ኣትሌታት ጎተይቶም ገብረስላሰን ጉዬ ኣዶላን ተዓወትቲ ማራቶን በርሊን ኮይኖም

ጎተይቶም ገብረስላሰ

ምንጪ ስእሊ, World Athlethics

መግለጺ ስእሊ, ጎተይቶም ገብረስላሰ

ኣትሌታት ጎተይቶም ገብረስላሰን ጉዬ ኣዶላን ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ጀርመን በርሊን ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ማራቶን በርሊን ተዓወትቲ ኾይኖም።

ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ጎተይቶም ገብረስላሰ ካብ ምድብ ደቂ ኣንስትዮ ጉያ ማራቶን ቀዳመይቲ ብምውጻእ እያ ኣብቲ ውድድር ተዓዊቲት ኮይና።

ኣትሌት ጎተይቶም ነቲ ርሕቐት 2፡20፡ 09 ብዝኾነ ሰዓት ከምዝዛመቶ ካብ ዎርልድ ኣትሌቲክስ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ህይወት ገብረስላሰን ሄለን ቶላን ድማ 02፡21፡23ን 02፡23፡05 ብዝኾነ ሰዓት ካልኣይን ሳልሳይን ብምዃን ተዓዊተን።

ኣብ ምድብ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ድማ ኢትዮጵያ ጉዬ ኣዶላ ቀዳማይ ብምውጻእ ተዓዊቱ።

ጉዬ ኣዶላን

ምንጪ ስእሊ, TOBIAS SCHWARZ

ኣትሌት ጎዬ ነቲ ውድድር 02፡05፡45 ብዝኾነ ሰዓት እዩ ከምዝዛሞም እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ መልክት።

ኣብቲ ንሕንሕ ዝተርአየሉ ውድድር ኬንያዊ የጎን ቤትዌል ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ዛዚሙ።

ነቲ ውድድር ክዕወተሉ ትጽቢት ዝገበረሉ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ድማ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ወዲኡ።

ወዲ 30 ዓመት ጉዬ ኣዶላ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር በርሊን ማራቶነዕ፡ ንወናኒ ክብረ ወሰን ዓለም ዝኾነ ኢሉይድ ኪፕቾጌን ተኸቲሉ ካልኣይ ወጺኡ ምንባሩ ይዝከር።