ድሕሪ ሞት ማራዶና፡ ፖሊስ ንሓኪሙ ምርመራ ይግበረሉ ኣሎ

ዲያጎ ኣርማንዶ ማራዶና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምስ ሞት ዲያጎ ኣርማንዶ ማራዶና ብዝተኣሳሰር፡ ፖሊስ ኣርጀንቲና ንሓኪም ናይ’ቲ ውሩይ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ምርመራ ይገብረሉ ኣሎ።

ፖሊስ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ቦነስ ኣይረስ ንዝርከብ ናይ ዶ/ር ሊዮፖልዶ ሉኮን መንበሪ ቤትን ማእከል ሕክምናን ፈቲሹ’ሎ።

እዚ ምርመራ ክግበር ዝኸኣለ፡ ማራዶና ዕውት ዝተብሃለ መጥባሕቲ ድሕሪ ምክያዱ፡ ብሃንደበት ስለዝሞተ፡ ኣብ ከይዲ ሕክምናኡ ሸለልትነት ኣጋጢሙ ከይኸውን ዝብል ጥርጣረ ስለዝተፈጥረ እዩ።

እቲ ወዲ 60 ዓመት ኮኾብ ተጻዋታይ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ እዩ ብድኻም ልቢ ሞይቱ።

እቲ ሓኪም ዛጊድ ክሲ ኣይተመስረቶን፤ ንሱ’ውን ዝኾነ ዝፈጸምኩዎ ጌጋ የብለይን ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ እዩ።

ማራዶና ቅድሚ ሞቱ፡ ዕውት ዝተብሃለ ናይ ርእሲ መጥባሕቲ ኣካይዱ ነይሩ። ነዚ መጥባሕቲ ክገብር ዝተገደደ ድማ፡ ኣብ ርእሱ ምልክታት ምርጋእ ደም ስለዝተርኣዮ እዩ ነይሩ።

ደቁ፡ ኣብ ከይዲ ሕክምና ኣቦአን ምጽራይ ክግበር ድፍኢት ከምዝገበራ ይግለጽ።

ፖሊስ፡ ማራዶና ቅድሚ ምሟቱ ዝግበረሉ ዝነበረ ሕክምና እንታይ ከምዝመስል እዩ ከጻርይ ዝደሊ ዘሎ።

ፖሊስ ኣሕዲርዎ ዘሎ ጥርጣረ፡ እቲ ሓኪም ድሕሪ እቲ መጥባሕቲ ክገብሮም ዝግብኡ ዝነበሩ ጥንቃቐታት ከይገበረ ተሪፉ ከይኸውን ዝብል እዩ።

ብተወሳኺ ድማ፡ ማራዶና ነቲ መጥባሕቲ ገይሩ ናብ ገዝኡ ምስተመለሰ፡ ንክሓዊ ዘኽእልዎ ነገራት ተጣጢሖምሉ ነይሮም’ዶ ዝብል’ውን ምጽራይ ክግበረሉ እዩ።