺ ስእሊ, ሮበርት ቡራለ

ሓካይም ፍቅሪ ወይ ኣሰልጠንቲ ናይ ፍቅሪ ዝብል ሞያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እናሰፈሐ ዝመጽአሉ ቀንዲ ምኽንያት መጻምድቲ ዝደልያ ደቂ ኣንስትዮ እናበዝሓ ዝለዝመጽኣ እዩ።

እቶም ኣሰልጠንቲ ወይ ዓለምቲ ፍቅሪ ነተን መጻምድቲ ደልየን ናብኦም ዝውሕዛ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዋላ ውሕስነት ኣይሃልዎ መጻምድቲ ከምዝረኽቡለን ብርእሰ ተኣማንነት እዮም ዝሕብርወን፡ ግደ ሓቂ ንብዙሓት ከኣ መጻምድቲ ረኺበን ሕጉስ ህይወት ክመርሓ ሓጊዞመን እዮም።

ሮበርት ቡራለ ኣብቲ ብህድእ ዝበለ ሙዚቋ ዝማሞቐ ቤት ጽሕፈቱ ኮይኑ ነተን መጸምድቲ ደልየን ብዛዕባ ምምስራት ዕዉት ሓዳር ምኽሪ ዝደልያ ደቂ ኣንስዮ ሞያዊ ማዕዳ ይህብ።

ነተን ኣብ ቅድሚኡ ኮፍ ኢለን ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ ምኽሩ ይልግሰለን ኣሎ።

"እቲ ንስኽን ትጋገየኦ ነገር ክነግረክን እየ፡ ድልዋት ዲኽን?" ካብቲ ክፍሊ ኣይ እወ ኣይ ኣይፋል ጉሪምሪም ዝብል ድምጺ ተሰሚዑ፡ ሮበርት ማዕድኡ ይቅጽል።

"ድልዋት ዲኽን?"

'እወ' መልሲ ተሰሚዑ

ሮበርት ኣብ ብርኽ ዝበለ መድረኽ ኮይኑ፡ ብየማናይ ኢዱ መጉልሒ ጽምጺ ሒዙ ጸጋማይ ኢዱ ናብተን ደቂ ኣንስትዮ እናኣመልከተ "ንስኽን ደቂ ኣንስትዮ፡ ምስ መጻምድትኽን ገና ኣብ ዕርክነት እንከለኽን ነቲ ወዲ ተባዕታይ ናይ ብዓል ቤት ክብሪ ስለትህብኦ ኢኽን ትጋገያ ዘለኽን" ይብል።

"ደቂ ተባዕትዮ ሃዳኖ'ዮም፡ ኣንበሳ ነታ ዝሃድና ብኽሳዳ ሒዙ ምስ ቀተላ ናብ ካልእ እዩ ዘማዕዱ"

ሮበርት ቡራለ፡ ቀንዱ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ናይሮቢ'ዩ።

ኣብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈቱን ኣብቲ መቐበሊ ኣጋይሽን፡ ንደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ፍቅርን ሓዳርን እናመሃረ እንከሎ ዘርኢ ቪድዮታት ኣብተን ኣብ መንደቅ ዝተሰቀላ ብዙሓት ተለቪዥናት ተወሊዑ ነበረ።

ሮበርት ቡራለ
መግለጺ ስእሊ, ሮበርት ቡራለ

ነቲ ቤት ጽሕፈቱ ኣናርኣየና እንከሎ ልዕሊ ዓሰርተ ዝኾና ኮምፒተራት ዝሓዛ ሰራሕተኛታት ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ስራሕ ይነጥፋ ነይረን።

ሓንቲ ካብኣን ንቪድዮታት ናይ ሮበርት ብምርኣይ ጥራይ ሕጉስ ህይወት ትመርሕ ምህላዋ ገሊጻትልና።

ሮበርት፡ ጽኑዕን ንዘልኣለም ዝነበርን ፍቅሪ ከመይ ገይርካ ከምዝምስረት ምስጢር ከምዝፈልጥ እዩ ዝገልጽ፡ ናይ ውልቁ ፍቅራዊ ህይወት ግን ክንድቲ ጥጡሕ ዘይምንባሩ ኣይሓበአን።

"ግልጺ ንምዃን ሓዳረይ ቀልጡፉ እዩ ዓንዩ፡ እንተኾነ እዚ ስለዝኾነ ንደቂ ኣንስትዮ ከመይ ገይረን ዕዉት ሓዳር ክምስርታ ከምዝኽእላ ምኽሪ ክህብ ኣይክእልን እየ ማለት ኣይኮነን፡ ሰባት ኣብ ምንታይ ምስ ዝጋገዩ ሓዳሮም ከምዝነቓነቕ ኣጸቢቐ ይፈልጥ'የ" ይብል ሮበርት።

ደራሲ መጽሓፍ 'ዴትኖሚክስ' ከምኡ'ውን ክኢላ ምርኻብ መጻምድቲ ጆን ብሪገር "ቀንዲ እተን ካብ 30ታት ክሳብ 40ታት ዕድሚኤን ዘይተመርዓዋ ደቂ ኣንስትዮ'የን ዓማዊልና"ይብል።

ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ ቁጽሪ ናይተን ኣብ 30ታት ዕድሚኤን ዘይተመርዓዋ ካብቲ ቀድሚ 10 ዓመት ዝነበሮ ብዕጽፊ ከምዝዛየደ የብርህ።

ኣብ ኬንያ'ውን ዋላ እኳ ዓሚቕ መጽናዕቲ ኣይገበር እቲ ቁጽሪ ተመሳሳሊ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝሕበር።

ጆን ብሪገር፡ ንሓንቲ ሰብ ንበይና ጥራይ ኣስተምህሮ ንክወሃባ ንወርሒ ክሳብ 8000 ዶላር ከምዝበጽሕ ይሕብር።

ብደረጃ ዓለም ኸኣ እዚ ወፍሪ እዚ ዓመታዊ ክሳብ 13 ቢልዮን ዶላር ናይ ሰልዲ ምንቅስቓሳት ዝግበረሉ ዓወዲ እዩ።

Short presentational grey line

ኣብታ ብማእከላይ ገምጋም ደቂ ኣንስትዮ ደቂ 21 ዓመት ምስ ኮና ኣብ ገጠራት ኸኣ ደቂ 19 ዓመት ምስ ኮና ሓዳር ዝገብራላ ኬንያ፡ ሜሪ ጓል 35 ዓመት እያ ሓዳር ኸኣ ኣይገበረትን። ካብትን ሓሙሽተ ምንኣሳ ኣሕዋታ እተን ሰለስተ ድሮ ተመርዕየን እየን።

"እቲ ዝበዝሐ ጸቅጢ ካብ ስድራ'ዩ ዝመጽእ" እትብል ሜሪ "ኣብ ምንታይ ጌጋ ስለዝፈጸምኩ ወይ ቅኑዕ ስለዘይተኸተልኩ'የ ክሳብ ሕጂ ሓዳር ክገብር ዘይክኣልኩ ክፈልጥ ይደሊ'የ" ትብል።

ሜሪ

ክሳብ ሕጂ ንሓዳር ዝሓታ ስለዘይረኸበት ድያ ዋላ ካልእ እዩ እቲ ምኽንያት ሓቲትናያ።

"ንዓይ ዋላ ሓንቲ ኣይርድኣንን እዩ፡ ብዙሓት ሰባት መራጺት ከምዝኾንኩ'ዮም ዝነግሩኒ፡ ኣነ ግን ብዙሕ ኣይርድኣንን'ዩ"

ሜሪ ሰሙናዊ 50 ዶላር እናኸፈለት ካብ ሮበርት ስልጠናታት ትወስድ ኣላ።

ማዕዳ ሮበርት ክሰርሕ ድዩ ኣይሰርሕን ርግጸኛ ኣይኮነትን ሰብኣይ ንክትረክብ ግን ወርሓዊ 200 ዶላር እናኸፈለት ትምሃር ኣላ።

"ካብ ስቅ ምባል ምፍታኑ ይሓይሽ" ድማ ትብል።

Short presentational grey line

ማቲው ሃሲ፡ ኣብ ኒው ዮርክ ታይምስ ዝበዝሐ ቅዳሓት ካብ ዝተሸጣ መጻሕፍቲ 'ጌት ዘ ጋይ' ትብል መጽሓፍ ዝጸሓፈ ኮይኑ፡ እቲ ባዕሉ ዘካይዶ ናይ ዩትዩብ ቻነል ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ሰዓብቲ [ሳብስክረይበርስ] ኣለውዎ።

ገለ ካብቲ ንሱ ዝዘርገሖ ቪድዮታት ኸኣ ክሳብ 18 ሚልዮን ግዜ ዝተረኣየ እዩ።

ንሱ "ነቲ ናተይ ቪድዮ ዝተዓዘበ፡ ንኣታዊ ክብል ሕልሚ ዝኾነ ነገራት ይዛረብ ኣሎ ክብለኒ ኣይክእልን እዩ፡ ነቲ ቅኑዕ እዩ ኢለ ዝሓሰብክዎ ብሞያ ብዝተደገፈ ኣገባብ እየ ዘቅርቦ፡ ማዕዳ ደልዩ ናባይ ንዝመጽእ ኸኣ፡ ክሳብ እቲ ዝክኣለኒ ክሕግዞ ይፍትን፡ ኩሉ ይሰርሕ ማለት ግን ኣይኮነን" ይብል።

ኣብ ጽርግያ ረኸበን ሳለ ናቱ ማዕዳ ሓዳር ከምዝገበራ ዝሕብርኦ ሰባት ከምዘለዋ ኸኣ ገሊጹ።

ሮበርት ቡራለ
መግለጺ ስእሊ, ሮበርት ቡራለ

ናብ ናይ ሮበርት ክንምለስ

ኣብ ኣፍደገ እቲ ሮበርት ኣስተምህሮ ዝህበሉ ዓቢ ኣዳራሽ፤ ስእሊ ሮበርት ብዓቢ ተሰቒሉ ኣሎ።

እቲ ዝተሸለመ ጸዓዱ ሰድያታት ኸኣ መስርዑ ሓልዩ ናብ መድረኽ ገጹ ተቐሚጡ ኣሎ።

ሮበርት ኣስተምህሮ ኣብ ዝህበሉ ኣማኢት ደቂኣንስተዮ እየን ዝሳተፋ።

ሕጂ ግን ብሰንኪ ስግኣት ኮሮናቫይረስ እቲ ኣዳራሽ 30 ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ እዩ ክሕዝ።

ሜሪ ኸኣ ኣብቲ ድሕሪ ዘሎ ሰድያታት ኮፍ ኢላ ኣላ።

ሓንቲ ካብተን ተሳተፍቲ ሓሙሽት ሰዓታት ብመኪና ተጓዒዛ ናብቲ ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ዝጅምር ኣስተምህሮ ሮበርት ንምስታፍ ከምዝመጽአት ነጊራትና።

ኣብ 2014 ኣብ ኬንያ ብሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ብዝተገበረ መጽናዕቲ ኣብ ኬንያ ካብ ዝርከባ 15 ክሳብ 49 ዕድሚኤን ደቂ ኣንስትዮ እተን 45 ሚኢታዊት ብምጻምድተን ኣካላዊ ጎነጽ ዝተሓወሶ ግፍዒ ከምዘጋጥመን ይጠቅስ።

ሮበርት፡ ዘረባ ኣብ ዝጀመረሉ ኣካለዊ ኣቃውማ ኣብ ቀዳማይ ሌላ ወሳኒ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኩለን እተን ተሳተፍቲ ርእሰ ተኣማንነት ከምዘለወን ንኸርእያ፡ ሕቆኣን ትኽ ኣቢለን ኮፍ ክብላ'ዩ ሓቢርዋን።

"እዚ ንገብሮ ዘለና ሰሚናር ሰብኡት ንኽትረኽባ እዩ፡ እንተሰሚዕክናኒ፡ ሰሚዕክን ኸኣ እንተኣተግቢርክንኦ፡ ቅድሚ ዝመጽእ ልደት ሰብኣይ ክትረኽባ ኢክን"

"ሎሚ ብዛዕባ ፍቅራዊ ርክባት ኢና ክንዛረብ፡ ንብሕትኽን ትነብራ ዘለኽን ደቂ ተባዕትዮ ስለዘየለዉ ኣይኮነን፡ ብሰንኪ ጌጋኽን ኢኽን በይንኽን ትነብራ ዘለኽን"።

ሓደ ካብቲ ጌጋ ኢሉ ሮበርት ዝጠቀሶ ኸኣ "ምስ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ተላለኽን ቀልጢፍክን ንስጋዊ ርክብ ሕራይ ስለትብላን ኣከዳድናኽን ኣዝዩ ካብ ምሕጻሩ ሰብ ብዝህበክን ግምትን እዩ" ይብል ሮበርት።

ሜሪ፡ ዘዝበሎ ኣብ መዝገባ ተስፍሮ ኣላ።

ሮበርት ብድሕሪ ነዊሕ ኣስተምህሮ፡ ካብተን ተጋባእቲ ጸጸዊዑ ንምንታይ መጻምድቲ ከምዘይብለን በብሓደ ክሓተን ጀሚሩ፡ ሜሪ ኸኣ ሓንቲ ካብተን ዝተሓተታ እያ።

ሜሪ ንናይ ቀደም ኣፍቃሪኣ ብምዝካር ዛንታኣ ክትነግር ጀሚራ።

"ጽቡቕ እዩ፡ ጽቡቕ ክብል እንከለኹ ጽቡቕ ጥራይ ኣይኮነን ኣዝዩ'ዩ ጽቡቕ፡ ቅርጹ፡ ኣከዳድንኡ" ስሓቅ ክሞልቃ ጀሚሩ።

"ንሓደ ዓመትን ፈረቃን ብሓደ ዞይረና፡ ካብቲ ንነብሮ ዝነበርና ዓዲ ንሱ ኣብ ናይሮቢ ስራሕ ረኺቡ ናብ ናይሮቢ መጺኡ፡ ናብ ናይሮቢ ምስ መጽአ'ውን ንሰለስተ ኣዋርሕ ብቴሌፎን ንራኸብ ነይራና፡ ብድሕሪኡ ግን ህልም ኢሉኒ"።

ሜሪ እቲ ክምርዓወኒ'ዩ ትብሎ ዝነበረት ወዲ ብኽምዚ'ዩ ተሸሪብዋ።

ብምስዓብ "ኣብቲ መጀመርታ ናብ ናይሮቢ ምስ መጽአ ክድውለሉ እንከለኹ፡ 'እንታይ መሲሉኪ ህይወተይን ደረጃይን ተቐይሩ እዩ' ይብለኒ ነይሩ"

ሜሪ ዘረባኣ ከይወደአት ሮበርት ዘረባ ቀጺሉ "ርኢኺ ከነኣእሰኪ ጀሚሩ"።

"እወ! ኣዝዩ ከነኣእሰኒ ጀሚሩ ሓደ ሓደ ክዝክሮ እንከለኹ" ሜሪ ዘረባኣ ብምቁራጽ ክትበኪ ጀሚራ።

ሜሪ

ሜሪ ሓይላ ኣኻኺባ፡ ኣፍቃሪኣ ካብ ዝጠልማ ካብ 2012 ጀሚራ ግን ምስ ዝኾነ ወዲ ዕርክነት ከምዘይጀመረት ንሮበርትን ነተን ተጋባእትን ሓቢራተን።

ሮበርት ማዕድኡ ብምቅጻል፡ እቲ ጸገም ናታ ከምዘይኮነ ብምሕባር፡ ውሽጣ ንምፍቃር ክትኸፍቶ ከምዘለዋ እዩ ምዒድዋ፥

እቲ ማዕዳ ተራ ሰብ ክብለካ ዝኽእል ማዕዳ እዩ።

ሜሪ ግን ድሕሪ እቲ ሽዱሽተ ሰዓታት ዝወሰደ ኣኬባ ፍሽኽ እናበለት'ያ ካብቲ ኣዳራሽ ወጺኣ።

ንሕና ግን ንኹለን እተን ኣብቲ ኣዳርሽ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ እናጠመትና፡ ንዘረባ ሮበርት ብምጥቃስ፡ "ናይ ብሓቂ እዚኣን ኩለንሲ ብሰንኪ ናተን ጌጋ'የን ሓዳር ዘይመስረታ" ንብል ነይርና።

ብግደ ሓቂ'ውን እቲ ምኽንያታት ብዙሕ ሮቋሒ ዘለዎ እዩ ክኸውን ዝኽእል።

Short presentational grey line
ሜሪ

ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ሜሪ ሓደ ዓርኪ ረኺባ፡ ብሓደ ድራር ይበልዑ ይዛወሩ ወዘተ፡ ዓርኪ'ዩ ኣፍቃሪ ኣይኮነን።

ሜሪ ምስ ወዲ ከመይ ክትቀራረብ ከምዘለዋ ካብ ናይ ሮበርት ማዕዳ ብዙሕ ከምዝኸሰበትያ ሓቢራትና።

ብዛዕባ እቲ ቅድሚ መርዓን፡ ትልልይ ምስ ኣበለካ ስጋዊ ርክብ ምፍጻም ኣይጽቡቕን'ዩ ዝብል ማዕዳ ሮበርት ርእይቶኣ ክትህበና ተወኪስናያ።

"ብሓቂ ክዛረብ እንተኾይነ እዚ ከምዚ ዓይነት ኣዘራርባ መዓልቱ ዘሕለፈ ናይ ቀደም ኣተሓሳስሰባ እዩ፡ ኣነ ነቲ ማዕዳ'ቲ ኣይክኽተልን'የ" ኢላ እያ መሊሳትልና።

"ሓደን ቀንድን ካብቲ ትምህርቲ ዝቀሰምክዎ ሕጉስቲ ምዃን እዩ፡ ንነብስና ሕጉስቲ ንግበራ፡ ቅድሚ ንኻልእ ከነፍቅርን ብኻልእ ክንፍቀርን ኢልና ምሕሳብና ንነብስና ነፍቅራ፡ ብሕጂ'ውን ግዜ ኣለኒ፡ ንእሽተይ እየ ዘለኹ"።

ሜሪ ኣብቲ ሮበርቲ ዝህቦ ትምህርቲ ካብ ትመላለስ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኮይኑ ኣሎ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ናይ ሓዳር መጻምድቲ ኣይረኸበትን፡ ግን ኣዝያ ሕጉስቲ'ያ ዘላ።