በርሊን ማራቶን፡ "ልምዲ ከይሃለወኒ ቀዳመይ ብምውጽአይ ሕጉስቲ'የ" - ኣትሌት ጎተይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር በርሊን ማራቶን፡ ብደቂ ኣንስትዮ ንፈለማ እዋን ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈት ኣትሌት ጎተይቶም ገብረስላሴ ቀዳመይቲ ኮይና ከም ዝዛዘመት ይዝከር።
ጓል 26 ዓመት ጎተይቶም ውድድራ ብ2፡20፡09 ክትዛዝም እንከላ ድሕሪ 30 ኪሎ ሜትር ዝነበረ ውድድር ብጽቡቕ ብቕዓት እናመርሐት ክትውድእ ክኢላ እያ።
ንሳ ድሕሪ ውድድር ኣብ ዝሃበቶ ርኢይቶ በርሊን ንውድድር ጽቡቕ ቦታ ከም ዝኾነን ክትዕወት ከም እትኽእልን ተነጊሩዋ ከም ዝመጽአት ተዛሪባ።
"ግን ድማ ልምዲ ዘይብለይ እናሃለወ ቐዳማይቲ ብምውጽአይ ብጣዕሚ ሕጉስቲ'የ። ምድላው ገይረ'የ፤ እንተኾነ ኣብ ቐጻሊ ዘለውና ጸገማት ተፈቲሖም ንሕና'ውን ብሙሉእ ስነ ኣእምሮ ድሉዋት ኮይንና እቲ ውጸዕኢት ናብ 17 ወይ 18 ንምምሕያሽ ክጎዪ ክዳሎ'የ" ኢላ።
ኣትሌት ጎተይቶም፡ ኣብቲ ውድድር ክብረወሰን ክትሰብር ትጽቢት ካብ ዝተገብረሎም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት እኳ እንተነበረት፡ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ኩነታት ኣየር ግን ጽልዋ ከም ዘሕደረሎም ተገሊጹ።
"መጀመርታ ምስቲ ልምዲ ዘይነበረኒ ምዃነይ እቲ ኣየር ኣበይ'ዩ ጸቕጢ ገይሩለይ ዝብል ከስተብህሎ ኣይክኣልኩን ነይረ። 35 ኪሎ ሜትሮ ምስ ጎየኹ ግን ደኺሙኒ እቲ ኣየር ክንደየናይ ከቢድ ከም ዝነበረ ክፈልጥ ክኢለ። ስለዚ፡ እቲ ኣየር ከቢድ ስለ ዝነበረ እምበር ኣባይ ጸገም ኣይነበረን። ነዚ ተጻዊረ ቀዳማይ ብምውጽአይ ግን ሕዚ'ውን ሕጉስቲ'የ" ትብል።
ኣብ በርሊን ማራቶን ክሳተፍ'የ ዝብል ግምት ከም ዘይነበራ እትዛረብ ኣትሌት ጎተይቶም፡ ናይ መጀመርትኣ እንተኾነ'ውን ንክትዕወት ትጎዪ ከም ዝነበረት ገሊጻ።
"ስልጠና ክገብር እንከለኹ ዝከታተሉኒ ዝነበሩ ኣሰልጠንተይ ኣብ በርሊን እንተጎያ ፈጣን ሰዓት ክትጎዪ እያ ዝብል ግምት ነይሩዎም። ንዕኦም ክብርን ምስጋናን ኣለኒ፤ ብቐጻሊ'ውን ዓቕመይ ርእዮም የዋጽኣ'ዩ ኣብ ዝበሉኒ ክኣቱ ተስፋ ይገብር" ኢላ።
ብ2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሰለስተ ሽሕ ሜትሮ ቻምፒዮንሺፕ መናእሰይ ዓለም ኣትሌት ጎተይቶም ገብረስላሴ ብ8፡56.36 ቐዳመይቲ ኮይና ብምዝዛም ንኢትዮጵያ ወርቂ ኣምጺኣ እያ።
ኣብቲ ግዜ ጓል 16 ዓመት ኮይና ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ እንከላ፡ ኣብቲ ዓመት ዝቐልጠፈ ሰዓት ኣመዝጊባ።
ኢትዮጵያ'ውን ንመጀመርታ እዋን ዝተሳተፈትሉ ውድድር'ዩ።
ኣብዚ፡ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኬንያን ሓያል ንሕንሕ ከም ዝተራእየ ዝዝከር ኮይኑ፡ ዚፖራ ዋንጂሩን ካሮላይን ኪፒኩሪን ንሃገረን [ኬንያ] ሜዳሊያን ነሓስን ብሩንን ኣምጺአን።
-----
ኣብዚ ናይ በርሊን ማራቶን ውድድር ልዑል ትጽቢት ተገይሩላ ዝነበረት ኣትሌት ህይወት ገብረኪዳንን ሄለን ቶላን ካልኣይን ሳልሳይን ከም ዝወጽኣ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







