ወዲ ፌላ ኩቲ፡ ብሓቂ ወዲ ኣቡኡ ከም ዝኾነ ዘመስከረ ስነጥበበኛ

ምንጪ ስእሊ, Seun Kuti
ወዲ ህቡብ ድምጻዊ ኣፍሮቢት ፌላ ኩቲ ዝኾነ ሴውን ኩቲ፡ ንእሽቶይ ከሎ እዩ ምስ ባንድ ኣቡኡ ክጻወት ጀሚሩ።
እቲ ናይጀርያዊ ምልክት ሙዚቃ ምስ ሞተ፡ ሴውን ኩቲ መራሒ ናይታ ኣብቲ እዋን’ቲ 'ኢጂፕት 80' እትበሃል ዝነበረት ጉጅለ ኮይኑ።
ድምጺ ሴውን ምዕባለ ኣርእዩን ፍሉይን’ኳ እንተኾነ ብዙሕ ካብቲ ሙዚቃ ኣብኡ ዝፍለጠሉ ፍናንን ጉልበትን ሙዚቃውነት'ውን ኣለዎ።
ኣብ ቀረባ ክንራኸብ ከለና ሴን፡ ዝያዳ ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጽምዶ ፌላ’ዩ ነይሩ።
እቲ ዕላልና ሰፊሕ ኮይኑ፡ ሴን ካብ ናይ ናይጀርያ ሓድሽ ባጤራ ክሳብ ኣብ መንጎ ድኹም ጥዕና ኣእምሮን ሃልኪን ዘሎ ምትእስሳር ፡ ንኹሉ ዝተንከፈ ነይሩ።
ኣፍሪቃውያን ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝፈረዩ ዓበይቲ መካይንን ክዳውንትን ምግዛእ 'ሕጉስ ይገብረና እዩ' ኢሎም ይታለሉ ከም ዘለዉ ሴውን ይኣምን።
ሓንቲ ኣርእስቲ ካብ ደርፍታት ኣቡኡ ብምጥቃም – መግዛእታዊ ኣተሓሳስባ ናብ ውሽጥና ኣስሪጽናዮ ኣለና።
“ክንደይናይ ኣውሮጳዊ ነገራት ክትገዝእ ትኽእል? ኣብ ኩሉ ህቡባት ደርፍታት ትሰምዖ፡ ኣብዚ ዘለናሉ ምኽንያት ብዝተኻእለ መጠን ጉቺን ሉዊስ ቪን፡ ክንዲ ዝከኣለና ሰዓትን ሰንሰለት ኣልማዝን እዚ ኩሉ ዘደናግሩና ነገራትን ንክንገዝዕ እዩ ዝመስል። ኣፍሪቃውያን፡ ብሓቂ ዓወት ንሃገርካ ምህናጽ ምዃኑ’ውን ኣይፈልጡን እዮም።”
እቲ ዝገርም ግን ኣብ ዕላልና ሴውን ንሓድሽ ወለዶ ስነጥበባውያን ኣፍሮቢትስ ንእሽቶ ብቐጥታ ዘጥቀዐ ይመስል።
“ነቶም ከምዚ ዝገብሩ [ኣፍሮቢትስ ዝሰርሑ] መንእሰያት ስለዝኾኑ ኣይነቐፎምን’የ፡ ኣነ ዝነቅፍ ነቶም ነዚ ዝሰምዑን ክዓብዩ ዘይደልዩ ዓበይቲ’የ።”
ሴን ኣብ 2019 ንሽልማት ግራሚ ተሓጽዩ’ኳ እንተነበረ፡ ከምቲ ሓደ ሓደ ግዜ ንሙዚቃን ግጥምን ኣቡኡ ዝጠቕስ ዊዝኪድን በርና ቦይን ዘስተማቐርዎ ዓይነት ዓወት ግን ኣይረኸበን።
ስለምንታይ ካብ ዝዓበየ ተፈታውነት ንላዕሊ ንንቕሓት ዝመልኦ ግጥሚ ቀዳምነት ክህብ ከም ዝመረጸ ገና ከም ዝተረድኦ ነጊሩኒ።
ንፌላ ፈጺሙ ከምቲ ኣብ ሰብዓታት ዝነበረሉ ኮኸብነቱ ስለ ዘይፈልጦ እዩ።
ኣብቲ እዋን’ቲ ብዛዕባ ምሕያል ጸለምቲ ዝገልጽ ግጥሚ ብዓለም ደረጃ ቀንዲ ኣረኣእያ ኣብ ዝነበረሉን ከም በዓል ማርቪን ጋይ ዝኣመሰሉ ስነጥበባውያን ነቲ ኣብ ኣመሪካ ዝነበረ ምንቅስቓስ ሲቪላዊ መሰላት ድምጺ ዝህቡሉ ዝነበሩ እዋን’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







