ካብ ባህርያዊ ነገራት ዝተቓመሙ መሕለዊ ጥዕናን ጽባቐን ተዳልው ዘላ ኢትዮጵያዊት

ፈቨን

ምንጪ ስእሊ, feven

ፌቨን ጸሃዬ፡ ካብ ኮረሪማ፣ ጸሊም ኣዝሙድ፣ ጨመርን ካልኦት ቀመማትን ጥዑም መዓዛ ዘለዎም ቅብኣት (ዘይትታት) ኣብ ምፍራይ ትርከብ።

ቀዳማይ ዲግሪኣ ብመጽናዕቲ ዓለምለኻዊ ልምዓት [‘ኢንተርናሽናል ደቨሎፕምንት’] ወዲኣ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ ዝዓበየት ፌቨን ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ምስወደአት ናብ ኣሜሪካ ብድሕሪኡ ድማ ናብ ቻይና ብምኻድ ዝለዓለ ደረጃታት ትምህርቲ ተኸታቲላ። ናብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት’ያ ተመሊሳ።

ናብ ዓውዲ ሕርሻ ክኣትዉ ንዝደልዩ ኣውፈርቲ ካብ መጽናዕቲ ዕዳጋ ጀሚሩ ክሳብ ናብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ ብምኻድ ጉዳዮም ኣብ ምፍጻም ከምዝርሐት ትዛረብ።

ኣብቲ እዋን ምስቶም ኣብ ስራሓት ሕርሻ ዝተዋፈሩ ሰባት ክትራኸብ ከላን ናይ ሕርሻ ቦታታት ምርኣያን ንሳ’ውን ዝሓሸ ኣበርክቶ ክትገብረሉ እትኽእል ዓውዲ ምዃኑ ተገንዚባ።

ሓረስቶት ዘፍረይዎ ጥራሕ እናሸጡ መነብብርኦም ዝመሓየሸሉ ዕድል ዝተሓተ ምዃኑ እትዛረብ ፌቨን “ነቲ ተፈጥሮ ዝሃበተና ቁሩብ እናመሓየሽና፤ ቀይርና ወይ ድማ ገለ ነገር ውስኽ እናበልና ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ሰፊሕ ዕድል ስራሕን ዕብየትን ከምዘምጽእ ፈሊጠ” ትብል።

ካብዚ ተበጊሳ ድማ ‘ጫካ ኦሪጂንስ’ ዝብል ስያመ ዝሃበቶ ትካል ኣጣይሻ።

‘ኢትዮጵያውያን እጽዋት’

ፌቨን፡ ጥዑም ጨና ወይ መዓዛ ዘለዎም ተኽልታት እናጸሞቖት ዘይቲ ቅድሚ ምጅማራ ኬሚካላዊ ትሕዝቶ እቶም ተኽልታት ክተጽንዕ ከምዝወሰነት ትዛረብ።

በዚ መሰረት ምስ ካልኦት መሳርሕታ ብምዃን እቶም ዘድልይዎም ተኽልታት ምስነጸሩ ንመሕለዊ ጽባቐ [‘ኮስሞቲክስ’] ዝውዕሉ ፍርያት ብምፍራይ ክጅምሩ ኣብ ምርድዳእ በጺሖም።

ንሳ ከምእትብሎ ነቶም ተኽልታት እናጸሞቕካ ከም ሽቶ፣ ኮዝሞቲክስ፣ መጸባበቒ ቅብኣታትን መድሓኒታትን ንምፍራይ ዝውዕል ጥዑም መዓዛ ዘለዎ ዘይቲ ምፍራይ ይከኣል’ዩ።

ንገጽ፣ ንጸጉሪ፣ ንሰብነት ዝኾኑ ቅብኣታት ስለዝርከቦም ኣብ ምፍራይ ሳሙና ተወሰኽቲ እታወታት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ድማ ተረድእ።

ብተወሳኺ ድማ እቲ ዘፍረየቶ ዘይቲ ንቖርበት ጥራሕ ዘይኮነስ ብኣፍ እውን እንተተዊዶም ዘኸትልዎ ጸገም ጥዕና ከምዘየለ ብምርግጋጽ ፍርያቶም የፍርዩ ምህላዎም ንቢቢሲ ገሊጻ።

ስለዝኾነ ረብሓታት ናይቶም ጥዑም መዓዛ ዘለዎም ዘይቲ ዝደሊ ሰብ ናብ መግ፣ ሻሂ ወይ ካልእ መስተ እናሓወሱ ክወስድዎም ይኽእሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከቡ ተኽልታት ኣብ ዘፍርይዎ ፍርያት ጥራሕ ኣድሂቦም ከምዝሰርሑ እትሕብር ፌቨን፤ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ መዓዛ ዘለዎም ተኽልታት እኹል መጽናዕቲ ስለዘይተገበረን ብዘመናዊ መገዲ ኣብ ረብሓ ስለዘይወዓሉን ዝጠፍኡሉ ሓደጋ ክህሉ ከምዝኽእል ስግኣታ ትገልጽ።

“ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣታኽልቲ ብደረጃ ዓለም ክፍለጡ ምግባር’ዩ ዕላማና” ትብል።

ስራሓት ፈቨን

ምንጪ ስእሊ, Feven

ዕድላት ስራሕ

ፌቨን ካብ ተኽልታት ዝዳለዉ ዘይቲ ተጠቂምካ ጽባቐ ኮነ ጥዕና ብምሕላው ኣብ ጥዕና ዝበጽሕ ጉድኣት ምትራፍ ከምዝከኣል ግንዛበ ናይ ምፍጣር ዕላማ ኣለዋ።

“ካብ ደገ ብብልቃጣት እናተዓሸጉ ዝመጽኡ ናይ ጽባቐ ቅብኣታት ነቲ ዝነበረ ፍልጠት ማሕበረብና ከይንፍትሽ ገይሮምና ኣለዉ” ትብል።

ንባህላዊ ፍልጠት መበገሲ ጌርካ ብዘመናዊ መገድን ኣቀራርባን ዝዳለዉ ምህርትታት ክልተ ረብሓታት ከምዝርከቦም’ያ ትዛረብ። እቲ ቀዳማይ ረብሓ ተፈጥሮኣዊ ነገራት ንጽባቐ ምጥቃም ክኸውን ከሎ ካልኣይ ረብሓ ድማ ባህላዊ ፍልጠት ምዕቃብ ከምዝኾነ ድማ ተረድእ።

ኣብዚ እዋን ትካላ ምስ ሓርቶት ስምምዕ ስራሕ ብምፍጻሙ ብቐጻሊ ቀረባት ንምርካብ ከምዘየጸግሞም ንቢቢሲ ገሊጻ።

ሓረስቶት እውን ንምህርቶም ዕዳጋ ከምዝረኽቡሉ ርግጸኛታት ክኾኑ ከምዝገበረ ትዛረብ።

ትካል ጫካ ኦሪጂንስ ብቐጥታ ምስ ሓርቶት ውዕል ስራሕ ምፍርራሙ ፍርያቶም ሒዞም ናብ ዕዳጋ ከይከዱ ዝሓሸ ገንዘብ ክረኽቡ ዕድል ከምዝፈጠረሎም’ያ ትሕብር።

“ብተወሳኺ ድማ ኣብ ዙርያ ኣጠቓቕማ ድኹዒ፣ ምርባሕ ኣጽዋት፣ ተኽልታት ጉድኣት ከይበጽሖም ብጥንቃቐ ምቑራጽ፣ ምስታይ ማይን ዝመሳሰሉን ግንዛበ ንህቦም ኢና” ትብል።

ኣብ እጽዋት ዝተመስረተ ኣገባብ መነባብሮ

እዚ ማለት ኣብ ደጋዊ ክፋል ሰብነትና እንጠቀሞም ወይ ናብ ውሽጢ እንወስዶም ኩሎም ነገራት ካብ ተኽልታት ማለት እጽዋት ብዝተረኸቡ ፍርያት ምትካእ ማለት’ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ሰዓል ዝሓዞ ሰብ ‘ቀላሚጦስ’ ክዕጠን ምግባር ዝተለመደ ተግባር ምዃኑ ይፍለጥ።

ስለዝኾነ ነቶም ከምዚኦም ዝበሉ ባህላዊ ወይ ልማዳዊ ተግባራት ብኣግባቡ ናብ ኩሉ ክባጻሕ ምግባር ቁጠባዊ ረብሕኡ ዝለዓለ ከምዝኾነ ፌቨን ትኣምን።

“ንኣብነት ኣብ ህንዲ ‘ኣዩርቬዳ’ ዝብልዎ ዓውዲ ኣለዎም። እዚ ዓውዲ ከኣ ንመሕለዊ ጽባቐ ካብ ዝውዕሉ ጀሚሩ ክሳብ ንመመቀሪ መግቢ፣ ቅመማትን ካልኦት ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ዝዳለዉን ነገራት ናብ ቁጠባዊ ረብሓ ንኸውዕሉ ዝንቀሳቐስ’ዩ” ክትብል ተረድእ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ስራሕታ ብምስፋሕ ብፍላይ ድማ ከም ጨና ኣዳምን ኮረሪማን ዝበሉ ተኽልታት ብቐዋምነት እናተጠቐመት ዘፍረየቶም ፍርያት ናብ ተጠቀምቲ ክበጽሕ እናገበረት ጸኒሓ’ላ።

“እንተሰሚሩልና ድሕሪ ሒደት ዓመታት ንጨና ኣዳምን ኮሰረትን ብመልክዕ ሻሂ ወይ ዘይቲ ምቕራብ ባህጊ ኣለኒ። ገሊኦም ንጣዕሚ ጥራይ ኢና ንጥቀሞም። ኣነ ኮሰረት ጣዕሙ ስለዝፈትዎ ናብ ሻሂ እናእተኹ እሰትዮ እየ። ንኸም ሕበጥ፣ ሕማም ጸላም ከብዲ፣ ንጽርየት ኮላሊትን ዝጠቕሙ ካልኦት [እጽዋት] እውን ኣለዉ” ትብል