ኣትሌቲክስ፡ ኬንያዊት ኣትሌት ብሪጊድ ኮሲጌ ኣብ ውድድር ማራቶን ለንደን ተዓዊታ

Brigid Kosgei

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ወናኒት ክብረወሰን ዓለም ውድድር ማራቶን ዝኾነት ኬንያዊት ብሪጊድ ኮሲጌ ኣብ ማራቶን ለንደን ተዓዊታ። በዚ ድማ ነቲ ሒዛቶ ዝጸንሐት ክብተወሰን ክትዕቅብ ኪኢላ።

ጓል 26 ዓመት ኮሲጌ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ያ ነቲ ብኣትሌት ፓውላ ራድክሊፍ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረወሰን ዘመሓየሸቶ።

ንሳ ነቲ ናይ ሎመዓልቲ ውድድር ኣብ ውሽጢ 2 ሰዓት 18 ደቒቓን 58 ሰከንድን ብምውዳእ ዝተዓወተት ኮይና፤ 30 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ሽልማት ወሲዳ'ላ።

"እቲ ኩነታት ኣየር ጽቡቕ ብዘይምንባሩ ብኸቢድ ተፈቲንና ኢና" ክትብል ንቢቢሲ ስፖርት ተዛሪባ። "ክሳብ እታ ዝወዳእኹላ ህሞት ተፈቲነ እየ" ክትብል'ውን ወሲኻ ገሊጻ።

ኣትሌታት ብምኽንያት ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እኹል ምድላው ከምዘይገበሩ ዘዘኻኸረት እታ ኣትሌት "ኣብ ዝቕጽል ዓመት ግን ንዝሓሸ ውጽኢት ክዳሎ እየ" ኢላ።

ወትሩ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝካየድ ዝነበረ ማራቶን ለንደን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ውሑዳት ፍሉጣት ኣትሌታት ጥራይ ኣብ ዝተሳተፉሉ'ዩ ንሎሚ ክካየድ ተወሲኑ።

ብተመሳሳሊ ብናይ ደቂተባዕትዮ ክብረወሰን ዘለዎ ኬንያዊ ኣትሌት ኤልዩድ ኪፕቾጌ ኣብቲ ብድሕሪ ናይ ደቂኣንስትዮ ዝጀመረ ማራቶን ለንደን እናተሳተፈ ይርከብ።

ምስ ኪፕቾጌ ከቢድ ውድድር ክገብር ትጽቢት ዝተገበረሉ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ብሰንኪ ኣብ ዳንግኡ ዘጋጠሞ መጉዳእቲ ክሳተፍ ከምዘይክእል ቅድሚ ክልተ መዓልታት ከምዘፍለጠ ይዝከር።