ኣትሌቲክስ፡ ቀነኒሳ ንሃገሩ ኽወዳደር ዕድል እንተዘይረኺቡ ባንዴራ ኦሎምፒክ ተኸዲኑ ብውልቁ ከምዝሳተፍ ኣፍሊጡ

ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ

ምንጪ ስእሊ, Ian MacNicol

መግለጺ ስእሊ, ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ

ሻምፒዮና ኦሎምፒክን ዓለምን ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ዘቕረቦ ጥርዓን ካብ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ እኹል ምላሽ ዘይወሃቦ እንተኾይኑ ንባንዴራ ኦሎምፒክ ወኪሉ ብውልቁ ክወዳደር ከምዝኽእል ሓቢሩ።

ሻምፒዮና ዓለምን ኦሎምፒክን ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ “ንሃገረይ ወኪለ ከይወዳደር ብተደጋጋሚ ኣጊዱኒ” ክብል ንፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ነቒፉ።

ንሱ ምስ መስርሕ መረጻ ተሳተፍቲ ማራቶን ኦሎምፒክ ቶክዮ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀረባ እዋን ንዘቕረቦ ጥርዓን እኹል ምላሽ ዘይወሃቦ እንተኾይኑ ንዓለም ለኻ ባንዴራ ኦሎምፒክ ብምውካል ክወዳደር ከምዝኽእል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣትሌት ቀነኒሳ ኣብቲ ኣብ 2020 ክካየድ ውጥን ወጺእዎ ዝነበሮ ውድድራት ኦሎምፒክ ጃፓን ንኽሳተፍ ተመሪጹ ምንባሩ ብምዝኽኻር፤ ግን ከኣ ብሰንኪ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ 2021 ብምስግጋሩ ተሳተፍቲ ንምምራጽ ካልእ መጻረዪ ውድድር ምክያዱ ተቓዊሙ'ሎ።

ፌደሬሽን እንታይ ወሲኑ?

ፈጻሚ ስራሕ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ብ19 ሚያዝያ 2013 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፤ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመተ ፈረንጂ ዝካየድ ኦሎምፒክ ቶክዮ ዝሳተፉ ኣትሌታት ኢትዮጵያ ከምሓድሽ ብመጻረዪ ክፍለዩ ወሲኑ ነይሩ።

መጻረዪ ውድድር ብምክያድ ነቶም ኣትሌታት ምሕራይ ኣገዳሲ ምዃኑ ብኮሚቴ ቴክኒክ እቲ ፌደሬሽን፣ ኣሰልጠንትን ኣትሌታትን ሓበራዊ ውሳነ ከምዝተወሰነ እቲ ፌደሬሽን ኣፍሊጡ’ዩ።

በዚ መሰረት ኣብ 28 ሚያዝያ 2013 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ኣብ ዝተኻየደ መጻረዪ ውደድር ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ንዝርከቦም 12 ደቂተባዕትዮን 8 ደቂኣንስትዮን በቲ ፌደሬሽን ጻውዒት ቀሪቡ።

እቲ ውድድር ተኻይዱ ድማ ብኽልቲኡ ጾታ ካብ 1ይ ክሳብ 5ይ ዝወጽኡ ኣትሌታት በቲ ፌደሬሽን ወግዓዊ ኮይኖም።

ጥርዓን ኣትሌት ቀነኒሳ

ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ኣብቲ ብ2020 ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዝነበረ ኦሎምፒክ ጃፓን-ተክዮ ንሃገሩ ወኪሉ ንኽሳተፍ ብፌደሬሸን ኣትሌቲክስ ተሓርዩ ምንባሩ የዘኻኽር።

እንተኾነ እቲ ውድድር ብሰንኪ ዓለማዊ ለበዳ ናብ 2021 ስለዝተሰጋገረን ኣብ ቀረባ እዋን ውድድራት ስለዘይተኻየዱን ብዝብል ምኽንያት መምዘኒ ብቕዓት ዝኸውን ውድድር ንኽካየድ እቲ ፌደሬሽን ይውስን። ቀነኒሳ ግን በዚ ሕጉስ ኣይኮነን።

ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ፌደሬሸን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ንዝነበሮ ሕጊ ብምቕያር ኣብ ውሽጢ ዓዲ ውድድር ኣካይዱ ተወዳደርቲ ማራቶን ክሓርይ ምውሳኑ ልክዕ ከምዘይኮነ ተዛሪቡ።

ካልኦት ኣትሌታት እውን ብውሳነ እቲ ፌደሬሸን ሕጉሳት ከምዘይኮኑ ምግላጾም እቲ ኣትሌት ሓቢሩ።

“ነቲ ኣኼባ ረጊጾም ዝወጽኡ [ኣትሌታት] ነይሮም። እንተኾነ ናታቶም ቅሬታ ኣይተሰምዐን።’ ሕጉሳት ከምዘይኮኑ ተዛሪቦም ነይሮም። ‘ብቐጥታ ትመርጹና እንተኾይንኩም ክንመጽእ ኢና፤ ሕዚ ግን መጻረዪ ውድድር ንምግባር ድልየት የብልናን’ ኢሎም ነቲ ኣኼባ ገዲፎም ዝኸዱ ኣለዉ” ክብል ነቲ ኩነታት ኣረዲኡ።

ብደረጃ ዓለም ኣብ ውድድር ማራቶን ዘመዝገቦ ሰዓት ኣብ ዓለም ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ቅልጡፍ ሰዓት ምዃኑ ብምዝኽኻር ድማ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕናን ድልውነትን ከምዝርከብ ገሊጹ።

‘ኣብ ጽቡቕ ብቕዓት ከምእትርከብ ትኣምን እንተኾይንካ ስለምንታይ ኣብቲ መጻረዪ ውድድር ዘይተሳተፍካ?’ ዝብል ሕቶ ነቲ ኣትሌት ቀሪቡሉ ነይሩ።

“እቲ ውድድር ምኽያዱ ፍትሓዊ ኣይኮነን። ኣነ ናይቶም ዝተወዳደሩ ኣትሌታት ውጽኢት ጽቡቕ ከምዘይኮነ ኣይኮንኩን ዝገልጽ ዘለኹ። ንዝተሳተፉን ዘይተሳተፉን ክብሪ ኣለኒ። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብመሰረት ሰዓትና ሽድሽተ ኣትሌታት ተመሪጽና ኢና። ሎሚ ድማ ሓደሽቲ ኣትሌታት ተወሲኾም’ዩ እቲ ውድድር ተኻይዱ። እዚ ንርእሱ ፍትሓዊ ኣይኮነን” ዝብል መልሲ ድማ ሂቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንውድድር ማራቶን መጻረዪ ውድድር ካብ ዘይካየድ ነዊሕ ዓመታት ከምዝተቖጸረ ዝዛረብ ኣትሌት ቀነኒሳ፡ እቲ ኣብዚ ዓመት ዝካየድ ኦሎምፒክ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝሰገረ’ምበር ሓድሽ ከምዘይኮነ ገሊጹ።

“እቲ ውድድር ሰለስተ ኣዋርሕ ተሪፎምዎ ከለዉ ንምንታይ መጻረዪ ምግባር ኣድላዪ ኮይኑ? እቲ ሕጊ ስለምንታይ ተቐይሩ? እዚ ሓሳብ እንተነይርዎም ንምንታይ ቅድሚ ዓመታት ዘይገበርዎ? እዚ ማራቶን እምበር ናይ 5 ሽሕ፣ 10 ሽሕ ወይ ናይ ትራክ ውድድር ኣይኮነን” ኢሉ።

እቲ ሻምፒዮና ኦሎምፒክን ዓለምን ዝኾነ ኣትሌት ሒደት ኣዋርሕ ንዝተረፍዎ ኦሎምፒክ ኣብዚ እዋን ካልእ ናይ ማራቶን መጻረዪ ውድድር ምክያድ ጉድኣት ከምዝህልዎ ይዛረብ።

“እዚ ንኣትሌታት ዝጎድእ እዩ። ብድሕሪ ውድድር ቀልጢፉ ኣካላቱ ክሓውይ ዝኽእል ኣትሌት ኣሎ፤ ድሕሪ ውድድር ናብ ዝነበሮ ብቕዓት ንኽምለስ [‘ሪከቨር ንኽገብር’] ልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ጊዜ ዝወስደሉ’ውን ኣሎ። ስለዚ ነዚ ውድድር ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ከካይድዎ ምኸኣሉ። ነቲ መጻረዪ ከከይዱ ምዃኖም ቅድሚ ዓመት ከፍልጡን ኣብ ሕጎም ከስፍርዎን ምተገበአ” ይብል።

ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ

ምንጪ ስእሊ, Pool

መግለጺ ስእሊ, ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ

ኣብ ኦሎምፒክ ሪዮ ንኽይሳተፍ ከምዝተገበረ ዘዘኻኽር ቀነኒሳ ኣብቲ ፌደሬሽን ንውልቀ ሰባት ዘነጻጸሩ ጥቕዓታት ከምዝፍጸሙን ሓድሽ መሪሕነት ብዝመጽአ ቁጽሪ ሓደሽቲ ሕግታት ናይ ምውጻእ ተርእዮታት ከምዘሎን ሓቢሩ።

“ብልውቀይ ክሳተፍ እኽእል’የ”

ኣትሌት ቀነኒሳ ከምዝበሎ ኣብዚ እዋን ቅርትኡ ብደብዳበ ጽሒፉ ናብ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኣእትዩ’ሎ። ነቲ ዘቕረቦ ጥርዓን ቅልጡፍ ምላሽ ዘይህብዎ እንተኾይኖም ግን “ንባንዴራ ኦሎምፒክ ወኪለ ብውልቀይ ክሳተፍ እኽእል’የ” ኢሉ።

"ኣትሌት ሩስያ ንሰንኪ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ምጥቃሞም ንሃገሮም ወኪሎም ከይተወዳደሩ ተሪፎም ነይሮም። ሽዑ ግን ብውልቆም ክሳተፉ ኪኢሎም። ነቲ ውድድር ብዓወት እንተዛዚሞም ንባንዴራ ዓለምለኸ ባንዴራ ኣትሌቲክስ የልዕሉ። ኣነ ነዚ ክገብር እኽእል'ዶ ኣብ ዝብል ዝፈልጦ ነገር የብለይን ስለዚ ምስ ማናጀረይ ብምዝርራብ ነዚ ዕድል ዝረኽበሉ ኩነታት ከጣጥሕ'የ" ኢሉ።

እንተኾነ ናብ ከምዚ ዝበለ ውሳነ ምብጻሕ ከቢድ ምዃኑ ዝገልጽ ቀነኒሳ፡ ባንዴራ ሃገርካ ክተልዕል ብዘይምኽኣልካ ብናይ ኦሎምፒክ ባንዴራ ምውድዳር ንስምዒት ከምዝጎድእ ኣረዲኡ።

ብኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ኣብ ዝተልዓሉ ቅርታታት ዝወሃብ ርእይቶ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ንምርካብ ዝገብርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።