ድያጎ ማራዶና፡ ኣብ እዋን ሕማሙ ትሑት ሕክምናዊ ክንክን ከምዘጋጠሞ ጸብጻብ ወጺኡ

ድያጎ ማራዶና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ድያጎ ማራዶና

ውሩይ ኣርጀንቲናዊ ተጻዋታይን ኣሰልጣንን ነፍስሄር ድያጎ ኣርማንዶ ማራዶና ኣብ እዋን ሕማሙ ትሑት ሕክምናዊ ክንክንን ሓልዮትን ከምዘጋጠሞ፡ ንኣማውትኡ ኣመልኪቱ መጽናዕቲ ዘካየደ ጉጅለ ሓካይም ገሊጹ።

ድያጎ ኣርማንዶ ማራዶና ኣብ 25 ሕዳር 2020 ምስ ዓረፈ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣርጀንቲና ኣማውትትኡ ክምርመር ምእዛዞም ይዝከር።

ድያጎ ኣርማንዶ ማራዶና ኣብ መበል 60 ዓመቱ'ዩ ኣብ ቦነስ ኣይረስ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ቤቱ ብሕማም ልቢ ሞይቱ።

ማራዶና፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር'ውን ኣብ ሓንጎሉ ዘጋጠሞ ምርጋእ ደም ንምእላይ ዕዉት መጥባሕቲ ኣካይዱ ነይሩ።

ወሉፍ ኣልኮላዊ መስተ ዝነበረ ድያጎ ኣርማንዶ ማራዶና፡ ካብቲ ወልፊ ንምንጋፍ ዝሕግዞ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ'ውን ኣብ መደብ እዩ ነይሩ።

ዓለምና ካብ ዘርኣየቶም ድንቂ ዝኾነ ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ሓደ ዝኾነ ማራዶና፡ ሓሽሽ ዝወስድን ወሉፍ ኣልኮላዊ መስተ ስለዝነበረን ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ጸገማት እዩ ዘሕልፍ ነይሩ።

ኣብ 1986 ዝተካየደ ዋንጫ ዓለም ሓለቓ፡ ጋንታ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ብምዃን ንሃገሩ ዋንጫ ዘግዘመ ማራዶና፡ ሞቱ ምስ ተሰምዐ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ኵዕሶ እግሪ ኣብ ሓዘን ተሸሚሞም እዮም፡ ኣብ ሕክምና ዝግበረሉ ዝነበረ ሕክምናዊ ናብዮት ዝምልከት'ውን ብዙሕ ሕቶታት ክልዓል ጀሚሩ።

ማራዶና ምስ ሞተ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ኣኽበርቲ ሕጊ ኣርጀንቲና፡ ኣብ እዋን ሕማም ማራዶና ዝኣልይዎ ዝነበሩ ሓካይምን ነርስታትን መርመራ ክካየደሎም ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት 20 ኣባላት ሰብ ሞያ ሕክምና ዝሓቐፈት ጉጅለ ብምቋም፡ ማራዶና ኣብ እዋን ሕማሙ ዋሕደ ክንክንን ዕሽሽነትን የጋጥሞ እንተነይሩ መጽናዕቲ ብምክያድ ጸብጻባ ከተቕርብ ስልጣን ሂቦማ።

ድያጎ ማራዶና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ጸብጻብ እንታይ እዩ ዝብል?

እቲ በቶም መርመራ ዘካየዱ ሰብ ሞያ ጥዕና ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ብዓርቢ'ዩ ኣብ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ተቓሊሑ።

እቲ 70 ገጽ ዘለዎ ጸብጻብ፡ ማራዶና ቅድሚ ሙማቱ ኣብ ዝነበረ 12 ሰዓታት ብጽኑዕ ከምዝሓመመን፡ ኣብቲ እዋን እቲ ግቡእ ምክትታል ከምዘይተገበረሉ ዝገልጽ ጸብጻብ ሰፊሩ ኣሎ።

ነቲ በቶም ሰብ ሞያ ዝተውሃበ ጸብጻብ ብምጥቃስ ናይ ኣርጀንቲና ጋዜጣ ክላሪን፡ እቶም ንማራዶና ዝከታተሉ ዝነበሩ ሰብ ሞያ ሕክምና ጉድለት ከምዝነበሮም ገሊጾም።

እቶም ነቲ ጸብጻብ ዘቕረቡ ሰብ ሞያ፡ ማራዶና ኣብ ክንዲ ኣብ ገዝኡ፡ ኣብ ሕክምና ከይዱ ግቡእ ሕክምናዊ ምክትታል እንተዝግበረሉ ነይሩ ናይ ምድሓን ዕድል ነይርዎ'ዩ ኢሎም።

እቶም ጸብጻብ ዘቕረቡ ጉጅል እቶም ንማራዶና ዝከታተሉ ዝነበሩ ሰብ ሞያ ሕክምና "ዘይብቑዓትን ዘይግዱሳትን'ዮም" ኢሎም ከምዝገለጽዎም ቅደሕ እቲ ጸብጻብ ዝበጽሖ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣቃሊሑ።

ናይ ማራዶና ውልቃዊ ሓኪም ዝኾነ ወዲ 39 ዓመት ልዮፖልዶ ልኳዋንን ውልዋዊ ሓኪም ኣእምሮ ናይ ማራዶናን ካብቶም ብኣክበርቲ ሕጊ ኣርጀንቲና መርመራ ዝተኻየደሎም እዮም።

ብመሰረት እቶም ሰብ ሞያ ዘቕረብዎ ጸብጻብ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣርጀንቲና ኣብ ልዕሊ ሓካይም ማራዶና ክሲ ክምስርቱ ድዮም ግን ብሕጂ'ዩ ክረአ።

ጋዜጣ ክላሪን፡ ነቲ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር እቶም ሓካይም ናይ ማራዶና ብቕትለት ሰብ ክክሰሱ ከምዝኽእሉ ኣብ ዓምድታታ ኣስፊራ።

እቲ መርመራ ከካየድ ክልተ ደቁ ንማራዶና እየን ናብ ቤት ፍርዲ ብምዃድ ከሲ መስሪተን፡ ደቂ ማራዶና፡ ኣቦአን መጥባሕቲ ናይ ሓንጎል ምስ ተገበረሉ ኣብቲ ዝግበረሉ ዝነበረ ሕክምናዊ ኣልያ ስክፍታ ከምዝነበረን ብምግላጽ'የን መርመራ ክካየድ ናብ ቤት ፍርዲ ሕቶ ኣቕሪበን።

ውልቃዊ ሓኪም ማራዶና ልዮፖልዶ ልኳዋ፡ ዝኾነ ዝተፈጸመ ጌጋ ከምዘይነበረ ብምግላጽ ነቲ ዝወጽአ ጸብጻብ ነጺግዎ ኣሎ።

ዶክተር ልዮፖልዶ ልኳዋን፡ ድሕሪ ሞት ኣርማንዶ ማራዶና ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ህይወት ዓርኩ [ማራዶና] ንምድሓን ኩሉ ዝክኣሎ ነገር ከምዝገበረ ብስምዒት ገሊጹ ነይሩ።