ኣትሌታት ጎተይቶም ገብረስላሰን ጉዬ ኣዶላን ተዓወትቲ ማራቶን በርሊን ኮይኖም

ምንጪ ስእሊ, World Athlethics
ኣትሌታት ጎተይቶም ገብረስላሰን ጉዬ ኣዶላን ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ጀርመን በርሊን ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ማራቶን በርሊን ተዓወትቲ ኾይኖም።
ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ጎተይቶም ገብረስላሰ ካብ ምድብ ደቂ ኣንስትዮ ጉያ ማራቶን ቀዳመይቲ ብምውጻእ እያ ኣብቲ ውድድር ተዓዊቲት ኮይና።
ኣትሌት ጎተይቶም ነቲ ርሕቐት 2፡20፡ 09 ብዝኾነ ሰዓት ከምዝዛመቶ ካብ ዎርልድ ኣትሌቲክስ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ህይወት ገብረስላሰን ሄለን ቶላን ድማ 02፡21፡23ን 02፡23፡05 ብዝኾነ ሰዓት ካልኣይን ሳልሳይን ብምዃን ተዓዊተን።
ኣብ ምድብ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ድማ ኢትዮጵያ ጉዬ ኣዶላ ቀዳማይ ብምውጻእ ተዓዊቱ።

ምንጪ ስእሊ, TOBIAS SCHWARZ
ኣትሌት ጎዬ ነቲ ውድድር 02፡05፡45 ብዝኾነ ሰዓት እዩ ከምዝዛሞም እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ መልክት።
ኣብቲ ንሕንሕ ዝተርአየሉ ውድድር ኬንያዊ የጎን ቤትዌል ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ዛዚሙ።
ነቲ ውድድር ክዕወተሉ ትጽቢት ዝገበረሉ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ድማ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ወዲኡ።
ወዲ 30 ዓመት ጉዬ ኣዶላ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር በርሊን ማራቶነዕ፡ ንወናኒ ክብረ ወሰን ዓለም ዝኾነ ኢሉይድ ኪፕቾጌን ተኸቲሉ ካልኣይ ወጺኡ ምንባሩ ይዝከር።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







